Basic

ግብጺ፡ 'ኢትዮጵያ ክሳዕ ምጽኣተ-ዓለም ወደብ ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ'

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 03 November 2025

ግብጺ፡ 'ኢትዮጵያ ክሳዕ ምጽኣተ-ዓለም ወደብ ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ'


ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ
ምንጪ ስእሊ,Getty Images
3 ሕዳር 2025, 10:30 EAT

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ በድር ዓብደልዓጢ ምስ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ስዑዲ ዓረብ `ኣል ዓረብያ` ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ናይተን ኣብቲ ገማግም ዝርከባ ሃገራት ጉዳይ ምዃኑ ብሓይለ-ቓል ተዛሪቡ።

ነታ ባሕሪ-ኣልቦ ኢትዮጵያ ካብ ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ዘግለለ ኰይኑ፡ "ጂኦግራፊ ወዲ-ሰብ ክቕይሮ ዘይክእል መለኮታዊ ፍርዲ እዩ፣ ኢትዮጵያ ድማ ክሳዕ ምጽኣተ-ኣለም ወደብ-ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ፡"ብምባል ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ዝዀነ ግደ ከም ዘይህልዋ ገሊጹ።

ግብጺ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምዃን፡ "ነዚ ኣገዳሲ መተሓላለፊ መስመር ምምሕዳሩ ኰነ ጸጥታኡን ምርግጋኡን ንምሕላዉ ኣውራ ሓላፍነት፡" ከም ዝስከማ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ምምሕዳር ቀይሕ ባሕሪ ሓድሽ መርሓ ንምውጻእ ኣብ ዘተ ከም ዘለዋ ተዛሪቡ።

ግብጺ፡ ነዚ ካብ ኣገደስቲ መተሓላለፊ ንግድን መጓዓዝያ ጸዓትን ዓለም ዝዀነ መስመር በተን ብቐጥታ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ክመሓደር ከም ዘለዎ እያ ትምጕት።

ምኒስተር በድር ዓብደልዓጢ እተን ኣብ ግማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራሕ ኣብ ምምሕዳሩ ሕጋዊ፡ ስትራተጅያውን ሞራላውን ሓላፍነት ከም ዘለወን ብምግላጽ፡ እታ ወደብ-ኣልቦ ዝዀነት ኢትዮጵያ ኣብ ምምሕዳር እቲ ባሕሪ ክትሳተፈሉ እትኽእል ሕጋዊ መሰረት ከም ዘይብላ ኣስሚርሉ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሃገሩ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ ዘለዋ "ታሪኻዊ. . .ቅቡል ሕቶ" ዳግማይ ክርአ ኣለዎ ድሕሪ ምባሉ ክሳዕ ሕጂ ብዝተፈላለየ መንገድን ሰበስልጣንን ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ብ16 መስከረም 2025 `የመደመር መንግስት` ዝብል መጽሓፉ ኣብ ዘመረቐሉ፡ "ኢትዮጵያ ንዘልኣለም እስርቲ ጂኦግራፊ ኰይና ክትነብር እያ ኢሉ ዝሓስብ ኢትዮጵያዊ እንተ ሃልዩ፡ ብደው ዝሞተ 'ዩ፡" ከም ዝበለ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ምኒስተር ዓብደልዓጢ ድማ ኢትዮጵያ፡ "ክሳዕ ምጽኣተ-ዓለም ወደብ ኣልቦ ኰይና ክትጸንሕ እያ፡" ክብል ፈኪሩ።

ኤርትራ ድማ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝወሃብ መግለጺታት መልሲ ክትህበሉ ጸኒሓ እያ።

ጕጅለ ኤርትራውያን ምሁራን ብ8 ጥቅምቲ 2025 ናብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዓረብ ሊግ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ማሕበራትን ኣብ ዝለኣኹዎ መልእኽቲ፡ "ዝዀነት ሃገር ናይ ካልእ ሃገር ዶብ ብሓይሊ ክትቅይር ሕጋዊ ወይ ሞራላዊ መሰል የብላን። ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሮ ብሰንኪ ኲናታትን ግጭታትን ብዙሕ ዋጋ ከፊሉ እዩ፤ ከም ውጽኢቱ ልዑል ስቓይ ሰባት፡ ምምዝባልን ምህማሽ ቍጠባን ኣስዒቡ። ካልእ ተወሳኺ ምትፍናን ድማ ንኽልተአን ሃገራትን መላእ እቲ ዞባን ኣዕናዊ ክኸውን እዩ፡" ብምባል ምጥንቃቖም ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ግብጺ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ዘካየዶ ርክብ፡ ግብጺ ኣብ ምድልዳልን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዘለዋ ተራ ዓሚቝ ኣድናቘቱ ገሊጽሉ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ ብወገኑ፡ ሃገሩ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምድጋፍ ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ግብጽን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ናይቲ ኣብ መስከረም ዝተመረቐ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ንነዊሕ ዓመታት ክዋጠጣ ጸኒሐን እየን።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደልዓጢ፡ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ "ህይወት ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከቡ ሚልዮናት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ገይራ እያ፡" ኢሉ ብምኽሳስ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ከም እትወስዶ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት፡ ምኽትል ቀዋሚ ወኪል ኢትዮጵያ ዮሴፍ ካሳዬ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ግብጺ ብዛዕባ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ዘቕረበቶ ዘረባ፡ መሰረት ዘይብሉን ዘጋግይን እዩ፡" ብምባል ድሕሪ ምንጻግ፡ ግብጺ፡ "ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ብተደጋጋሚ እሙናት ዘይኰኑ ክስታት ናብ ቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ'ያ፡" ክብል ወቒሱ።

ግብጺ፡ ኣብዚ ኢትዮጵያ ካብ ቀዳማይ ምኒስተራን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊታን ኣትሒዛ ክሳዕ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ `ዋንነት ባሕሪ` ንእተካይዶ ዘላ ወፍሪ፡ ከም እትቃወም ትሕብር ኣላ።

ንቐይሕ ባሕሪ ዘዋስና ሃገራት ሸሞንተ ኰይነን ኤርትራ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ የመን፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ዮርዳኖስን እስራኤልን እየን።

ግብጺ፡ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብመንገዲ መትረብ ስወጽ ንእትረኽቦ ኣታዊ ብቐጥታ ስለ ዝጸልዎ፡ ኣብቲ መስመር ዝህሉ ምዕባለታት ብኣንክሮ እያ ትከታተሎ።

ዕጡቓት ሑቲ ካብ ሕዳር 2023 ኣትሒዞም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕትታት ከካይዱ ብምጅማሮም ኣታዊታት ግብጺ ካብ መትረብ ስወጽ ብዓቢይ ከም ዝጐደለ እዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብግንቦት 2025 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰንኪ "ዞባዊ ኵነታት" ክሳራ ኣታዊታት መትረብ ስወጽ ወርሓዊ ብኣስታት 800 ሚልዮን ዶላር ከም ዝነከየ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ሸሞንተ ኰይነን ኤርትራ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ የመን፡ ግብጺ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ዮርዳኖስን እስራኤልን እየን።

ኢትዮጵያ ካብዘን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ምስ ኤርትራ፡ ጅቡትን ሱዳንን ብመሬት ትራኸብ።


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events