Dehai News

ሓዳስ ኤርትራ፡ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ-ካልኣይ ክፋል

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 26 March 2017

ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ-ካልኣይ ክፋል
መጋቢት ዕለት 26 2017 ዓም ፈረንጂ
ሰንበት መጋቢት 17, 2009 ዓም*ግእዝ-ብኣና*

“እዚ መትከል’ዚ ዝኾነ ሰብ ብዘይሕጊ ከይፍረድን ከይቅጻዕን ዝከላኸል መትከል ..”
ኣብ ግዜ ማእሰርቲ ዝወሃብ ናይ “ቅድመ-ኩነታዊ ምልቃቕ” ሓለፋ ኣብ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ሰፊሩ ከምዘሎ፡ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ሰብ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ እንተተወሲኑሉ መቕጻዕቱ ክፍጽምን ክእረምን ናብ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ይለኣኽ። እተን ኣብ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ዝጸንሓለን ግዜ ከኣ ዘለዎ ገበናዊ ዝምባለ ኣሪሙ፡ ኣካዳምያውን ሞያውን ብቕዓት ደሊቡን ኣፍራዪ ዜጋ ኮይኑን ናብ ሕብረተሰብ ምእንቲ ክጽምበር፡ ብዝተኻእለ መጠን መንፈሳዊ፡ ስነ- ልቦናዊ፡ ኣካዳምያውን ሞያውን ስልጠናታትን ኣስተምህሮታትን ይወሃቦን ኣካላዊ ብቕዓቱ ዝዕቅበሉን ዝነቓቓሓሉን ዝተፈላለየ ስፖርታውን ማእቶታውን ንጥፈታት ይቕረበሉን። እዚ እሱር ኣብ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ ብዘርእዮ ናይ ባህሪ ለውጢ “ኩነታዊ ምልቃቕ” ክፍቀደሉን ክንፈጎን ይኽእል። እቲ ናይ ሕጊ እሱር ብዝተወሃቦ ኣስተምህሮታትን ስልጠናታትን ናይ ባህሪ ለውጢ ከምዘምጸአ፡ ብዝፈጸሞ ገበን ከምዝተጣዕሰ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ተጸምቢሩ ብሕጊ ተማእዚዙ ክነብር ከምዝኽእል፡ ብቁጠባ ነብሱ ክኢሉ ዝነብረሉ ሞያ ከምዘጥረየ፡ ዜግነታዊ ሓላፍነት ዝስሞዖ ዜጋ ከምዝኾነ ወዘተ… ዘረድኡ ጭቡጣት ነጥብታት ምስዘመዝግብ፡ ብርእይቶ ሓላፊ ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን “ኩነታዊ ምልቃቕ” ንክፍቀደሉ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ይኽእል። እቲ ቤት ፍርዲ ከኣ ናቱ መጽናዕትን ገምጋማትን ድሕሪ ምግባር “ኩነታዊ ምልቃቕ” ክፈቕደሉ ወይ ክነፍጎ ይኽእል። ብመሰረት ድንጋገታት ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ፡ ሓደ ናይ ሕጊ እሱር 2/3 (ክልተ ሲሶ) ናይ ዝተፈርዶ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ምስፈጸመ፡ ወይ ከኣ ንሕልፈት ዝተፈርደ ምስዝኸውን 20 (ዕስራ) ዓመት ካብ ፍርዱ ምስዛዘመ፡ “ብኩነታዊ ምልቃቕ” ክልቀቕ ይኽእል። እዚ ማለት ግን “ኩነታዊ ምልቃቕ”፡ ስሙ ከምዝሕብሮ፡ ብዘይቅድመ ኩነት ዝፍቀድ ከምዘይኮነ ምግንዛብ የድሊ። ብኩነታዊ ምልቃቕ ካብ ማእሰርቲ ዝወጸ ሰብ እተን ዝተረፋ ናይ ማእርቲ ግዜ ንሕልፈት ዝተፈርደ እንተኾይኑ ከኣ እንተበዘሐ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ትዕዝብቲ ይጸንሕ። ኣብ ውሽጢ’ዚ ናይ ትዕዝብቲ ግዜ ከም ዘይተኣረመ ዘርኢ ባህሪ ምስ ዘንጸባርቕ ግን እቲ ኩነታዊ ምልቃቕ ተሰሪዙ እተን ተሪፈን ዝነበራ ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ተመሊሱ ይቕጸዐን።

  1. ፍዳ (Just desert)፡እዚ ዕላ መቕጻዕ ቲኣብ 1970ታት ህቡብነት ዘጥረየን ነቲ ኣቐዲሙ ብሕነ-ምፍዳይ ዝፍለጥ ዝነበረ ዕላማ መቕጻዕቲዝተከአንኮይኑ፡ ስርዓተ-መቕጻዕቲ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ’ውንሰረትገይሩዝተነድፈሉዕላማእዩ።እዚዕላማ’ዚ “…ፍዳዘይንጸልኣካልዕለታዊፍርድታትናይናእዳንወቐሳንእዩ።ሕብረተሰብንዝበደለክቐጽዕጽቡቕንዝገበረከኣክንእድባህርያዊእዩ”… ወዘተካብዝብልስነ-መጎትስለዝብገስ፡እቶምካልኦትዕላማታትመቕጻዕቲኣብቦታኦምእንዳሃለዉ፡ገበነኛዓስቢዝፈጸሞሕብረተሰብዘይቅበሎባህሪመቕጻዕቲክረክብግቡእእዩናብዝብልመደምደምታብምብጻሕ “ግቡእፍዳ” ከምመሰረታዊዕላማመቕጻዕቲሰረትዝገብርንነዚዕላማ’ዚዘሳሲስርዓተ- መቕጻዕቲዘዋድድንኣገባብ’ዩ።ግቡእፍዳመሰረታዊዕላማመቕጻዕቲገይሩዝንደፍገበናዊሕጊ፡ሓላፍዘላፍንዘይምዕሩይንፍርዲንምውጋድንርጉጽንኣቐዲምካዝፍለጥንመቕጻዕቲንምውዳድንንሓደዓይነትፍጻመገበንዝስላዕዝለዓለንዝተሓተንደረትመቕጻዕቲከምዝጸብብይገብር።ገበናዊሕጊኤርትራ’ውንብከምዚዝተጠቕሰኣገባብዝተቓነየስርዓተ-መቕጻዕቲዝሓቖፈኮይኑንረኽቦ።

ከምዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ እምበኣር፡ መሰረታዊ ዕላማ ገበናዊ ሕጊ ከምቲ ኣብ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ተደንጊጉ ዘሎ፡ ፍጻመታት ገበን ብምክልኻል ስርዓት፡ ሰላምን ድሕነትን ሃገርን ነበርታን ምውሓስን ምዕባለ ምድራኽን ኮይኑ፡ ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ንምጭባጥ ብቐዳምነት ነቶም ሕብረተሰብ ዘይቅበሎም ዕንቅፋት ሰላምን ስርዓትን ዝኾኑ ባህርያት ደቂ ሰብ እንኮላይ ዘስዕብዎ መቕጻዕቲ ብምድንጋግን ብምእዋጅን ሕብረተሰብ ከምዝፈልጦም’ሞ ካብ ምጥሓሶም ከምዝቑጠብ ብምግባር ፍጻመ ገበን ይከላኸል። ነዚ ብሕጊ ዝተወሃበ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ገበን ንዝፍጽሙ ኣባላት ሕብረተሰብ ከኣ ናብ ፍርዲ ብምቕራብ፡ ከምቲ ክብ ኢሉ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ብመንገዲ መቕጻዕቲ ፍጻመ ተወሰኽቲ ገበናት ይከላኸል።

መትከላት ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሕታም ዝተገልጸ ገበናዊ ሕጊ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መሳርሒታት ምክልኻል ገበን ኮይኑ፡ ሓደ ሕብረተሰብ ዘይቅበሎም ባህርያት ምስናይ ዘስዕብዎ መቕጻዕቲ ዘርዚሩ ብምእዋጅ ነቲ ሕብረተሰብ ግቡእ መጠንቀቕታ ብምሃብን ንዝጥሕስዎ ብምቕጻዕን ፍጻመታት ገበን ክከላኸል ይዕልም። መቕጻዕቲ ክበሃል እንከሎ ከከም ኩነታቱ ሕጊ ዝተኸተለ ምድራት መሰላት ሂወት፡ ንብረትን ናይ ምንቅስቓስ ሓርነትን ዘስዕብ ከቢድ ስጉምቲ ብምዃኑ፡ ንጹህ ሰብ ብጌጋ ከይልከምን ንሕጊ ተማእዚዙ ክሳብ ዝኸደ ብምሉእ ምትእምማን ዕለታዊ ሂወቱ ምእንቲ ክመርሕ ንገበነኛ ጥራይ ካብ ሕብረተሰብ ፈሊኻ ንምውጻእ ዘኽእል ኣገባብ ክህሉ የድሊ። ገበናት ንምጽራይን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ንምቕራብን ክሕለፍ ዘለዎ መስርሕ ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ንንጹሃት ኣብ ሂወቶም ግዳይ ናይ ዘይተደልየ ምትዕንቓፋት ከይኮኖም ዕቱብ ጥንቃቐ ዝሓትት’ዩ። ገበናዊ ሕጊ’ምበኣር በቲ ሓደ ገበነኛታት ግቡእ መቕጻዕቲ ከይረኸቡ ከየምልጡ በቲ ካልእ ከኣ ንጹሃት ብጌጋ መሰረታዊ መሰላቶም ከይድረት ሚዛን ዘትሕዝ ኣገባባት ሓቚፉ ይንደፍ። ኣብዚ ኣርእስትና’ምበኣር ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ካብ ዘስፈሮም ንጹህ ብጌጋ ከይብደል ዝከላኸሉ መትከላት ከንርኢ ኢና።

  1. መትከል ሕጋውነት፡

እዚ መትከል’ዚ ዝኾነ ሰብ ብዘይሕጊ ከይፍረድን ከይቅጻዕን ዝከላኸል መትከል ኮይኑ ብሓሙሽተ ንኡሳን መትከላት ይግለጽ። ንሳቶም ከኣ፡

1.1. ዝኾነ ሰብ ብሕጊ ብዘይተኸልከለ ባህሪኡ ኣይቅጻዕን፡

እቲ ቀዳማይ ኣብ መትከል ሕጋውነት ዝሕቆፍ ንኡስ መትከል፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ግዜ ፍጻመ ብሕጊ ብዘይተኸልከለ ባህሪኡ (ግድፈት ወይ ተግባር) ገበነኛ ኣይብሃልን ዝብል እዩ። እዚ ማለት ከኣ ድሒሩ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ገበናዊ ሕጊ ሓደ ሰብ ንዝፈጸሞ ግድፈት ወይ ተግባር ገበን እንተገበሮ’ውን ህሉዊ ዝስራሓሉ ገበናዊ ሕጊ ዘይከልከሎ ተግባር ወይ ግድፈት ክሳብ ዝኾነ በቲ ድሒሩ ዝተኣወጀ ሕጊ ገበነኛ ተባሂሉ ክፍረድ ኣይግባእን ማለት እዩ። እዚ መትከል’ዚ ዜጋታት ኣቐዲሙ ብዘይተኣወጀ ሕጊ ከይፍረዱ ዝኽልክል እዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ እዋን ፍጻመ ብገበን ዘቕጽዕ ዝነበረ ተግባር ወይ ግድፈት ብሓድሽ ዝተኣወጀ ገበናዊ ሕጊ ስሩዝ እንተተገይሩ (ገበናዊ ባህሪኡ እንተ’ጥፊኡ)፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ተግባር ወይ ግድፈት ክምስረት ተሓሲቡ ዝነበረ ገበናዊ ክሲ ወይ ድሮ ዝተመስረተ ገበናዊ ክሲ ዝዕጾ ምዃኑ’ውን እዚ መትከል የነጽር።

1.2  ኣብያተፍርዲኣብሕጊዘይሰፈረመቕጻዕቲወይስጉምትታትኣይወሰናን፡

እዚ ኣብ መትከል ሕጋውነት ዝሕቆፍ ንኡስ መትከል’ዚ ኣብያተ ፍርዲ ካብ’ቶም ብሕጊ ዝተኣዘዙ ዓይነታት መቕጻዕቲ ዝተፈልየ ከይውስና ወይ ስጉምቲ ከይወስዳ ዝኽልክል እዩ። እዚ መትከል’ዚ፡ ፈራዶ መቕጻዕቲ ኣብ ምውሳን ካብ’ቶም ብሓጋጊ ኣካል ዝተኣዘዙ ዓይነታት መቕጻዕቲ ወጺኦም ንገበነኛታት ኣብ ፍሉጥ ዘይኮነን ባዕላውን መዐየሪታት መቕጻዕቲ ከይወድቁ ልጓም ኮይኑ ዘገልግል መትከል እዩ። ካብ’ዚ ብተወሳኺ ገበናዊ ሕጊ ንሓደ ገበናዊ ተግባር ወይ ግድፈት ዝስልዖ መቕጻዕቲ ዝለዓለን ዝተሓተን ደረት ክገብረሉ ወይ ፍሉጥ ኣማራጺ መቕጻዕቲ ክድንግግ ግድን እዩ። እዚ ከኣ ኩነታት ኣፈጻጽማ ገበን፡ ኩነታት ክሱስን ረብሓ ሕብረተሰብን ኣብ ግምት ብምእታው ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝለዓለን ዝተሓተን ደረት መቕጻዕቲ ንምቅላልን ንምክባድን ክሕግዝ ይኽእል። ስለዚ፡ ዳያኑ ካብ’ቲ ብሕጊ ዝተዋህቦም ደረት መቕጻዕቲ ክወጹ ይኹን ነቲ ብሕጊ ዝተወሰነ ዓይነት መቕጻዕቲ ገዲፎም ካልእ ኣብ ሕጊ ዘየለ መቕጻዕቲ ንከይውስኑ ሓለዋ ዝገብር ድንጋገን መትከልን ገበናዊ ሕጊ ኢዩ።

1.3. ዝኾነ ሰብ ኣብ ግዜ ፍጻመ ገበን ኣብ ሕጊ ብዘይተኣዘዘ መቕጻዕቲ ኣይቅጻዕን፡

እዚ ሳልሳይ ንኡስ መትከል ሕጋውነት’ውን፡ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ግዜ ፍጻመ ገበን ዘይነበረ መቕጻዕቲ ከይውስና ዝኽልክል እዩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ፍጻመ ገበን ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ብዝምልከት ሕጊ ዝድንግጎ ዝነበረ ዓይነት መቕጻዕቲ ማእሰርቲ ኮይኑ ዝለዓለ መቕጻዕቲ 5 (ሓሙሽተ) ዓመት ጽኑዕ ማእሰርቲ እንተኾይኑ’ሞ ኣብ ግዜ ፍርዲ ዝተኣወጀ ሓድሽ ሕጊ ነቲ መቕጻዕቲ ናብ 10(ዓሰርተ) ዓመት ጽኑዕ ማእሰርቲን ተወሳኺ ክሳብ ናቕፋ 100,000 ዝበጽሕ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ እንተ ኣበሪኽዎ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ብመሰረት’ዚ ድሒሩ ዝተኣወጀ ሕጊ ዘይኮነስ ብመሰረት’ቲ ኣብ ግዜ ፍጻመ ገበን ዝነበረ መቕጻዕቲ፡ ማለት እንተበዘሐ 5 (ሓሙሽተ) ዓመት ጽኑዕ ማእሰርቲ እዩ ክውስን እዚ መትከል ዘገድድ። እዚ መትከል’ዚ ዜጋታት ገበን ኣብ ዝፈጸሙሉ ግዜ ብዘይነበረ ዘይፈልጥዎ መቕጻዕቲ ከይቅጽዑ ይከላኸል። ብኣንጻሩ ግን እቲ ኣብ ግዜ ፍርዲ ዝተኣወጀ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ኣብ ግዜ ፍጻመ ገበን ዝነበረ መቕጻዕቲ ዝንኪ እንተኾይኑ፡ ሕብረተሰብ ብዛዕባ’ቲ ብገበነኛ ዝተፈጸመ ተግባር ኩነኔኡ ጎዲሉ ምህላዉ ዘገንዝብ ስለዝኾነ ንረብሓ ናይ’ቲ ገበነኛ ብኣብያተ ፍርዲ ዝወሃብ ውሳነ መቕጻዕቲ በቲ ሓድሽ ዝተኣወጀ ሕጊ መሰረት ክኸውን እዚ መትከል የገድድ።

1.4. መትከል ብምምስሳል ገበን ዘይምፍጣር፡

እዚ መትከል’ዚ ኣብያተ ፍርዲ ብምምስሳል ኣብ ሕጊ ብንጹር ዘይሰፈረ ገበን ከይፈጥራን ከይቀጽዓን ዝኽልክል መትከል እዩ። ኣብያተ ፍርዲ “ዘይንጹር ድንጋገታት ሕጊ” ናይ ምትርጓም ስልጣን ኣለዎም። ውርጹጽ ሕጊ ዝበሃል ክህሉ ስለዘይክእል፡ ደያኑ ዝተወሰነ ሕጋዊ መትከላት ተኸቲሎም ዘይንጹር ድንጋገታት ሕጊ ክትርጉሙ ስልጣኖም እዩ። ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ’ውን ደያኑ ኣጠራጣሪ ትርጉም ኣብ ዘለዎ ድንጋገ ብመሰረት መንፈስን ዕላማን እቲ ድንጋገን ሓጋጊ ኣካል ብዝሓለኖ ትርጉምን ክትርጉሙ ስልጣን የልብሶም። ካብኡ ሓሊፉ፡ ዘይንጹርን ክልተ ወይ ልዕሊኡ ምኽኑይ ትርጉም ክህብ ዝኽእልን ቃል ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ደያኑ ንክሱስ ብዘርብሕ ኣገባብ ትርጉም ክህብዎ ከምዝግባእ ገበናዊ ሕጊ ኤርትራ ይድንግግ። እዚ መትከል’ዚ፡ ዘይንጹር ሕጊ ክትርጉሙ ስልጣን ዝለበሱ ኣካላት ነዚ ስልጣን ተጠቒሞም፡ ኣብ ሕጊ ብንጹር ዘይሰፈረ፡ ምስ መንፈስን ዕላማን ገበናዊ ሕጊ ዘይሳነን ካብ ትጽቢታት ሓጋጊ ኣካል ዝረሓቐን ሓድሽ ገበን ንከይፈጥሩን ንከይቐጽዑን ልጓም ንምግባር ተባሂሉ ዝተኣታተወ መትከል ሕጊ እዩ። ሕጊ ናይ ምትርጓም ስልጣን ብዘይገደብን ብዘይንጹር መምርሒታትን ነጻ ምስዝግደፍ፡ እቲ ዝትርጉም ኣካል “ዘይንጹር” ንዝብሎ ድንጋገ፡ ከከም ማሕበረ – ቁጠባዊ፡ ባህላውን ድሕረ – ባይታኡ፡ ከከም ዝምባለኡን ስምዒታቱን ኣዝዩ ዝተመጠጠ ትርጉም ንክህብን ሓጋጊ ኣካል ዘይሓለኖ ሓድሽ ገበናት ክፈጥርን ባብ ዘርሑ ከይከውን ዝተገብረ ሓለዋ ኢዩ። ዜጋታት ብዘይተኣወጀ፡ ዘይተገልጸሎምን ዘይፈልጥዎን ሕጊ ብገበን ዝሕተቱ እንተኾይኖም፡ ርጉጽነት ሕጊ ይሃስስ።

1.5. መትከል ንሓደ ገበን ክልተ ግዜ ዘይምቕጻዕ፡

እዚ መትከል’ዚ ዜጋታት ብዝፈጸምዎ ሓደ ገበን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ናብ ፍርዲ ከይቀርቡን ከይቅጽዑን ዝከላኸል መትከል እዩ። ሓደ ሰብ ብገበን ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ነጻ እንተተባሂሉ ተመሊሱ በታ ነጻ ዝተበሃለላ ገበናዊ ፍጻመ ከይክሰስን ናብ ፍርዲ ከይቀርብን እዚ መትከል’ዚ ሓለዋ ኮይኑ ይከላኸል። ካብኡ ሓሊፉ፡ ሓደ ሰብ ብገበን ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡን እንተተቐጺዑን፡ ከም እንደገና በዚ ዝተቐጽዓሉ ገበናዊ ፍጻመ ተኸሲሱ ናብ ፍርዲ ከይቀርብ እዚ መትከል ይከላኸል። እዚ መትከል’ዚ ንሓደ ገበናዊ ፍጻመ እንዳመቓቐልካ ነቲ ሓንሳብ ናብ ፍርዲ ዝቐረበ ሰብ ኣብ ቀጻሊ ኣደራዕ መስርሕ ስርዓት ገበናዊ ፍትሒ ከምዝነብር ብምግባር መሰረታዊ መሰላቱን ክብሩን ኣብ ሓደጋ ንከይወድቕ ክከላኸል ዝቖመ እዩ። እዚ መትከል’ዚ ብቐንዱ ኣኽባር ሕጊ ኣብ ምምስራት ክሲ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ዘዘኻኽር እዩ። ምኽንያቱ ኣኽባር ሕጊ ሓንሳብ ክሲ መስሪቱ ነቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ እንተ’ቕሪብዎ’ሞ ቤት ፍርዲ ከኣ ኣንጻር ክሱስ እኹል መርትዖ ስለዘይቀረበሉ ብነጻ እንተ’ሰናቢትዎ፡ ኣኽባር ሕጊ ነታ ፍጻመ ብዝምልከት ዳግም ክሲ ክምስርት ስለዘይክእል ቅድሚ ክሲ ምምስራቱ ኣንጻር ክሱስ ዝኣከቦ መርትዖ ንገበናውነት ክሱስ ኪኖ ምኽኑይ ምጥርጣር ሓሊፉ ዘረድእ ምዃኑ ከረጋግጽ የገድድ።

  1. መትከል ኪኖ ምኽኑይ ምጥርጣር፡

እዚ መትከል’ዚ ዝኾነ ክሱስ ብቤት ፍርዲ ገበነኛ ምዃኑ ዘረጋግጽ ፍርዲ ንክወሃብ ዝሕተት ሚዛን መርትዖ ዝምልከት ኮይኑ፡ ደያኑ ብኣኽባር ሕጊ ኣንጻር ክሱስ ዝቐርብ መርትዖ ክሱስ ነቲ ገበናዊ ፍጻመ ከምዝወዓሎ ኪኖ ምኽኑይ ምጥርጣር ሓሊፉ ከረድእ ዝኽእል ምዃኑ ከየረጋገጹ ኣብ ልዕሊ ክሱስ ገበነኛ ዝብል ውሳነ ከየሕልፉ ይከላኸል። ኣንጻር ክሱስ ዝቐርብ መርትዖ ብዝተኻእለ መጠን ንሕልና ደያኑ ዘዕግብን ክሱስ ነቲ ገበናዊ ፍጻመ ከምዝወዓሎ ብዘየጠራጥር ኣገባብ ዘረጋግጽን ክኸውን እዚ መትከል ይጠልብ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግን፡ ክሱስ ንዝቐረበሉ ክሲ ከምዝወዓሎ ብግሉጽ ቃላት እንተኣሚኑሉ፡ ኣንጻሩ መርትዖ ኣይቀረበን ተባሂሉ ነጻ ይበሃል ማለት ከምዘይኮነ ክንግንዘብ ይግባእ። ኣብ ቤት ፍርዲ ብክሱስ ዝተወሃበ ቃል- እምነት ሕጋውነቱ ርጉጽ እንተኾይኑን ዘጠራጥር ነገራት እንተዘይተረኺብዎን፡ ተወሳኺ መርትዖ ምቕራብ ከየድለየ ገበነኛ ዝብል ውሳነ ክወሃብ እዚ መትከል ይፈቅድ።

..............ይቕጽል


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events