Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ፡ ህግ/መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግብሪ እምበር ኣብዘረባ ኣሚኑ ኣይፈልጥን።

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 29 June 2017

ህግ/መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ግብሪ እምበር ኣብ ዘረባ ኣሚኑ ኣይፈልጥን።

ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ፣ ንኤርትራ ነጻ ከውጽእ ከሎ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተገልግል ሓንቲ ኤክስትረይ ማሽን ዝጸንሓቶ ህዝባዊ ግንባር ሕጂ ንኤርትራ ካብተን ሓንቲ ንህዝቢ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህባ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ሰሪዕዋ ጥራሕ ዘይኮነ ካብተን ንናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሚልዮኔም ሽቶ ዝወቅዓ 5 ሃገራት ኣፍሪቃ ሰሪዕዋ ኣሎ።

ኣብዚ ግዜ` እቲ ዝርሓቀ ሕክምና ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ዝጎዓዘሉ 10 ኪሜ እዩ። ድሕሪ ነጻነት ጥራሕ ኣብ ነፍሲወከፍ ዓዲ ሕክምና ከምዝኣቱ ተጌሩ። 16 ዓበይቲ ሆስፒታላት ተሰሪሐን፣ሓደ ሓኪም 37 ሽሕ ዝነበረ ሕጂ ሓደ ሓኪም 15 ሽሕ ህዝቢ ወሪዱ፣ 90 ሚኢታዊት ኣዴታት ኣብ ሕክምና ከምዝሓርሳ ተጌሩ። ንፊስቱላ ኣዴታት ዝከናኸን ክሊኒካት ኣብ ኩሉ ተኸፊቱ። 98 % ቆልዑት ክታበት ከምዝረኽቡ ተጌሩ። 1995 እቲ ቁጽሪ 24% እዩ ኔሩ። ሞት ኣዴታትን ህጻናትን 80% ቀኒሱ። ዕድመ ናይ ምንባር ናይ ኤርትራውያን ኣብ መጀመርያ ነጻነት 45 ዕድመ ኔሩ፣ ሕጂ ግን ናብ 67 ዓመት ክብ ኢሉ።

ካብ ከባቢና ዝለዓለ፡ ንሽኮርያን ደም ብዝሒ ንዘሎዎም ዜጋታት ብማሕበር ብምጥርናፍ ኣብ 3 ወርሒ ብምርማር ዘድልዮም መድሃኒት ብነጻ ይዕድል ኣሎ።ንብኤች ኣይቪ ዝተለኽፉ ሰባት ብማሕበር ብምጥርናፍ መናዉሒ ሂወት መድሃኒት ብናጻ ይዕድል። ንተመሃሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርታት ብተንቀሳቀሲ ክሊኒክ ዓመታዊ ምርምር ስንን ዓይንን ብምግባር ዘድልዮም መነጽርን ሕክምናን ብናጻ ይህብ። ንኣጋር ሓካይም ኣብ ኩለን ገጠራትን ዓድታትን እንዳኸዱ ከም ንትራኮማ ዝኣመሰሉ ሕማማት ይከታተሉን ይሕክሙን። እዚ ኹሉ ከኣ ብናጻ ብዘይክፍሊት! ስለዚ ቅድሚ ብህግ ምዝራብኩም ንህዝቢ ስራሕኩም ኣርእዩ።

 

 
 

WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events