Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ዓለም ኣብ ኤርትራ ዑደት ይፍጽም ኣሎ።

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 26 September 2017

View image on Twitter
“ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ስኒትን ምክብባርን፡ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐን እናተወራረሰ ዝኸይድን፡ ቀንዲ መለለዪ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።”

 ሰሉስ 26 መስከረም 2017  ሓዳስ  ኤርትራ

ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ዓለም ኣብ ኤርትራ ዑደት ይፍጽም ኣሎ።

ብሸሞንተ ኣባላት ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ዓለም፡ ኣብ ኤርትራ ካብ 22 ክሳብ 29 መስከረም ምሕዝነታዊ ዑደት የካይድ ኣሎ።...

እዚ ላዕለዋይ ልኡኽ፡ ትማሊ 25 መስከረም፡ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ዋና-ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ-ሉቃስ ኣብ ዘስመዕዎ ቃል፡ ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ስኒትን ምክብባርን፡ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐን እናተወራረሰ ዝኸይድን፡ ቀንዲ መለለዪ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ነዚ ተመኲሮ’ዚ ምስ ኣብያተ-ክርስትያን ዓለም ናይ ምልውዋጥ ኣጋጣሚ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ኣቡነ-ሉቃስ ኣስዒቦም፡ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ዓለም ምስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ንዘለዎ ዝምድና ከማዕብል ምምጽኡ ብምምስጋን፡ ብወገን ኣብያተ-ክርስትያን ኤርትራ ንዘሎ ተዋሃሂድካን ተመላሊእካን ናይ ምስራሕ ቅሩብነት ኣረጋጊጾም። 

ኣባላት ላዕለዋይ ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ዓለም ብወገኖም፡ ዕላማ ዑደቶም፡ ቀንዲ ዕማም ሃይማኖት ኣብ ዝኾነ ምውሓስ ሰላምን ምዂስኳስ ሰናይ ግብሪን ሓባራዊ ኣረኣእያ ንምምዕባል ምዃኑ ጠቒሶም፡ ብኣንጻር’ቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ብድሆ ኮይኑ ዘሎ ዘይምስናይ ሃይማኖታት፡ ኣብ ኤርትራ ምክብባርን ፍቕርን ከምእተዓዘቡ፡ እዚ ድማ ክዕቀብ ዝግብኦ ፍሉይ ትዕድልቲ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ብወገን ኣብያተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሃዶ ቤት-ክርስትያን ኤርትራ፡ ወኪል ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ወንጌላዊት-ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ቀሺ ስምኦን ገብረክርስቶስ ተረኺቦም ነይሮም።

ብምኽንያት መገሻ ክርከቡ ዘይከኣሉ ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ፡ ደገፎም ነቲ ርክብ ገሊጾም። 

ላዕለዋይ ልኡኽ ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ዓለም፡ ኣብ’ዚ ክሳብ 29 መስከረም ዝጸንሕ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ገዳማትን ኣብያተ-ክርስትያንን ንምብጻሕ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ናይ ምስታፍ መደብ ኣለዎ። 

ማሕበር ኣብያተ-ክርስትያን ዓለም፡ ናይ ኤርትራ ኣብያተ-ክርስትያን ዝርከባኦ፡ ኣስታት 350 ኣብያተ-ክርስትያን ይጥርንፍ።


Delegation of World Council of Churches visit to Eritrea

Tuesday, 26 September 2017 




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events