Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ ካብ ሰነድ ታሪኽ-ቦጦሎኒ ጥራሕ እግራ........................

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 07 April 2017

 
 
 
 
 
 
 

Hagerawi Dihnet - ሃገራዊ ድሕነት፡

ዓርቢ ዕለት 7 ማዝያ 2017 ዓም ፈረንጂ
 

. . . . 1987 በጽሐ። ግንባር ናቕፋ ኣይከም ቀደሙን። ሓሙኽሽቲ ከም ዝበዝሖ ቅሁም ጓህሪ ድኽምክም ኢሉ’ዩ። ዳርጋ ኣብ ዓሰርተ ዓመቱ፡ ምስ እምባን ሩባን ሳሕል ተራጺሙ- ተራጺሙ፡ እርጋን ከንጸላልዎ ደለየ። ዘይኣርግ ንእስነትን ዘይዝሕል ማዕበልን የለን።

 

ምስ ኩሉ ትምክሕቱ ከኣ ‘እዚ ናደው’ ጉብጥ ናብ ምባል ገጹ ዛዘወ። ንትሽዓተ ዓመታት መመላእታ’ዩ ከም ሕሱም ተገሪፉ። ህዝባዊ ግንባር ከኣ፡ ነቲ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ዘፍ ዘበሎ ሓይሊ፡ ኮፍ ኢሉን ኣዕሚቑን ገምገሞ። ብሕጊ ኲናት፡ ኣብ ደረጃ ጃላነት ከም ዝኣተወ ኣረጋገጸ። ጃላነት፡ እተን ኣፍ-ንኣፍ ዝተወሃሃባ ብልሒታት፡ መን ኣትሪሩ ርእሲ መስማሩ ሃረመ’ያ ትውስና። ማዕረ ሓይሊ’ዩ። ድሕሪኡ እቲ ዝተዓወተ፡ ላዕለዋይ ኢድ ስለ ዝሕዝ፡ ዝደለዮ ናይ ምግባር ዓቕሚ ይውንን። ኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊት 16፡ ተጋዳላይ ዑመር ጠዊል፡ ንማእከልነት ቦጦሎኒ ሓይልኣብ ተስፋይ፡ “ሓደ ስራሕ ክንሰርሕ ኢና።

 

እቲ ሓላፍነት ከኣ ንክፍለ-ሰራዊትና ተዋሂቡ ኣሎ። ካብኡ- ናብኡ ከኣ ብቦጦሎኒኻ ዝትግበር ናይ ስልኳ መደብ ስለ ዘሎ፡ ልክዕ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ (1985)ዝገበርኩሞ፡ ኣሃዱኻ ሒዝካ ናብ ውሽጢ መኣዘዚ ነቑጣ ጸላኢ ክትኣቱ ተዳሎ! እዚ ስራሕ’ዚ ዕዉት እንተ ዀይኑ ታሪኻውነቱ ዓቢ’ዩ። እንተ ተሰናኺሉ ግን፡ መላእ ቦጦሎኒ እያ ንመስዋእቲ ክትውፈ።

 

ካብኡ ዝወጽእ ተጋዳላይ ክህሉ ኣይኰነን። “ ዝብል ዕቱብ መምርሒ ሃቦ። ሓይልኣብ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ብውሽጡ በቲ ቀዳማይ ናይ ዓወት መንፈስ ጥራይ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ንነብሱ ኣእመና። ከንፈሩ ነኺሱ ከኣ፡ ንካልኢታት ሓሰበ። ‘ኣማኢት ሓጺን ዝቝርጥሙ መንእሰያት ሒዘ፡ ኣየናይ ጸገም’ዩ ዝዓግተኒ!’ ክብል፡ ንውሽጡ ሕቶ ብዝመስል ሓሳብ መለሰላ። ሽዑ ካብ ጽፍሩ ክሳብ ጫፍ ጸጉሪ-ርእሱ፡ እቲ ዝደቐቐ ዋህዮ ናይ ኣካላቱ ከይተረፈ፡ ብናይ ዓወት መንፈስ ተሓደሰ።

 

ማዕረ ማዕሪኡ ግን፡ እቲ ኣብ ኮሚንታንግ፡ ቅድሚ ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ውግእ ህሩግ ኢሉ ተዘከሮ። እቶም ካብ እምባ ደንደን ንጸጋም ተኣሳሲሮም ዝኸዱ ሰንሰለታዊ ዓበይቲ እምባታት፡ ኣብ ኣዒንቱ ተሳእልዎ። ካብ ታሕቲ ኣንቃዕሪርካ ክትርእዮም ከለኻ፡ ካብ ንመሬት ንሰማይ ዝቐርቡ እዮም ዝመስሉ። ኣማኢት ሜተር’ዩ ቁመቶም። ንዕኡ ሕቖኻ ሂብካ፡ ነቲ ኣፍልቡ ዝሃበካ እምባ ኮሚንታንግ እንተ ጠሚትካ ድማ፡ ኣብ ዓሚቝ ጋብላ ከም ዝኣተኻ ዓቕልኻ ዘጽብብ’ዩ።

 

ኮሚንታንግ፡ ብውሑዱ 1300 ሜተር ብራኸ ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ዝርከብ፡ ኣብ ዝባኑ ታንክታት ዝሰፈሮ ድልዱል ዕርዲ ጸላኢ’ዩ። ምልእቲ ቦጦሎኒ፡ ቀዳማይ ናይ ውግእ መስመር ከይተራእየት ሓሊፋ፡ ታንክታትን ከበድቲ ኣጽዋርን ናብ ዝተተኽለሉ ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ዝርከብ በሪኽ እምባ ክትድይብ እንተ ዄይና፡ ከም እምበቲቶ ተጨፍሊቓ ንኸይትተርፍ፡ ዝሓትታ ጻዕሪን ጥንቃቐን ደረቱን ጥልቀቱን ንምግማቱ ኣየጸግምን።

 

ሓደ ሲሶ ደቂ- ኣንስትዮ ዝርከባኦም 300 ሓጸልጸል ዝብሉ ተዋጋእቲ መንእሰያት ንሓደጋ ዘቃልዕ ኩነት ክፍጠር ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ይትረፍ ክንድ’ዚ ዝኣኽሉ ተጋደልቲ፡ ሓንቲ እውን ትኹን ንብላሽ እትሓልፍ ህይወት ሓርበኛ ክትህሉ ኣይድለን እዩ – ብባህሊ ውግእ ህዝባዊ ግንባር። ሓይልኣብ፡ እታ ሓንቲ ዓይኑ ጠቕሊላ የላን። ኣብ ዝሓለፉ ውግኣት ከይዳ እያ። ጉሕጓሕ በዓቲ ስጋኣ ጥራይ እዩ ተሪፉ።

 

ሓደ ካብ’ቶም ብዕድመ ዝነኣሱ፡ ኣብ 1974 ዓ.ም. ዝተሰለፉ ተጋደልቲ እዩ። ዝተዋህቦ ሓላፍነት ቀሊል ስለ ዘይነበረ፡ ቀዳምነት ዝሃቦ ጉዳይ ታዕሊም’ዩ ነይሩ። ካብ ናቕፋ ተበጊሱ ሓሽፈት ክሳብ ዝበጽሕ፡ ኣብ ሓሳቡ፡ መላእ ቦጦሎኒ ኣብ ጽዑቕ ታዕሊም ትኣትወሉ ንድፊ እዩ ዘውጽእ ነይሩ።

 

ስዉእ መራሒ ጋንታ ገብሪሂወት ተኽለ፡ ዓላማይ’ዩ ነይሩ። በዚ ድማ ሓይልኣብ፡ ንገብሪሂወት ካብ ድፋዕ ኣውሪዱ፡ ንትሽዓቲአን ጋንታታት ናይ’ታ ቦጦሎኒ፡ በብእብረ ጽዑቕ ታዕሊም ከካይደለን ሓበሮ። ሓይልኣብ ንገብሪሂወት ተኽለ ብዝሃቦ መምርሒ መሰረት፡ ጻዕዳ እግሪ ናይ ነብሲ-ወከፍ ኣባል ቦጦሎኒ፡ ጫፍ እሾኽ ዓላ ረጊጹ ክሳብ ዝሰብር ክላዲ ነይሩዎ። ናብ ድርዒ ክቕየር!

 

ኣባላት ቦጦሎኒ፡ በቲ ዝወሃቦም ዝነበረ ታዕሊም፡ ንሓደ ሓያል ስርሒት ይዳለዉ ከም ዝነበሩ ኣይሰሓትዎን። በየናይ ቦታ? መዓስ? ብኸመይ? ግን፡ ብዝርዝር ዝፈልጡዎ ኣይነበሮምን። ካብኣቶም ዝሕተት ነገር፡ ዕጥቅታት ክሳብ ክንዲ ኣዋድቓ መርፍእ’ውን እትኸውን ጨርባሕ ትብል ድምጺ ከም ዘይትህሉ ገይርካ ከም ዝሰጥም ምግባር እዩ።

 

በቲ ዝወጽአ መደብ መሰረት ከኣ፡ እታ ቦጦሎኒ፡ ብዝተፈላለየ ደረጃ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣካየደት። ‘መዓልቲን ከልቢን ከይጸዋዕካዮም ይመጽኡ’ ከም ዝበሃል፡ 1987 ካብ ዓውደ ኣዋርሕ ንኽትሰናበት ናይ መወዳእታ ወርሓ ረገጸት። እቲ ስርሒትን ዕላማኡን ንዅሎም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ናይ’ተን ኣብ’ቲ ግንባር ዝነበራ ተዋጋእቲ ክፍላተ-ሰራዊት ብወግዒ ተገልጸ።

 

ዕላማ ናይ’ቲ ንቕሎ ግን፡ ነቲ ለይቲን መዓልቲን ገሃጽሃጽ ዝብል ዝነበረ ኣሃዱ፡ ግንባር ንምፍታሽ እምበር፡ ‘ዕድል ተረኽበ’ ኢልካ፡ ናብ ከተማታት ኣፍዓበትን ከረንን ምግስጋስ ዘይምዃኑ ተነግሮ። እቲ ካብ ዝናብ ሓምለ-ሰነ ዝጽዕቕ ዳርባ ሓጻውን ዝሒሉ፡ ኣብ ገሊኡ እውን ነቲ ተዛማዲ ህድኣት ዘስተውዓሉ ኣዕዋፍ በረኻን ንኣሽቱ እንስሳ መሮርን ተወር ክብሉ ይረኣዩ ነበሩ።

 

ንሳቶም ነቲ ዘስተውዓሉሉ ተዛማዲ ርግኣት፡ ነባሪ ክዀነሎም፡ ዋላ ብዝተሓተ ቅኒት ደኣ ይኹን’ምበር፡ ብፋጻኦምን ናቛኦምን ከዝይሙሉን ከጣቕዕሉን ክስምዑ ጀሚሮም ነበሩ። መበቆላዊ በረኻታቶም ጠቕሊሎም ሓዲጎም ናብ ዝሕሾም ከባቢታት’ዮም ሳጊሞም ነይሮም። ሓደ ድሕሪ ሓደ እናሰዓቡ ግን፡ ናብ ባህርያዊ ሰፈሮም ቀስ እናበሉ ይምለሱ ነበሩ።

 

ኣናፍራን ምንግብጋብ ኣኽናፍን ናይ’ቶም ኣዕዋፍ ግን፡ ናብ ናህሪ ዘይብሉ ምሽራፍ ትሕት ኢሉ፡ ርግኣትን ኣስተውዕሎን ዝዓብለሎ ኰይኑ ነበረ። ገጻት ዓለሞም ናብ ናይ ቀደሙ ርግኣት ይምለስ ምህላዉ ተሰሚዑዎም’ዩ – ብባህረት! እቲ ጥዑም ንፋስ እምባታት ከባቢ ናቕፋ ከይተረፈ፡ ካብ’ቲ ሓጺን-ሓጺን ዝሽትት ናይ ባሩድ ዘይባህርያዊ ጨናኡ፡ በብቑሩብ ይነጽህ ምንባሩ ዘይተፈለጦ ፍጥረት ኣይነበረን ክበሃል ይከኣልዩ – 1987።

 

. . . . . ናይ’ታ መሰጋገሪት ዕለት ጸላም፡ ተስፋ ዝሓዘለ ነበረ። ኣብ ከም’ዚ ረዚን ካልኢታት፡ ኵለን ጋንታታት ናይ’ታ ቦጦሎኒ ኣብ እግሪ ሓንቲ ዓባይ ኦም ክተኣኻኸባ ወረር- ወረር በላ። እቶም ኵሉ ነገር ክብድብድ ኢሉዎም፡ ነቲ ፈጺሞም ዘይፈለጡዎን ዘይገመቱዎን መዓልቲን ስራሕን ክጽበዩ ዝጸንሑ ተዋጋእቲ ድማ፡ ካብ ኣድብዮሙሉ ዝነበሩ ጸላም መንቃዓትን ኩጀታትን ክመጽኡ ምስ ነቐሉ፡ ነብሶም ፍትሕትሕ ኢሉሎም ኣኽመስመሱ።

 

ንሓድሕዶም ጥራይ’ዮም ዝረኣኣዩ። ካብ ዝብገሱ ኣትሒዞም ኣብ’ታ ዝእከቡላ ገረብ በጺሖም ከም ግዓት ኩምር ክሳብ ዝብሉ፡ እቲ ጸላም ከባቢ፡ ዋላ ናይ ሓደ ሰብ ህላወ ዘሎዎ ኣይመስልን ነበረ። ሽዑ. . . ክልተ ኣብ ብርኮም ዘስተንፍሱ መንእሰያት ተጋደልቲ፡ ምስ ማእከልነት ቦጦሎኒ ሓይልኣብ (ማንጁስ) ብደዎም ብዕምቈት ተዘራረቡ። ኣባላት’ታ ቦጦሎኒ፡ እቶም ክልተ ደቂ፡ ኣባላት ስለያ ክፍለ-ሰራዊት 16 ምዃኖም ይፈልጡዎም’ዮም።

 

ምስ ጸላኢ ተጎዝጒዝካ ምውዓልን ምሕዳርን ተራን ዝለመዱዎን ስራሕ’ዩ። ልክዕ ከም ኣባልዓ እንጌራ’ዮም መሊኾሞ። ሳሕቲ ዘይኰነ፡ ደጋጊሞም ካብ ፊስቶታት ማይ ጸላኢ፡ ወይ ካብ’ቲ ንሱ ዝቐድሓሉ ሽያኽ ሩባ እናቐድሑ ዝሰተዩ ምዑታት መንእሰያት’ዮም። ቦጦሎኒ ዝኣክል ብዝሒ ሰብ፡ ናብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ኣስሊዅካ ምሕላፍ ግን፡ ናይ ፈለማ ተመኩሮኦም እዩ። ሓላፍነት ናይ’ቶም ኣማኢት መዘናታቶም እዮም ክስከሙ።

 

ከም ናይ ኩሉ ግዜ ስርሖም፡ በይኖም ወይ ምስ ውሑዳት ክዀኑ ከለዉ ግን፡ ብመንጎ ዓሰርተታት ታንክታት ጸላኢ፡ ወይ ብኣፍ ክሽነኡ ተልቲሎም ክሓልፉ ጸገም ኣይነበሮምን። ሽዑ ግን፡ ካብ ካልእ እዋን ንላዕሊ ገጾምን መንፈሶምን ዓቲቡን ጨኪኑን ነበረ። ኣብ’ዚ ውጡር ጸላም፡ ኣግራብ፡ በቲ ህዱእ ንፋስ ሰለው ይብሉ ነበሩ። ብዘይካ’ቶም ኣብ ተጠንቀቕ ዝነበሩ ኣባላት ናይ’ታ ቦጦሎኒ፡ ኩሉ ፍጡር ብህድኣት ኣዒሙ ነበረ።

 

እታ ለይቲ – ናብ 18 ታሕሳስ ዘውግሐት ለይቲ – ዝሓቘፈቶ ናይ ለውጢ ነትጒ፡ ብዘይካ’ቶም ኣባላት ቦጦሎኒን ኣዘዝቲን ናይ’ቲ ግንባርን ካልእ ዝፈልጥ የለን። ኣባላት ናይ’ታ ቦጦሎኒ፡ ጸላኢ ዓበይቲ ብረታቱ ኣብ ዝተኸለሉን ቀዋሚ መአዘዚ ሓለፍቲ ናብ ዝዀነትን ታባ ኮሚንታንግ እዮም ክሓኹሩ።

 

ብተራ ኣካይዳ ኣንቀባሪርካን ትንፋስካ እናሰራዕካን እትኸዶ ሕኹራ ኣይነበረን። ንሽዑ ካብ’ቲ ዝለመዱዎ ወጻኢ ሓንቲ ሓዳሽ ነገር ጥራይ’ያ ክትህልዎም – ሽዳኦም ኣውጺኦም ንቐዳማይ መስመር ውግእ ክሓልፉ። ይትረፍ ዝደቀሰ ወተሃደር፡ ለይቲ ዝወግሓሎም እንስሳ መሮር’ውን ጭላፍ ድምጺ ክሰምዑ የብሎምን። ‘ድምጺ’ ትበሃል ነገር እንተ ተሰሚዓ፡ ነገራት ጠቕሊሉ ክቕየር’ዩ። እቲ ስርሒት ከቢድን ንነዊሕ እዋን ምድላው ዝተገብረሉን’ዩ።

 

ነታ ስርሒት ወዲኦም ካብ ታባ ኮሚንታንግ ናብ ሩባ ሕዳይ ምስ ኣንቈልቆሉ ግን፡ ዝተወሃሃደ ካልእ ስርሒታት ክድግፎም’ዩ። “ብዓወት ጥራይ ዕማምና ዛዚምና፡ ኣብ’ታ ሩባ ንርገጽ። ድሕሪኡ ስኽፍታ የለን!” በለ ብውሽጢ ልቡ – እቲ ዓቢ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዝነበረ ንእስን ሕጽርን ዝበለ መራሒ ቦጦሎኒ። ዓው ኢልካ ዘረባ የለን። ምኽንያቱ ድምጺ ጸላም ከያዲን ብርሑቕ ተደማጺን’ዩ።

 

እታ ቦጦሎኒ ኣብ እግሪ ዕርድታት ጸላኢ ኰይና፡ ይትረፍ ዘረባ፡ ኣተናፍሳኣ’ውን ክትምጥን ነይሩዋ። ሓቦን ተጋዳላይን ግን ዘይነጻጸሉ እዮም። ሰለ’ዚ ኣብ ዘዝነበሩዎ ኰይኖም ኣሕፈፈዩ – ናይ ሓጎስ! “ንምንታይ ሽዳና ነውጽእ’ሞ?” ዝብሉ ገለ ሒደት ግን ኣብ መንጎኦም ነይሮሞም። ስምዒቶም ካብ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ጸላኢን ልዑል ናይ ምውጋእ ወኒን ዝብገስ እዩ ነይሩ። “ኣነ’ውን ምሳኹም ሽዳይ ኣውጺአ’የ ክኸይድ፡ ” በሎም ሓይልኣብ – እቲ መራሒ ቦጦሎኒ። እቶም ኣብ ዘበነ-ገድሊ፡ ሓላፊ ቅድሚ ኣሃዱኡ ከም ዝሓልፍ ዝፈልጡ ኣባላቱ፡ ብዘይምዕንናይ ብድድ-ብድድ በሉ – ንመስዋእቲ!


ኣብ’ዚ ዝተወሃሃደ ስራሕ፡ ካብ ካልኣይ ብርጌድ፡ እታ ብጆን ዓሊን ቢቢሲን እትምራሕ ቦጦሎኒ፡ ናይ ተስፋሚካኤል በርሀ፡ ናይ ጆን ወዲ ባሻይን ወዲ ለገሰን – ሰለስተ ሓይልታት’ውን ተኣምራት ክሰርሓ ተዳልየን ነበራ። ነቲ ኣብ ቀዳማይ መስመር ውግእ ዝርከብ ሓይሊ ጸላኢ፡ ብድሕሪኡ መጺኦም፡ ኣብ መዳቕሶኡ ከሎ ክሰሃሉዎ’ዮም።

 

ነቲ ኩሉ ከም ማዕተብ ዝተለጋገበ ፈንጂታት ሰጊሮም፡ ድፍዑ ተጠውዮም ብሕቖኡ ክሃርምዎ እንተ ዀይኖም ድማ፡ ከም ሓማት ተመን ጥራይ እዮም ለመም ክብሉ ነይሩዎም። ሓደገኛ ጥበብ እዩ። እቶም ተጋደልቲ ግን፡ ከም ዝገብርዎ ኣይተጠራጠሩን።

 

በዚ መሰረት፡ እታ ናይ በዓል ጆን ዓሊ ቦጦሎኒ፡ ናብ ሰለስተ ተፈንጪላ ሰላሕ እናበለት ተጠወየቶ። ንሳ፡ ነታ ናብ ኮሚንታንግ እትድይብ ቦጦሎኒ ናይ ሓይልኣብ ዓንዲ ሕቖኣ እያ። ንሳ’ያ ብድሕሪኣ ስግኣት ንኸይስመዓ፡ ነቲ ቀንዲን ወሳኒን መስመር ውግእ ክትበጣጥሶ። ውሕስነታ’ያ። ነቲ ብፈንጂ ዝኣሾዀ ናይ ትሽዓተ ዓመት ቀዳማይ ዕርዲ ጸላኢ ሰጊራ፡ ብዝባኑ’ያ ክትመጽኦ።

 

በርሀ ተስፋሚካኤልን ወዲ ባሻይን ዝመርሑወን ሓይሊታት ከኣ፡ እእጃመን ሒዘን፡ ነቲ ቀዋሚ ግንባር ከዕንዋ ዓቲበን ነቐላ። ጐሮሮ ናይ’ታ ናብ ኮሚንታንግ እትተግር ቦጦሎኒ ድማ ንሳተን እየን። እታ ብመራሒ ሓይሊ ስዉእ ተስፋሃንስ እትምራሕ ጋንታ’ውን፡ ካብ’ቲ ሓፈሻዊ መስመር ተነጺላ፡ ንበይና ናብ ታባ ኢትሓልበብ ክትድይብ’ያ። እዚ ሓሳብ’ዚ፡ ከም ብመርፍእ ኣረቂ ገይርካ ጅርባ ክትሰፊ ምፍታን’ዩ።

 

ከም ኢትሓልበብን ከባቢኡን ዝኣመሰለ ጽኑዕን ከቢድን ዕርዲ ጸላኢ፡ ሓንታ ጋንታ ክትከዶ፡ ቅድሚ ቁሩብ እዋን ዝሕለም ኣይነበረን። ሳላ’ቶም ኣብ ውሻጠ ጸላኢ ዝሓድሩ ኣባላት ስለያ መንእሰያት ግን፡ “መን፡ ኣበይን ብኽንደይ ብዝሒን ኣሎ?” ብደቂቕ ተጸኒዑ እዩ። ነቲ ዝውሕጦም ቀንጠብን ግራጭን እናሓምተሉ ከኣ፡ ነታ ቦጦሎኒ መሪሖማ ኮይኮይ በሉ። ወተሃደራት ጸላኢን ኣዘዝቶምን፡ ከም ዝሓለፉ ለይቲታት ትሽዓተ ዓመት፡ ኣስተርሕዮም ደቂሶም ነበሩ።

 

እቲ ሓንቲ ዕላማ ዝነበረቶ ተጋዳላይ ኤርትራ፡ ንሓደ ታሪኻዊ ስራሕ፡ ሰላሕ እናበለን ጽላሎቱ ቀቢሩ እናነጠረን ይሓልፎም ምንባሩ ኣይፈለጡን። እታ ቦጦሎኒ፡ ነቲ ኩሉ ብፈንጂን ብሰሪ ኲናትን ድምጹን ብዝተሓዝአ ጫካ ናብ እሾኽ ዝተቐየረ ቀዳማይ መስመር ሓሊፋ፡ ድሮ ናብ ሩባ በጺሓ ነበረት። ታባ ኮሚንታንግ ከኣ፡ ኣፍ ልቡ ሰጢሑ፡ ንኽትሓኹሮ ይጽበያ ምህላዉ ረኣየት። ብኸም’ዚ፡ ካብ’ቲ ቀዳማይ እቲ ካልኣይ፡ ካብ’ቲ ካልኣይ ከኣ እቲ ቀዳማይ ክብድብድ በላ።

 

እቲ ክብደት ግን፡ ከቢድ ክነሱ ቀሊል እዩ። መላእ ቦጦሎኒ ሂወታ ክትከፍለሉ ንእትቀዳደመሉ ንቕሎ! እታ ቦጦሎኒ፡ ብታዕሊም፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብዝተጠምረ ዕላማ ናብ ሓደ ሰብ ተቐይራ ነበረት። እቶም ሓጸልጸል ዝብሉ ተዋጋእቲ ድማ ሓቢሮም ሓንሓኑ። “ኣብ ናይ ሎሚ ዕለት ወጋሕታ፡ ጩራ ጸሓይን ንሕናን ብሓባር ኣብ መንበስብስትኻ ክንበርቕ ኢና።

 

እዚ ትሑዝ ውሰዶ። እምባ ኮሚንታንግ ድማ፡ ዋላ’ኳ ብመላእ ፍቓድካ እንተ ዘይኰነ፡ ካብ ዝባንካ እናተሰንደዉ፡ ኣብ ዝባን ተጋዳላይ ዝዓለቡ ኣእላፍ ጅላዳት ሓጻውን፡ ድሕሪ ደጊም ከም ዛንታ ጥራይ ዘክሮም. . .!” ከም ንምባል፡ ምልእቲ ቦጦሎኒ ንላዕሊ ገጻ ጠመተት – ናብ ዝባን ናይ’ቲ ናይ ወጋሕታ ከዋኽብቲ ኣብ ጫፋቱ ኮፍ-ኮፍ ኢሎሞ ዘለዉ ዝመስል ዝነበረ ጸሊምን ኩሩዕን እምባ ኮሚንታንግ ገጻ ኣንቃዕረረት።

 

እታ ቦጦሎኒ፡ ገና ኣብ ሩባ ሕዳይ እንከላ ግን ዘይሓሰበቶ ሓደጋ ኣጋጠመ። መስርዑ ክኣሊ ላዕሊን ታሕቲን ዝብል ዝነበረ ሳሚኤል፡ ቅድሚ ምውግሑ ማይ ክወርዱ፡ ዕለታዊ መግቢ ከምጽኡ ወይ ናብ ካልእ ውራዮም ጸደፍደፍ ዝብሉ ወተሃደራት ጸላኢ ረኣየ – ኣብ ቀረባ ርሕቀቱ። ገና ናይ ተኹሲ ሰዓት ኣይኣኸለን። ነብሱ ምግባር ኣብዩዎ ደሙ ፈልሖ። ዓይኑ እናረኣየ፡ ብሰላም ሸነን ኢሎም ክሓልፉ ከፍቅደሎም ኣይደለየን። ኣብ’ቲ ጸቢብ ሩባ ድማ ጠያይቲ ክከዖ ተሰምዐ።

 

በቲ ዘይተሓስበ ተኹሲ፡ ኩሉ’ቲ ብጽሞና ኣድብዩ ዝከታተል ዝነበረ ሰብ ጋን ተሰርሐ። ብዙሓት እውን ‘እታ ቦጦሎኒ ኣብ መጻወድያ ኣትያ’ ኢሎም ሓሰቡ። ግቡእ ገምጋም’ዩ። እቲ ተኹሲ ኣብ ማእከል ከብዲ ጸላኢ’ዩ። ጸላኢ’ውን ደንጸዎ። ኣብ’ቲ ብኣጋር ዘይኰነስ ብመካይኑ ዘሽኮንድረሉ ሩባ ደኣ በየን ዝነጠበ ተኹሲ? ኣብ ቀዳማይ መስመር ውግእ ዘለዉ ወታሃደራት ጸላኢ ከኣ፡ ኣብ’ቲ ዓሚቝን ኣብ ድሕሪኦም ዘሎ ሩባን፡ በየን ኣቢሉ ተኹሲ ክመጽእ ይኽእል ሕርብት ኢሉዎም ብድድ-ብድድ ክብሉ ጀመሩ። ደው ንኽብሉ ግን ዕድል ኣይረኸቡን።

 

ኣብ ልዕሊ ነብሲ-ወከፍ ርእሲ ወተሃደር፡ ተዋጋእቲ ናይ’ታ ኣእጋራ ብኽሻ ጀኒና ዝተጠውየቶም ቦጦሎኒ 3 ናይ ብርጌድ 26፡ ሻምብቆታት ብረት ቀኒዑዎም ጸንሐ። ንኽወሳወሱ ወይ ተጎልቢቦሞ ዝነበሩ ኮቦርታ-ለይቲ ንኽቐልዑ ዕድል ዝህብ ካልኢት ኣይነበረን። ገሊኦም ገና ኣዒንቶም ቋሕ ከየበሉ ከለዉ፡ ብእኡ ኣቢሎም ናብ ዓዲ ሞት ገዓዙ። ጽዕጹዕ ዳርባ ቦምባን ምንጥዕጣዕ ጠያይቲን ከኣ ነቲ ዝጸንሐ ጸላም ገልሆ።

 

ግንባር ናቕፋ፡ ከም’ቲ ዝፈልጦ ናይ ገጽ ብገጽ ኲናት ዘይኰነ፡ ካብ ሕቖ ጸላኢ ከም ኣይሂ ዝከዖ ጠያይቲ ክፈስሶ ጀመረ። ምስኡ፡ ኩሎም ነገራት ከም ንፋስ ባሕሪ ዝኣተዎም ቀቀልጢፎም ተዘርዉ። ኣውያትን ቃንዛን ተኹሲን ሞትን፡ ኣብ ልክዕ መላግቦ ተራኸቡ። ቀዋሚ ግንባር ናቕፋ ድማ ካብ ዕምቈት ሰናቡኡ ከስተንፍስ ተሰምዐ።

 

እቲ ዝጸዓረ፡ እቲ ንዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ስኑ ነኺሱ ግንባሩን መሬቱን ዝሓለወ፡ እቲ ‘ጠምየ ክበልዕ ጸሚአ ክሰቲ’ ከይበለ ንሞት ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝተጠማመታን ዝተሃላለኻን ተጋዳላይ፡ እቲ ኣብ ጎዳጕዲ፡ ንእስነቱን ዕድሚኡን ዘሕለፈ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ እቲ ዋና – ቀንዲ ዋና’ታ መሬት – ዝዀነ ፍጥረት፡ ኣብ ዝባን ዕርድታት ጸላኢኡ ክሳዱ ነፊሑ ደው ክብል ከሎ፡ “መስክሪ” ከም ዝተባህለት፡ ካብ ጽፍሒ ቀይሕ ባሕሪ ንቕል ዝበለት ጸሓይ ቀትሪ፡ ጩራታት ኣቐዲማ ብርሃኖም ወገግ ኣበለት።

 

ማዕረ-ማዕረ እታ ጥራይ እግራ ክትጎዪ ዝሓደረት ቦጦሎኒ ክመጽኡ ከም ዝጸንሑ፡ ጩራ ብርሃኖም ኣብ ጫፍ’ቶም እምባታት ዓሊቦም ክኽዕዉ ጀመሩ። እታ ጥራይ እግራ ዝነቐለት ናይ ሕፉንን ሓይልኣብን ቦጦሎኒ ከኣ፡ ነቲ ጸዳፍ ጎቦ፡ ከም ሜዳ ኩዕሶ ድሮ ብጉያ ሓዂራቶ ነበረት። ክሳብ’ዚ ነጥቢ ብራኸ’ዚ ሰለስተ ስዉኣት’ያ ከፊላ። ዋላ ኩላ ኣብ ሓንቲ ጉድጓድ ትእቶ ግን፡ ክትሓንን ጥራይ እያ ወሲና። ንዕላማ’ያ ቆርበት ከብዲ እግራ ናብ እምኒ ክሳብ ዝቕየር ተዓሊማ።

 

ነዚ ኩሉ ዝዘንገዐ ጸላኢ፡ በቲ ገና ሰዓት ኣርባዕተ ወጋሕታ ከይኰነ ኣብ መዳቕሶኡ ከሎ ዝረኣዮ ቅልጣፈን ጽፈት ስራሕን፡ ክኣምንን ክቕበሎን ኣይከኣለን። ከም’ዚ ካብ ትሕቲ መሬት ዝነተጐ እሳተ- ጎመራ ዝመስል መጥቃዕቲ’ዩ ኣብ ክሳዱ ተፈንጂሩዎ። ተረሚሙ ኸኣ።

 

ገለ ሒደት ካብ ወተሃደራቱ ድማ፡ ነቲ ካብኡ ዝበኣሰ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ዝሰዓበ ምድምሳስ መላእ “እዚ ናደው” ካብ ምርኣይ፡ ነብሶም ንምብራቕ ወገን ናይ’ቲ ዓቢ እምባ ኮሚንታንግ፡ ንናሮ ኣብ ዘጠማምት ዓሚቝ ገደል፡ ከም ደንጎላ ክስንደዉ ጀመሩ። ሓደ ካብኣቶም ኮሎኔል ቶምቦሳ ኣቶምቦሳ’ዩ። ሰብነቱ ከም እምኒ መንደራጋሕ እናተንከባለለን ሜተራት እናዘለለን ተፈናጥሐ – ብዘጋጠመ ቅልጡፍ ለውጢ፡ መወዳእታ ዓለም ዘርከበ ስለ ዝመሰሎም።

 

እምበር ተጋዳላይ’ሲ መሓራይ’ውን’ዩ ነይሩ። ኣባላት ከቢድ ብረት፡ ነቲ ኣብኡ ናይ ዝጸንሐ ታንክታትን ዓበይቲ ብረታትን ሻምብቆ ጠውዮም ክጥቀሙሉ ተጓየዩ። እቲ ብረታት፡ ኣብ ኣእዳዎም ምስ ኣተወ፡ ሰለል ኢሉ ተጠውየ – ናብ’ቲ ቅድሚ ሽዑ ክትኩሰሉ ሓሲቡዎ ዘይፈልጥ ኣንፈት። ካብ ቀደሙ ብዝሓየለ ድምጺ ከኣ ክትኵስ ጀመረ።

 

ጸላኢ፡ መአዘዚ ቦታኡ ተመንጢሉ፡ ከም ክሳዱ ዝተቖርጸ ደርሆ፡ ከንፈርፍር ጥራይ ተራእየ። እተን ኣብ’ቲ ግንባር ዝነበራ ክፍላተ- ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ነቲ ኣብ ቀቅድመአን ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ እናነጠራ ክሓንቃኦ ጀመራ። መላእ ግንባር ናቕፋ ተነዋነወ።

 

እታ ጥራይ-እግራ፡ እምባን ኩርባን፡ እሾኽን ተኾርባን ሰጊራ፡ ሓደ ካብ ሚእቲ ናይ ምሉእ ዓቕማ ጥራይ መስዋእቲ ከፊላ፡ ኣብ ዝባን እምባ ኮሚንታንግ ዝረገጸትን ብናይ ዋንነት ስምዒት ደው ዝበለትን ቦጦሎኒ ከኣ፡ ብዝፍለጣን ዘይፍለጣን ልባዊ መገዲ፡ ግልጽ ኢላ ንእምባ ደንደን ጠመተቶ።

 

ካብ ላዕሊ ንላዕሊ ኣመና ቀረባ እዩ ዝመስል፡ ብርሕቀት ዑፍ በረር! እምባ ደንደን ግን፡ ደረጃ ጃላነት ስለ ዝሰገረ፡ ካብ እምባ ኮሚንታንግ ብብራኸን ግርማን ኣዝዩ ውጥም ዝበለ ኰይኑ ተራእያ። ኣይተጋገየትን። “ደንደን፡ እዚ ክብረት’ዚ ናይ’ቲ ብኹሉ ዝተኻዕወካ ሓዊን ሓጺንን፡ ከይተሸራረፍካ ተሪርካ ከም ዝነበርካዮ ምቛምካን ምህላውካን ፍረ’ዩ።

 

ብሳላ ጽንዓትካን ዝኸፈልካዮ ከቢድ ናይ ዓሰርተ ዓመት ደም መንእሰያትካን ዋጋ ኸኣ፡ በርኽ እምበር – ልዕሊ ዘለኻዮ ተመዘዝ!” ዝብል ሓሳብ፡ ቃል ብቓሉ’ኳ ኩላ ብሓደ ድምጺ ክትብሎ እንተ ዘይከኣለት፡ ከዕርፍ ከይበለት፡ ብዝባን’ቶም ከም ሰንሰለት ዝተኣሳሰሩ በረኽቲ ጎቦታት ኣቢላ እናነጠረት፡ ኣምባ በጽሐት።

 

ኣምባ፡ ከክንዲ መረባዕ ዝዀኑ ናይ ዓረር ኣእማን፡ ኣብ ርእሲ-ርእሲ እናተሰቓቐሉ ዘቝሙዎም ዓበይቲ ጎቦታት ዝኸበቡዎ ቦታ’ዩ። ኣብ እግሩ፡ ዓቢ መዓስከርን መአዘዚን ሰራዊት ጸላኢ ኣሎ። እንተላይ ሶቭየታውያን ኣማኸርቲ፡ ተኣማሚኖም ዝሓድሩሉ ቀዋሚን ርጉእን መዓስከር! እታ ቦጦሎኒ ድማ ምስ ኩለን’ተን ሓቢረናኣ ዝነቐላ ኣሃዱታት፡ ኣብኡ ንኽትበጽሕ ሽዳኣ ወድያ ነቐለት! ኩሉ ዝተሓስበ ተበጺሑ።

 

ክኒኡ ግን ሃንደፍ ኢልካ ናብ ኣፍዓበትን ከረንን ናይ ምቕጻል መደብ ስለ ዘይነበረ፡ ኣብ ሳልስታ ሸነን እናበለት፡ ናብ’ቲ መበገሲኣ ክቡር እምባታት ተመልሰት። መጋቢት 1988 መጺኡ፡ ምድምሳስ እዚ ናደውን ምትሓዝ ኣፍዓበትን ክሳብ ዝኸውን ከኣ፡ ከም ኩላተን ካልኦት መዛኑኣ ንሰለስተ ወርሒ ከተብሩኽ፡ ናብ ዕርዲ ቀደማ፡ ናብ’ቲ ዕርዲ ጽንዓትን ዓወትን ዝዀነ ድፋዓት ቀደማ፡ ናብ ግንባር ናቕፋ ተመልሰት።

 

ግንባር ናቕፋ ግን ምሉእ ብምሉእ ተፈቲሹ’ዩ – በቃ!

ምንጪ – ካብ ዝኽርታት ሓመድ ድበ ናደው እዝ

ምኪኤል በርሀ
(C)EritreanHome

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events