Date: Saturday, 24 June 2017
ኩሉ ኤርትራዊ ክዕዘባ ዘለዋ ታሪኻዊት ቪድዮ!
https://www.youtube.com/watch?v=Xj26z4C3rOQ
እዚኣ ድማ ሞቕሽሽ እያ።
""ምስ ሻዕብያ 100 ዓመት ምስተዋጋእና ኔርና። እንተኾነ ንሕና ብግንባር ደቀምሓረ መጥቃዕቲ ክገብሩ እንዳተጸበና ሻዕብያ ታንክታቶም ኣዲስ ኣበባ ተራእየን።"" ጄነራል ሁሴን
ዝኽሪታ ቦጦሎኒ ሓንቲ ካብተን ኣብ እግሪ መኸል ሩባ በለሳ ንወራሪ ወታደራት ትግራይ ከም ቆሎ ሬሳታተም ዘርገፈት እያ። እግሪ መኸል እቲ ዝኸፍአ ሽንፈት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ትግራይ ዝወረደሉ መጻብቦ እዩ። ካብቲ ኣብቲ ታሪኻዊ ውግእ ዝተሳተፉ ኣሃዱዳትና ኣባላት ዜና ምስ ሓንቲ ቦጦሎኒ ስለ ዝነበሩ ዝቀድሕዎ ታሪኽ እተዘንቱ እያ። እዚ ከምዚ ዓይነት ታሪኽ እንተዘይስነድ እቶም ሓሶት ዝሕላገቶም ወያነ ጥራሕ ዘይኮኑ ንወገን ከማን ምእማኑ መሸገረ ኔሩ። ከመይሲ ሓደ ምስ 20 ዝገጥመሉ ሰብ ኣብ ልዕሊ ታንክታት ደይቡ ዝዓለሉ ውግእ እዩ ኔሩ። እቲ ነቲ ሰራዊትና ዘይፈልጥ ክገርሞ ይክእል ይኸውን እምበር ንኤርትራዊ ወተሃደር እዚ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን።