Basic

መንእሰይ ኤርትራ!

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Monday, 01 April 2024

ከመይ ኣሎ መንእሰይ ኤርትራ፡

ጠበቃ ሃገሩ ኣብ ዲያስፖራ፡

ኤረይ ምስ በለ ቃሉ ዘይቀየራ።


ሃገሩ ዝሰርዕ ቅድሚ ናብርኡ፡

ስጡም ዘይብተኽ መስርዑ፡

ህዝብኻ ኩሉ ብኣኻ ኮሪዑ።


ኣምባሳደር ኢኻ ወኪል ሃገር፡

ቆንስል ኢኻ ኣሳላጢ ነገር፡

ኣገልግሎት ትህብ ብዘይ ገለነገር።


ዋዕላ ተካይድ ኢህን ምሂን ዘተ፡

ድቁስ ተባራብር ዓይኑ ዝዓመተ፡

ሸለል ከይበልካ ሃገራዊ መኸተ።


መልስኻ ቁሩብ'ዩ ንሓያላን በሃልቲ፡

ትገብሮም ከይደቀሱ ክሓድሩ ከም ዛርቲ፡

ኣፎም ተትሕዞም ንለባማት መሰልቲ።


መስርዕካ ምስ ሃገር ራብዓይ ግንባር፡

ጓልካ ወድኻ ትሰርሕ ብሓባር፡

ቀጽሎ እቲ ሰናይ ተግባር።


ጸላእትኻ ኣብ ቀዝሒ ሪሂጾም፡

ከም ጥሙይ ከልቢ ተዓማጺጾም፡

ካብ ሰላም ምንባር ማእሰርቲ መሪጾም።


ብርጌድ ንሓመዱ ዝተባህለ፡

ኣብ ኤውሮፓ ኮይኑ ዝፈከረ፡

ኣብ ከናዳ ፍንጥሪዕ ዝበለ፡

ፈስቲቫል ስያትል ጀበና ፍንጃል ዝሰበረ፡

ሎሚ መሪራቶ ናብራ ከም ዕረ፡

ተመስገኑ 4ይ ግንባር ደቂ ኤረ፡

ጾር ተቐቢልኩም ማዕረ ብማዕረ፡

ኣብ ሞቑሕ ዳጒንኩሞ ኣይሰምዕን ዝበለ።

----------------------///////---------------------




WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events