Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: ******ብወያነ ትግራይ ትምራሕ ኢትዮጵያ ኣብ 1999 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘካየደቶ ካልኣይ ወራር፣ ዋጋ 30 ሚልዮን ዶላር ሆሊኮፕተር ወያነ ካብ ሰማይ ብሚሳይል ሓምሽሹ ዘውደቐ ጅግና ዓምር ዓሊ!!!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Saturday, 03 June 2017

 
***ብወያነ ትግራይ ትምራሕ ኢትዮጵያ ኣብ 1999 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘካየደቶ ካልኣይ ወራር፣ ዋጋ 30 ሚልዮን ዶላር ሆሊኮፕተር ወያነ ካብ ሰማይ ብሚሳይል ሓምሽሹ ዘውደቐ ጅግና ዓምር ዓሊ!!!

ዋጋ 30 ሚልዮን ዶላር ሆሊኮፕተር ወያነ ካብ ሰማይ ብሚሳይል ሓምሽሹ ዘውደቀ ጅግና ዓምር ዓሊ ሙሳ///HERO AMIR ALI MUSA WHO SHOT DOWN A HELICOPTER
እዚ እትርእይዎ ዘለኹም ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዓምር ዓሊ ብ1999 ኣብ ግንባር ሰቲት ንናይ ወያነ MI35 ዝተባህለት ተዋጋኢት ሆሊኮፕተር ዝሓምሸሸ ጅግና እዩ። ብጉንበት 23 1999 ወያነ ንበዓል ነጻነት ናብ መዓልቲ ስውኣት ክቅይራ እየ ኢሉ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣብ ግነባር ሰቲት ከፊቱ ኔሩ። ኣብቲ ግንባር 4 ሚግ ሓንቲ ሆሊኮፕተርን ብሓይልታት ምክልኻል ጸነ ፈርቲ ተሓምሺሸንኦ እየን። ኣብ ካልእ ግንባራትውን ዝተሓምሸሻ ብኣባላትና ዝተሳእላ ውሕዳት ኣይኮናን። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ግንባር ዓሰብ ብወዲ ወልዱ ናይ ሕጂ ተሌንተ ዝተሃርመስኮ ዝዓይነታ ወይውን ንበዛብህ ኣብ ኣስመራ ዘውደቀቶ ዋዕሮ፡ካልኦት ብዙሓት ጀጋኑ ንናይ ነፈርቲ ወያነ በብዝኸድኦ ከም ዝሕምሸሻ ዝገበሩ ኣለው። ናይ ዓምር ፍልይቲ ዝገብራ ግና ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታት ትቪ ኤረ ምዃና እዩ። እቶም ነቲ ግንባር ክበጽሑ ዝኸዱ ጋዜጠኛታት፣ ነቲ ደብዳብ ወያነ እንዳቀድሑ ከለው እዩ ዓምር ነታ ሄሊኮፕተር ኣብ ሓባሪ የእትዩ ዝሃረማ። ምስቶም ክቀትሉ ዝመጹ ፓይሎታት ከኣ ናብ መሬት ዝተሓምሸሸት። እቲ ንመዓልቲ ነጻነት መዓልቲ ስውኣት ክቅይር ዝተበገሰ ስርዓት ትግራይ 18 ታንክታት ዝርከበን 29 ድሩዓት መካይን ተቃጺለንኦ። 12 ታንክታት ንሓይልታትና ኣረኪቡ 20 ሽሕ ሰራዊት ከሲሩ ንድሕሪት ሃዲሙ። ኤርትራ ከምዚኦም ቶኪሶም ዘድምዑ ሕጹባት መዓንጣ ስጋብ ዘለውዋ ማንም ክደፍራ ዘይሕሰብ እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ዓምር ዓሊ ካብ ኣሃድኡ ንስራሕ ንኣስመራ ምስ መጸ ምስቶም ነታ ኩነታት ቅድሚ18 ዓመትት ዝሰነዱ ብዓል ሳምሶም ዝገበሮ ዕላል ኣብዚ ብምጥዋቅ ክትሰምዕዎ ትክእሉ፦

https://m.youtube.com/watch?v=nDPYcM2rM7Q

*************************************************************************
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events