Dehai News

EriGazette.org: ስደትን ጠንቅታቱን…...............

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 29 April 2017

ስደትን ጠንቅታቱን…...............

Apr20ማዝያ ዕለት 29, 2017 ዓም ፈረንጂ

ሃገራት ከም ሃገር ዝቑጸራ ብዘለወን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ዶበን ተነጺሩ ብዓለም-ለኻዊ ሕጊ ተፈላጥነት ዝረኸባ እየን። እዘን ብዓለም ዝተፈልጣ ሃገራት ብዝሒ ህዝበን ይኹን ዕብየት መሬተን ወይ ባህርያዊ ሃብተን ብዘየገድስ ከም ሃገራት ተቆጺረን በቲ ዓለም-ለኻዊ ሕጊ ዘፍቅዶ ነጻነተን ተኸቢሩ ንክነብር ኣድማሳዊ ሕጊ እዩ። ኤርትራ ሃገርና ኣብ 1991 ብድሕሪ ከቢድ መስዋእቲ ከፊልና ዘምጻእናዮ ነጻነት እንደገና ብ1993 ብመንገዲ ረፈረንዱም ኣቢልና ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ረኺብና ከም ሃገር ንነብር ኣሎና።

ኣህጉራዊ ሕግታት ብሓፈሽኡ ንሙሉእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንጎረባብቲ ሃገራት ተኸባቢረን ካብ ወራርን ዓመጽን ሪሒቀን ብሰላም ንክነብራ ዝተፈጥረ ውዕል እዩ። እዚ ውዕል እንተዘይነብር ሃገራት ነንሕድሕደን ከም ግዝኣት ባሕሪ ዓቢ ዓሳ ንንእሽተይ ዓሳ እንዳ ዋሓጦ ዝነብር ዓለምና’ውን ከምኡ ኮይና ምተረፈት ነይራ። ናይዚ ጽቡቅ ኣብነት ዝኾነና እቲ ኣብ ኤሮጳ ካብ 1614-1648 ዝተኻየደ መሪር ኩናትን ብድሕሪኡ ዝተገብረ ውዕል ወስትፋልያ የዘኻኽረና።

እንተኾነ እዚ ሕጊ ሕጂ ብተዛማዲ ይስርሓሉ እኳ እንተኾነ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብስም ግብረሽበራን፣ መሰል ደቂ ሰባትን እንዳተባህለ ባህርያዊ ጸጋታት ናይ ዱኹማት ሃገራት ንምግባት ወራር ኣብ ልዕሊ ሃገራት ክካየድ ንዕዘብ ኣሎና። ክሳብ ኣሜርካ እንኮ ርእሰ-ሓያል ኣብ’ዚ ዓለም ዝሃለወት እዚ ዓለምለኻዊ ሕጊ ተባሕጒጉ ዓለም ወረ ውግእን ዕንወትን ስደትን ካብ ምዃን ኣይክተቋርጽን እያ።

ኣብ’ዚ እዋን እዚ ብፍላይ ብዛዕባ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ቡዙሕ  ኣጋጣምታት ሰብ ክዛረበሉን ክጻሓፍን ይስማዕ እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ከም ብርቂ ንኤርትራውያን ጥራሕ ዝምልከት፣ ካልእ ዓለም ካብ’ዚ ነጻ ከምዝኾነ ጌሮም ዝንቡዕ  ትንተና ዘቅርቡ ሓውሲ ሙሁራትን ተቋመርቲ ማሕበራትን ጉጅለታትን ውልቀሰባትን ኣይተሳእኑን። ናይ’ዞም ሃሱሳት ኣሰር ተኸቲለን ድማ ገለ ኣህጉራዊ ውድባትን ሃገራትን ክምድራሉን ክሽቅጣሉን ይርከባ።

እወ! ስደት ብፍላይ ድማ እኩብ ስደት (MASS MIGRATION) ኣብ ምዕባለን ሓይልን ሓንቲ ሃገር ክሳብ ክንደይ ሃስያ ከምዘውርድ ዘካትዕ ኣይኮነን። እዚ ኩነት’ውን ከም ዓቢ ሓደጋ ክርኤ ዘለዎ እዩ። ብርግጽ ወዲ ሰብ ቅድሚ ሓደጋ ምውራዱ ነቲ ሓደጋ ክከላኸሎን ከውሕዶን ክቃለሰሉን ዝግባእ እኳ እንተኾነ ሓደ ሓደ ግዜ ልዕሊ ዓቅሙ ምስ ዝኸውን ዝገብሮ የብሉን።

ብኣገላልጻ መብዛሕትኦም እዞም ሩሙሳት ባኣታታት ጠንቂ ስደት ቅዋም ዘይምህላውን ምንዋሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት  ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። ንሓደ ሕማም ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ገዲፍካ ጉድናዊ ሳዕቤናቱ ክትዛረበሉ እንተኾንካ መፍትሒ ኣይርከበሉን እዩ። መሰረታዊ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኣብ’ዚ እዋን ብኣሜርካ ዝተሃንደሰ ወራር ወያነን ንዝተበየነ ኣህጉራዊ ሕጊ ረጊጽካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ናይ እገዳን ካልእ ምትኹታትን ካልእ ምክንያት ክህሉ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ።

ኤርትራ ከም ንእሽተይን ሓዳስ ሃገርን ንልዕሊ 20 ዕጽፊ ብዝሒ ህዝብን ቁጠባዊ ሓይልን ናይ ልዕሊ ሓያላት ደገፍ ዘለዋ ሃገር ክትምክት እንተኾይና ኩሉ ህዝባ ኣብ ልምዓትን ምክልካል ሃገርን ክጽመድ ግድን እዩ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ነጻነት ኤርትራ ክውን ክኸውን ዝኸኣለ መብዛሕትኡ መንእሰይ ከቲቱ ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ስለዝተሰለፈን ሓፋሽ ህዝቢ ድማ ሓደ ኢዱ ብረት ሓደ ኢዱ ድማ *ዕርፊ ማሕረሻ ሒዙ ስለ ዝመከተን  ብዘይ ምስልካይ ሳላ ዝተጋደለ ኢና ተዓዊትና።

ሕጂ’ውን ዶባትና ከነጽንዕን ዝወረደና ዕንወት ክንሃንጽን ንሰራዊትና ፋሕ ብትን የእቲና፣ ብስም ቅዋም ነንሕድሕድና ክንተፋነን ኣብ ናይ ኣህለኽቲ ንግዲ ተዋፊርና ውልቀሰባት ዝህብትሙሉ ቁጠባ ምህናጽ ዘይኮነስ ንሃገርና ዝኸውን እኩል እቶት ንሰደድ ዝዓለመ ኣፍራዪ ቁጠባ ክንሃንጽን ማሕበራዊ ፍትሒ ክነግስ እዩ ኩሉ ጻዕርታት መንግስትና። ስለዚ እቲ ኣፍራዪ ኣካል መንእሰይ ስለዝኾነ ንሱ ጥራይ እዩ ክሰርሖ ዝኽእል።ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ቃልሲ መንእሰይ ነቲ መስዋእቲ እንተዘይከፍል ነይሩ ነጻነት ኣይምተረኽበን። ሕጂ’ውን መንእሰይ መስዋእቲ እንተዘይከፊሉ ሃገሩ ከድሕን ኣይክእልን፣ ማዓሩ ባዕሉ እንተዘይበርቢሩ ድማ ብኮፉ ማዕር ዘብልዖ የብሉን ወይ ማዓር እንዳ ማቱ ከማዕዱ እዩ።

ሰብ ክግንዘቦ ዝግባእ ምንዋሕን ምሕጻር ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይኮነን። ሰብ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተፋንዩ እንታይ እዩ ክገብር? ነዚ ኣማኢት ኣሽሓት ዝተጣየሰ ዜጋ ዝኸውን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢርናሉ ዲና? ተፋንዩ’ኸ እንታይ እዩ ክኸውን ኢልና ክንሓስብ ክንክእል ኣሎና። ሰብ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃልዩ እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ? ንረብሓ ውልቀሰባት ወይ ንረብሓ ሃገር እዩ ዝሰርሕ ዘሎ? ብርግጽ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘሎ ይኹን ኣብ ንቡር ስራሕ ዝተዋፈረ ሰብ ምስ መነባብሮ ዝመጣጠን ክፍሊት ይኽፈሎም የሎን። መኽፈሊ ዓቅሚ እንተዘይተረኽበ እንታይ እዩ እቲ ምርጫ ዝጀመርካዮ ወፍሪ ምዕናው ናብ ስደት ምቁማት እንተኾይኑ ሳዕቤኑ ኣብ ሃገር ዘውርዶ ሃስያን ንዕዘቦ ኣሎና።

ስደት ኤርትራውያን ካብ መሰረቱ ክንርእዮ እንተድኣ ኮይኑ ምስ መግዛእቲ  ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰር እዩ። ካብ ፍርቂ ሱሳታት ሰውራ ኤርትራ እንዳሓየለ ኣብ ዝመጻሉ፣ ስርዓት ሃይለስላሴ ሕኒሕነ ናይ ምሕያል ሰውራ ኣብ ምዕራባዊ ቆላታት ኤርትራ ዓድታት ብኣልማማ የቃጽልን ህዝቢ ይሓርድን ይርሽስንን ስለዝነበረ ህዝቢ ካብዚ ባርባራዊ ግፍዕታት ሃዲሙ ብብዝሒ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ።

ድሕሪ 1975 ድማ ስርዓት ደርግ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ካብቲ ናይ ሃይለስላሴ ዝገደደ ባርባራዊ ግፍዕታት ኣብ ኩሉ ቦታታት ኤርትራ የካይድ ስለዝነበረ ዝበዝሕ መንእሰይ ናብ ሰውርኡ ክስለፍ እንከሎ ገለ መንእሰያትን ዓበይትን ድማ ብብዝሒ ናብ ስደት ኣምሪሖም እዮም።

ቀጺሉ’ውን ተ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ሓ.ኤን ከተማታት ሓራ ከውጽኣ ምስ ጀመራ ኣብ’ቲ ሓራ መሬት እኩል ማሕበራዊ ኣገልግሎት ስለዘይነበረ ብዙሕ ህዝቢ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ። ይዝከረኒ ኣነ ኣብ’ዚ ሕጂ መዓስከር ሳዋ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዘሎ ከባቢኡ ናይ ተ.ሓ.ኤ መዓስከር ሑመረት ኮልቦይ ዝፍለጥ ዝነበረ ህዝቢ ካብ ከተማታት መንደፈራን ዓዲዃላን ኣቁርደንትን ሓጋዝን ህዝቢ ብመካይን ዓበይቲ ተጻዕኑ ናብ ሱዳን ይውሕዝ ስለ ዝነበረ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበርና ተጋደልቲ በቲ ብዝሒ ዋሓዚ ህዝቢ ብምግራም ኣንታ ንመን ዲና እዛ ሃገር ነጻ ነውጽኣ ዘሎና ኢልና ንዘራረብ ኔርና። እዚ ስደት መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ መዕገቲ ስለዘይገበረሉ ዋሓዚ ስደተኛ ክሳብ ተ.ሓ.ኤ ካብ ሜዳ እትወጽእ ቀጺሉ። ብዓቢኡ ድማ ዝበዝሕ ሰራዊት ተ.ሓ.ኤ ጠቅሊሉ ናብ ሱዳን ስለዝኣተወ ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ።

እዚ በብግዚኡ ናብ ሱዳን ዝወሓዘ ህዝብን ሰራዊትን ኣብ ሱዳን ተሓጺሩ ኣይተረፈን። ብፍላይ ውዲት ምዕራባውያን ንስውራ ኤርትራ ንምድኻም ንቀጻሊ ስደት ናብ ኤሮጳን ኣሜሪካን ካናዳን መንገዲ ስለዝኸፈታ ካብ መጨረስታ ሰብዓታት ብዙሕ ሰብ ናብ ኤሮጳን ኣሜሪካን ካናዳን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ህዝቢ ብብዝሒ ተሰዲዱ።

ኤርትራዊ ሓወይ ሓብተይ ስድራቤተይ የዕሩኽተይ ባሃሊ እዩ። ኣቀዲሙ ዝተሰደ ነቲ ናብ ሱዳን በብግዚኡ ዝመጽእ ዝነበረ ሰብ ብምትሕግጋዝ ድማ እቲ ሰንሰለት ናይ ስደት ከም መፍተል ቀጻሊ ኮይኑ። ዕላልን ወረ ስደትን ክንዮ ሱዳን እቲ መነባብሮ ካብ ሃገርን ሱዳንን ዝሓሸ ምኻኑ ዕላል ናይ ኩሉ ህዝቢ ስለዝነበረ ድማ ሃረርታ ናይ ስደት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ስድራቤትን ተሰሪጹ፣ ወዲ ኩስቶ ወይ ጓል ኩስቶ ንስድራቤቱ ተኺልዎም እንዳተባህለ ለበዳ ስነኣእምራዊ ሕማም ስደት ናብ ኩሉ ህዝቢ ሊሒሙ።

ድሕሪ ነጻነት እቲ ካብ ስደት ንስድራቤቱን ዓዱን ክበጽሕ ዝመጸ ብዘርእዮ ዝነበረ ምንጽብራቅን ናይ ምሕሻሽ ባህርያትን ኩሉ ሰብ ኣሰሮም ክስዕብ ሃሮር ኣቢልዎ እዩ። ዋላ’ውን እቶም ሂዎቶም ከፊሎም ሃገር ዘምጽኡ ተጋደልቲ ብዙሓት ከይዋዓሉ ከይሓደሩ ንዝረኸብዎ ናይ ስድራቤቶምን የዕርኽቶምን ምትሕግጋዝ ተጠቂሞም ናብ ስደት ዘምርሑ ዉሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ዝከፍኤ ግን እቲ በብግዚኡ ንሃገሩ ክበጽሕ ዝመጽእ ዝነበረ ዘሎን ንፈተውቱን መቅርብኡን ኣብ’ዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ  ዘይትወጽእ እንዳበሉ ንህዝቢ ዝትኹቱኹን ዉሑዳት ኣይኮኑን።

ብርግጽ ነዚ ኩሉ ተጻብኦታት ክትዓግቶ መሰረታዊ ፍታሕ ቁጠባዊ ምዕባለን ስላምን ርግኣትን ክህሉ ኣለዎ። ሃገርና ኣብ’ቲ በሰላኣ ከተሕውየሉ ዝጀመረት እዋን እቲ ሑሱም ወራር ወያነ ስለዘርከበ እቲ ስደት ድማ ተመሊሱ ናህሩ ወሲኹ። ከምቲ ኣቀዲመ ዝጠቀስክዎ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ንሓዉ ሓብቱ ዘመዱ ዓርኩ ከምዚ ካብ ዒላ ማይ እትግልሎ እንዳተሓጋገዘ ዘይተኣደነ ገንዘብ እንዳኸፈለ፣ ናይ ሞትን ሓደጋን ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝወርድ ዓመጽ ከይገደሶ ንመንእሰያት ኣደዳ ስደት ብምግባር ተሓባበርቲ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ይኸውን ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ ምዕራባያን ሃገራት መንእሰይ ካብ ሃገሩ ንክወጽእ ኣብ ጎሮባብቲ ሃገራት ኣዋዲደንኦ ዘለዋ መሳለጥያታትን ጎስጓስን ነቲ ኩነታት ኣጋዲድዎ ይርከብ። ቀዳማይ እዚ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ምስርን ከንያን ኡጋንዳን ተኸፊቱ ዘሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ንኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ንምግዓዝ ዝግበር ናይ ዳግመ-ጥየሳ ናብ ኤሮጳን ኣሜርካን ኣውስትራልያን መደባት ጉሉጽ ቶኽታኽን ጎስጓስን ናይ ስደት እዩ። ካልኣይ  ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ዝኾነ ናይ ኤሮጳን ኣሜርካን ዶብ ምስ ዝረግጽ ብዘይ ገለ ቅድመ-ኩነት መሰል ናይ ስደተኛ ኣለዎ ምባል ተወሳኺ ነዳዲ ናይ ስደት እዩ። ሳልሳይ ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ኤሮጳ ከም ስደተኛ ቁቡል እንተኾይኑ ስድራቤቱ ከምጽእ ፍቃድ ምሃብ ነቲ ነዳዲ ዝያዳ ከም ዝጉህር ዝገበረ እዩ።

ነዚ ኩሉ ውዲታት ኣብ ግምት የእቲኻ ኤርትራዊ ስደተኛ የለን፣ እንታይ ደኣ ምዕራባውያን ብገዝእ ፍቃዶም ዕድመ ጌረን ዘምጽኦኦም ኣጋይሽ ናይዘን ሃገራት እዮም።  

ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብና ኣትዩ ዘሎ ሕማም ለበዳ ስደት ቀሊል ኣይኮነን። ወዲ 12-14 ስለምንታይ ንበይኑ ስግረ-ዶብ ይኸይድ። መንቀሊኡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዘሎ ዕላል ዝጸለዎ እዩ። ኣዴታት ማዓንጣ ዘይቆጸሩ ህጻውንቲ ሒዘን ንምንታይ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭካኔ ዝመልኦ ኣብ ዘየድሊ ሓደጋ ይወድቃ? ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝተራእየ  ህልቂት ትምህርቲ’ዶ ክኾነና ኣይግባእን? ንምንታይ እዩ ዝደጋገም? እዚ ጉዳይ ቁዋም ወይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይኮነን። እንታይ ሕማም ለበዳ ስደት እዩ። ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ ወደን ከይሓምያ ሰይቲ ወደን ይሓምያ ኮይኑ ነገሩ። ሃየ ነዚ ለበዳ ንምጥፋእ ጻዕሪ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ስለኾነ ንኹሉ ንስግረዶብ ዝሕተት ወጻእታት ኣትሪርና ክንቃዎ ምእንቲ ሃገርና ክንጸንዕ ይግባኣና።…..

ዓወት ንሓፋሽ!

ግርማይ የማነ

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events