መራሕቲ ኢትዮጵያ ኤርትራ መጺኣትና፡ ኤርትራ ክትሃርመና ትዳሎ ኣላ፡ ኤርትራ ንሓይሊ ኣምሓራ ትሕግዝ ኣላ፡ ኤርትራ ምስ ግብጺ ኮይና ከተጥቅዓና ተሰማሚዓ፡ እሰያስ ክወረና'ዩ፡ እሰያስ ናባና ይጥምት ኣሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብቡሬ ይቀላቐሉ ኣለዉ፡ ወዘተ ዝብል ዘህተፍትፍ ሕማም መዓስዩ ክሓድጎም? እቶም ብብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኣምኖም ደብተራታት፡ ጦንቆልቲ፡ ጾሎት ደገምቲ፡ ናይ ሽግርካ ፈውሱ ምሳና ኣሎ በሃልቲ፡ ክእለቶም ነዞም ስም ኤርትራ እናጸውዑ ክብህርሩ ዝነብሩ ዘይፍውስ ድዩ? ዓሰብ ዝበሃል ሕማም ፈውሱ ምስ ዋናታቱ ተላዚብካ እንተዘይኮይኑ ዋላ ፍንጃል ማይ ካብ ባሕር ኤርትራ ብሓይሊ ምውሳድ ካብ ብዕራይ ጻባ ምሕላብ ማለት'ዩ። መንግስትን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንትርፎ ቅሳነት፡ ሰላምን ብልጽግቲ ሃገርን ክትህልዎም ካልእ ክፉእ ምንዮት የብሎምን። ሰላም ጎረባብትና ኣካል ሰላምና ስለ ዝኾነ።