Basic

(ሓዳስ ኤርትራ) ዕርቂ ምስ ሓቀኛ ታሪኽ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 26 February 2025

ዕርቂ ምስ ሓቀኛ ታሪኽ 
ረቡዕ 26 ለካቲት 2025 
 ቪርጂል ዝተባህለ ገጣሚ፡ ኣብ መንጎ 29-19 ዓመት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ
“ኤነይድ”(Aeneid) ዘርእስቱ ንንግስነት ‘ሮማውያን’ ምስ ‘ትሮይ’ ከተኣሳስር
ዝጸሓፎ ልቢወለድ ተራኺ ግጥሚ፡ ኣብ ኤውሮጳ ህቡብ’ዩ። ነገስታት ኤውሮጳ
ህዝቢ ንስልጣኖም ካብ ሰማይ ዝወረደ መለኰታዊ ገይሩ ምእንቲ ክርዕሞ ከም
‘ኤነይድ’ ዝኣመሰለ ብዙሕ ጽውጽዋያት ብክኢላታት ደረስቲ ኣጽሒፎም
እዮም።

 ኣብ ዞባና ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን፡ ‘ካብ ነገስታት ኤውሮጳ ኣይንንእስን’ ብዝዓይነቱ
ነብሰ-ምትሓት (Inferiority complex)፡ ፍሩይ፡ ጥንታውን መለኰታውን
ንምምሳል ዝተደርሰ ጽውጽዋያዊ ትረኻታት ኣይተሳእነን። ፍሉይነቱ፡
ኤውሮጳውያን ሎሚ ነዚ ከምዚ ዓይነት ትረኻ’ዚ ከም ልቢወለድ ድርሰት
ክርድእዎ ከለዉ፣ ኣብ ከባቢና ግን ከም እሙን ሃገራዊ ታሪኽ ዝቕበልዎ
በሃማት (እንተላይ ቀለም ቀመስ መራሕትን ልሂቃንን) ገና ብብዝሒ ምህላዎም
እዩ።

 ጽውጽዋያዊ ታሪኽ ከባቢና፡ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ከይተረፈ ብዘዘንብዕ ረሲእነት
እተደርሰ’ዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ሓንቲ ሃገር ካብ ካልኦት ፍልይቲ፡ ስማ እተቐደሰ፡
ዶባ ብፈጣሪ እተኸለለ ኣምሲሉ ህዝቢ ከደንቊር ዝፍትን’ዩ። ገሊኡ፡ ኣብ ሓደ
መዋእል ታሪኽ፡ ኣብ ፍሉይ ከባቢ ዓንቢቡ ዝጠፍአ ጥንታዊ ስልጣነ፡ ከም
በይናዊ ታሪኽ ናይቲ ሕጂ ኣብኡ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ገይሩ ዘቕርብ’ዩ። ገሊኡ
እውን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ሃገር ዝበሃል ዘይፍለጥ እንከሎ፡ በብኸባቢኡ እናተላዕሉ
ንሓድሕዶም ዝዋረሩ ዝነበሩ፡ ዓመጽቲን ገፋዕቲን መሳፍንቲን ሃጸያትን፡ ከም
ሓለውቲ ዶብ ጥንታዊት ሃገር ገይሩ ንመሃይማን ታሪኽ ከእምን ዝፍትን’ዩ።
እዚ ብኣእምሮ ሰባት ዘላግጽ ትረኻታት፣ ንገለ ህዝብታት ዞባና “ኣፍራስና ማይ
ባሕሪ ይሰትዩ ነይሮም፡ ግዝኣትና ስግር ባሕሪ ክሳብ መን’ዶ በልዎ ይበጽሕ
ነይሩ” ብዝዓይነቱ ናይ ታሪኽ ህውተታ ኣደንቊሩ፡ ክሳብ ሕጂ ዕዳ ኮይኑዎም
ይርከብ። 

 ‘ሃገር’ ዝብል ኣምር ብደረጃ ዓለም’ውን እንተኾነ ካብ 400 ዓመታት
ዝሓልፍ ዕምሪ የብሉን። ኣብ ኣፍሪቃ እሞ ከኣ፡ ድሕሪ 1885 ውዕል በርሊን
ምስ መግዛእቲ ኤውሮጳ ዝመጸ እዩ። ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ካልእ ከባቢታት
ኣፍሪቃ ዝተፈልየ ታሪኽ ነይሩዎ ኢሉ ዝሓስብ፡ ታሪኻዊ ንቕሓት ዘይብሉ
ጥራይ’ዩ። ኤውሮጳዊ መግዛእቲ እንተዘይመጽእ፡ ኣብ ዞባና ኮነ ኣብ መላእ
ኣህጉር ኣፍሪቃ ሃገራት ንክፍጠራ ነዊሕ ግዜ ምወሰደ። እዚ ሕጂ ዘሎ ካርታ
ድማ ብርግጽ ካልእ መልክዕ ምሓዘ።

 ነዚ ስነፍልጠታዊ ታሪኻዊ ሓቂ ምቕባል ዝፈርሕ፡ ኣብ ጽውጽዋይ
ዝተሸጐጠ ድንጉር ትረኻታት፡ ነቶም ከም ውጽኢት መግዛእቲ ኣብ ሓንቲ
ሃገር ዝተጠምሩ ህዝብታት ንሓድሕዶም ኮነ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ብሰላም
ከይነብሩ ስኒት እናኸልአ፡ ሓደ ካብ ጠንቂታት ቅልውላዋት ቀርኒ ኣፍሪቃ
ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ እምበኣር፡ ካብዚ ዘለውዎ ጸገምን
ድሕረትን ዘየዕርፍ ግጭታትን ክላቐቑ፡ ቅድም ቀዳድም ምስ ሓቀኛ ታሪኽ
ክዕረቑ የድልዮም። ድንቊርና ወጊድ ኢሎም ክዉን ታሪኽ ክቕበሉ፡ መገዲ
ሰላም፡ ሕውየትን ዕዉት መስርሕ ህንጸት ዘመናዊ ሃገርን’ዩ።

 ሃገርነት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢና ዝሓየለን ዝሰመረን ዘቕንእን ክኸውን ዝኸኣለ፡
ህዝቢ ኤርትራ፡ ውድዓውን ስነፍልጠታውን ትንተና ታሪኽ ዝሰረቱ ዘመናዊ
ሃገር፣ ብቅኑዕ ታሪኻዊ ንቕሓት ንትሕተ ሃገራውነት ጸብለል ዝበለ ሓድነት፣
ከም ውጽኢቱ ልዑል ሃገራውነት ዝሕላገቱ ብሉጽ ሃገራዊ ትካላት ጸጥታን
ሰራዊትን ክፈጥር ስለዝበቕዐ’ዩ። ሰላምን ርግኣትን ዝፈጠረ ታሪኻዊ ንቕሓት
ኤርትራውያን ንካልኦት ህዝብታት ዞባና ኣርኣያ እዩ። ብናይ ሓሶት ታሪኽ
ዝፈርስ እምበር ዝህነጽ ሃገር የለን። 

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events