Dehai News

Daerona.com: ገምጋም መጽሓፍ የኑረነቢ ማህደር

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 24 September 2017

ገምጋም መጽሓፍ የኑረነቢ ማህደር 
ደራሲ ተስፋየ ገብረኣብ
ገምጋሚ ሃይለሚካኤል ሃይለስላሴ,(ሊንጎ)

ወርሒ መስከረም 24, 2017 ዓም ፈረንጂ

https://1.bp.blogspot.com/-xMZBpbC81Hc/WSIoC2ZHkLI/AAAAAAAAGNM/7cRVnE6GvXQQQ1vYmMpQ8huECPnILl_iwCLcB/s1600/Nurenebi%2BCover%2BUS%2BSize%2B%25281%2529.jpg


ሓደ ተወሳኺ ቋንቋ፡ በብዝመለኽኻ መጠን፡ ንዓለም ብሓደ ተወሳኺ ኲርናዕ ከጠምተካ ዘኽእል መስኮት ከም ዝቐደድካ ኢዩ። ቋንቋ ኣምሓርኛ ብጽቡቕ ዝረደኣኒ ምኻነይ ኣጸቢቐ ዝተሓጒስኲሉ ሎሚ-ዘመን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ብቛንቋ ኣምሓርኛ እንዳ ተሕትመ፡ ብዝንቡል መንገዲ ክጽወየና ዝነበረ ታሪኻት፡ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ዝብድህ መልሲ ክወሃቦ ስለ ዘንበብኲ። ብሕጂ፡ ነዊሕ መንገዲ’ሎ፡ ግን እንተ ወሓደ መልሲ ከወሃቦ ጀሚሩ’ሎ!! 


ልክዕ’ዩ፡ ‘የኑረነቢ ማህደር’ ብቛንቋታት ትግርኛን እንግልዚን ናይ ምትርጓም መስርሕ ተጀሚሩ ምህላዉ ደራሲ ገሊጹ ኢዩ። ንዓይ ግን ከም’ዚ፡ ጣይታ ብውዕይታ፡ ካብ መጒጎ ወጻኣ፡ ሃፋኣ እንዳ ተረኣየ፡ ብቓተይና ጌርካ ትስዂላላ፡ ምስ ቃይተናዊ ጥዕማ ሰዂሊለያ እየ። እቶም ተርጒምቲ ብኸም’ቲ ተስፋየ ኣቐሚጥዎ ዘሎ ክኸቕምጥዎ ይጽዕሩ ድሉጥ’ዩ። ኣምላኽ ይሓግዞም። ንወዲ ሸዋ፡ ንኽገልጽ “ሸዌ!” ኢለ ኣቐሚጥዎ ንዘሎ ናየስተሓቃር ጣዕሚ፡ ነቲ ኣብ መኽፈቲ ናይ ነብሲ-ወከፍ ዘሎ ቅኔን ግጥማዊ መጠዓዓሚን ግን ብኸመይ ከም ዝትርጒሙዎ ንምርኣይ ተሃዊኸ’ለዂ። 


ተስፋየ፡ ብዘይ ምግናን ኣዘንታዋይ ኢዩ። የዘንቱ ወዲ ሓራም። ዋና ነገር ከኣ፡ ንታሪኽ ናይ ከባቢና፡ ደጊምና ንኸነንብብን ንኽርዳእ ንኽጽዕርን ዝደፋፍእ ስራሕ ኣቕሪቡልና’ሎ። ኣብ ዘረባኡ፡ ብፍላይ ኣምሓሩ እዛ መጽሓፍ ኣብ ናቶም ናይ ንግዲ ትካላት ንኸይትሽየጥ ከም ሕሱም ናይ ምሕሳ ጻዕሪ የካድዩ ምህላዎም ገሊጹ። ሽዑ፡ ነዛ መጽሓፍ ስለ ዘይንበብኲዋ ዝነበርኩ፡ ዘረብኡ ከም’ቲ ዝግባእ ኣይተሰወጠንን። ሕጂ’ግን፡ ኣምሓሩ፡ ብፍላይ እቶም ጽቡሑን-ጥራሑን ዝተደማመሮ ታሪኽ እንዳ ‘ዘንተዉን እንዳ ኣመኑን ክንበሩ ዝመርጹ፡ ንኸይትንበብ እንተ ተሓሰሙዋ፡ ሓቃቶም’ዮም። ለካ፡ ‘ኣያት-ቅድመ-ኣያት ከእጅ-ወደ-እጅ እየተቀበባሉ ያስረከቡን ሃገር’ እንዳ በሉ፡ ካብ ቁልዕነትና ኣትሒዞም ዘደንቊርና’ስ፡ ከም’ዚ ናይ ተስፋየ ዝኣመሰለ፡ ‘ውስጠ-ኣዋቂ’ ብቛንቊኦምን ብዕምቊትን ዝፋጠስ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ስለ ዝጠፍአ ኢዩ። ካብ ፋና ምድሪ-ብሌን፡ ክሳዕ ዓንቀር ቤተ-መግስታት ጣልያንን ኢትዮጵያን፡ ዝውረወር ታሪኽ፡ ነ’ርባዕተ ወለዶታት ኣራኺቡ ዝተትዖ ውቁብ ኣዘነታትዋ፡ ምስ ጀመርካ ጠጠው ዘብል ኣይኮነን። ካብ 1890ታት ጀሚርካ ክሳዕ፡ ሓሙሻይ ወራርን፡ ስርሒት ፈንቅልን፡ ጎቦ መዕደነን ዘሎ ታሪኽ ከተራኽብ፡ ዝግመት ኣይኮነን። ተስፋየ፡ ፋዕራ ንኽትገብረሎም ንዘየገድዱ፡ ‘ጥልያን በዚ ኣትዩ፡ ጥልያን በቲ ወጺኡ፡ ራእሲ እከለ-ንራእሲ እከለ ተተናዂልዎ...’ ጥራይ መሲሉካ ክትሓልፎ ንእትኽእል፡ ብጥበቡ፡ ኣዒንትኻ ምንቕ፡ ኣእምሮኻ ንቕንቕ ከየብልካ፡ ከም እተንብብን ተስነትንትንን ይገበርካ። ብኡነት፡ ካብ መወዳእታ መበል 19-ክሳዕ መፋርቕ 20 ዘመን፡ ኣብ ከባቢና ብዛዕባ ዝነበረ ታሪኻዊ ከይዲ፡ ኣዒንተይ ዝያዳ ከፊተ እንተበልክዂም፡ ንመመቀሪ ዕላል ኣይኮነን!


ንምድሪ ሓበሻ፡ ከም’ቲ ዝብሉና ዝነበሩ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ኣብ ገለ ወሳኒ ዝኾነ ህሞት፡ ካብ ኢትዮጵውያን ንላዕሊ ኤትራውያን፡ ከም ዝተሰውኡላ ኣጨቢጡና’ሎ። ኤርትራውያን፡ ንጣልያን መሪሖም ናብ ኣዲስ አበባ ከም ዝኣተዉ ጥራይ ጌሩ ዘቕርብ ጽውጽዋያት ብመርትዖ ኣሰንዩ ዝምጉቶ ሰብ ተረኺቡ’ሎ። ንኣብ ምድረ-ኤርትራ ዝነበረ፡ ናይ ሰራዊት ጣልያን ኣሰላልፋን ትሕዝቶን ብካርታ ኣሰንዮም፡ ኣብ ራሕ-ኢድ ንጉስ ሃይለስላሴ ኮፍ ዘበሉ ኤርትራውያን ከም ዝኾኑ ዝተዛረበ በዓል ማዕዶ-መረብ ኣይሰማዕናን። ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውንን ካብ ጽሩይ ዝኾነ፡ ናየ’ተሓሳሰባ ፍልልይ ከም ዝነበረ፡ ካብ ዛንታኡ ትረኽቦ! ነዛ ናይ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ከይተረፈ ኤርትራውያን ዝገበርዎ ካብ ዓቢ-ዝዓቢ ኣስተዋጽኦ፡ ናይ ኲኖ-መረብ ጸሓፍቲ ተቢዖም ንኽዛረብሉ ዘይመርጹ ሓቂ እዩ። 


ተስፋየ፡ ኣብ ቢሸፍቱ ተወሊዱ፡ ኣብኡታት ዓብዩ ከብቅዕ ብኸም’ዚ ዝዓይነቱ ጽባቐ ንኣተሓሳሰባን ባህርዪን ኤርትራውያን፡ ኣብ ሓንጒል ኣንበብቲ ክስእል ምኽኣሉ፡ ብደም ኤርትራዊ ስለ ዝኾነ ጥራይ ክመጽእ ዝኽእል ሓይሊ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ፡ ምስትውዓል ዝተወሰኾ እዩ! ከም ዝተሰባበረት ግዛዛ ሽዋሕ-ዋሕ ዝበለ ንዝመስል ነዊሕን ዝተረፋተተ ታሪኻት፡ ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ፡ ‘የኑረነቢ ማሕደር’ ኣብ ሓንቲ ነቓዕ’ውን ዘይብላ ስጥምቲን ስልምትን ብርጭቆ የስምራ። ካብ ቀደሞት መጻሕፍቱ፡ ‘የጋዜጠኛ ማስታወሻ’ ፡ ‘የደራሲ ማስታወሻ’ ን ‘የስደተኛ ማስታወሻ’ ኣንቢበየን ከብቅዕ፡ ከም’ዚኣ ኢለን ኣየጥለቓንን። ምናልባት’ዶ’ኾን፡ ኣብ ጉዳይን ታሪኽ ህዝቢና ዘተኲረት ኮይና’ሞ፡ ነቲ ታሪኽ ከኣ፡ እንተ’ስ ኣብሲለ፡ እንተ’ስ ኣቋሲለ ዝፈልጦ ኮይነ?
 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events