Basic

ስክፍታ ኣሎኒ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 12 November 2024

*ዝተረረ ጉዕዞ ብዓወት ዛዚምና፡

ዝተጠጅኡ ሽርሕታት ከምትኪ ኣብኒና፡

ኣብዚ ክንበጽሕ ምሩጻት ከፊልና፡

ስቕ ኣይንብል ጌጋ እናረኤና።


*ኩሉ ዝጽረግ ናይ ርሑቕ ቀረባ ጸራሪግና፡

እታ ዘንጊ ሓቂ ኣብ ዓለም ኣንበልቢልና፡

ፈታዊ ጸላኢ ከምዝፈልጣ ጌርና

ይፈርህ ግን ከይስዕርር ብልሽውና።


*ግዜ መጺኡ ሃገር ንሃንጸሉ፡

ኣሰራርሓ ትካላት ዝፍተሸሉ፡

ብልሽውና ከይስዕርር ንጥንቀቐሉ፡

ብመልሓሱ ዝነበር ተበላጺ ከይህሉ።


*እዚ ህዝቢ ቀዳምነት ሂቢ ስቕ እንተበለ፡

ኣብ ጎድኒ መንግስቱ ኮይኑ እንተተጋደለ፡

ልቢ ኣዕብዩ ግዜ እንተዋህለለ፡

ኣለዎ ዝዓቖሮ ዝበሃል ገለ። 


*ከይህልዉ ዘስቀጡ ተበለጽቲ፡

ዘይረኽቦም ዝመስሎም መንግስቲ፡

ሃነፍነፍ ዝብሉ ቅኑዓት መሰልቲ፡

ፈጺሞም ዝረስዑ ናይ ጀጋኑ መስዋእቲ።


*ኣለዉ ገና ሃገር ክሃንጹ ዘየዕረፉ፡

ኣብ ቤቶም ኮፍ ኢሎም ዘየተንፈሱ፡

ምስ ደቆም ደቂ ደቆም ኣብ ቃልሲ ተሰለፉ፡

ሃገር ብኦም'ዩ ሕማማ ተፈዊሱ።














ERi-TV, Eritrea - ኣዴታት፡ ሰብ ሓዳርን፡ ኣደ ቆልዑን ተሳተፍቲ ሳዋ - Mothers who are participating at Eritrean National Service training center in Sawa

Dehai Events