Dehai News

BBC.com: ናይ ቻይና ምስጢራዊ ረዲኤት፡ ኢምበራጦርያ እንትቃላዕ

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Thursday, 19 October 2017

ናይ ቻይና ምስጢራዊ ረዲኤት፡ ኢምበራጦርያ እንትቃላዕ

  • 19 ኦክተውበር 2017
 
 

ንመጀመርታ ግዜ፡ ሓደ ዓቢ ጉጅለ ተመራመርቲ ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ዓቢ ማዕከን ሓበሬታ ክእክቡ ክኢሎም ኣለዉ። እዚ ድማ ዳርጋ ብምልኡ ዝርዝር ናይ ቻይና ፋይናንሳዊ ዋሕዚ ናብተን ኢትዮጵያ እትርከበን ተቐበልቲ ሃገራት ዝወሓዘ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብ 140 ሃገራት ተዘርጊሖም ዝርከቡ ልዕሊ 5000 ፕሮጀክትታት ብምጥቃስ፡ ቻይናን ኣመሪካን በቲ ንኻልኦት ሃገራት ዝልግሰኦ መጠን ገንዘብ ተወዳደርቲ ክኾና ከምዝኸኣላ ይገልጽ።

ብራድ ፓርክስ ናይቲ ፕሮጀክት ዋና ተመራማራይ'ዩ።

ሓላፊ ናይቲ 'ኤይድዳታ' (AidData) ዝበሃል ኣብ ቨርጂንያ 'ኮለጅ ኦፍ ዊልያም ኤንድ ሜሪ' (College of William and Mary) ዝርከብ ናይ መጽናዕቲ ላቦራቶሪ እውን'ዩ።

ንሱ ምስ ካልኦት ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድን ጀርመናዊ ዩኒቨርሲቲ ሀይደልበርግን ብምትሕብባር'ዩ ነቲ መጽናዕቲ ኣካይድዎ።

ነቲ ብመንግስቲ ቻይና ክዋሃብ ዘይተኻእለ መልሲ ንምርካብ ጉጅለ ኤይድዳታ ናይ ባዕሉ ኣገባብ ከማዕብል ተገዲዱ'ዩ።

ጸብጻባት ዜና፡ ናይ ኤምባሲ ሰነዳት፡ ናይ ደገፍን ልቓሕን ሓበሬታታት ካብ መሻርኽቲ ቻይናን ብምትእኽኻብ ኣሰር ናይቲ ካብ ቻይና ዝውሕዝ ገንዘብ ክረኽቡ ክኢሎም።

ብኸመይ'ያ ቻይና ገንዘብ ትሕግዝ

እቲ መጽናዕቲ ዝረኸቦ ቀንዲ ነገር፡ ቻይናን ኣመሪካን ኣብ ዓለም እተን ዝዓበያ ለገስቲ ሃገራት ምዃነንን'ዩ። ኣብቲ እቲ መጽናዕቲ ዝሸፈኖ ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ዳርጋ ማዕረ መጠን ገንዘብ ከም ዝለገሳ ክረጋገጽ ተኻኢሉ። ዝጥቀማሉ ናይ ምዕዳል ኣገባባት ግን ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ምዃኖም'ዩ እቲ መጽናዕቲ ዘመልክት።

እቲ ዝበዝሕ (93%) ናይ ኣመሪካ ፋይናንሳዊ ሓገዝ፡ ኣብቲ እተን ብኢዱስትሪ ዝማዕበላ ምዕራባውያን ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ልሙድ ትርጉም ሓገዝ ዝካተት'ዩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሓገዝ ድማ ቁጠባ ናይተን ተመጽወትቲ ሃገራት ንምምዕባልን ሰብኣዊ ድሕነት ንምርግጋጽን'ዩ።

እንተ ወሓደ ርብዒ ናይቲ ዝወሃብ ገንዘብ ብመልክዕ ክምልስ ዘለዎ ልቓሕ ዘይኮነስ ከም ሓገዝ'ዩ ዝምጦ።

ብተዛማዲ ክረአ እንከሎ ድማ፡ ውሑድ መጠን (21% ጥራይ) ናይቲ ቻይና ነተን ተመጽወቲ ሃገራት እትህበን ገንዘብ ከምቲ ልሙድ ሓገዝ ክቑጸር ይከኣል።

እቲ ካልእ ዝወሃብ ገንዘብ 'ከድኣ? እቲ ዝዓበየ ግናዕ ናይቲ ገንዘብ ብመልክዕ ምስ ወለዱ ናብ ቤጂንግ ክምለስ ዘለዎ ንግዳዊ ልቓሕ'ዩ ዝወሃብ።

"ቻይና፡ ካብቲ እትህቦ ርእሰማል ትርኑዕ ቁጠባዊ መኽሰብ ክትረክብ'ያ ትደሊ" ክብል ብራድ ፓርክስ ይገልጽ።

ኣየኖት ሃገራት'የን ካብ ቻይና ገንዘብ ዝረኽባ ዘለዋ

https://ichef-1.bbci.co.uk/news/520/cpsprodpb/1D99/production/_98377570_dc90af61-5568-46c4-bf0b-46077d15597a.jpg
ናይ ምስሊ መግለጺ ሓገዛት ቻይና ኣብ ህንጸት ወደብ ፓኪስታን

ካብ 2000 ዓ/ም ጀሚሩ፡ ኢትዮጵያ እትርከበን ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ገዚፍ ግናዕ ናይቲ ብቻይና ዝወሃብ ሓገዝን ልቓሕን ክረኽባ ክኢለን ኣለዋ።

ይኹን እምበር ናይ ቻይና ሃብቲ፡ ኣብ ኩሉ ነቑጣታት ዓለም'ዩ ተዘርጊሑ ዘሎ - ካብ ሆስፒታላት ሰኔጋል ክሳብ ወዳባት ፓኪስታንን ስሪላንካን።

ብመሰረት እቲ ናይ 'ኤይድዳታ' መጽናዕቲ ዝሸፈኖ ቀረባ እዋን፡ ኣብ 2014፡ ራሻ ኣብ ቀዳመይቲ ናይ ተቐበልቲ ሃገራት ሊስታ ምዃናን፡ ፓኪስታንን ናይጀርያን ተኸታቲለን ይስዕባኣ።

ብተነጻጻሪ፡ ኣብ 2014 ዝለዓላ ናይ ኣመሪካ ሓገዝ ተመጽወትቲ ሃገራት ዒራቕን ኣፍጋኒስታን ክኾና እንከለዋ፡ ፓኪስታን ድማ ቀጺላ ትኽተለን።

ኣብቲ ቻይናን ኣመሪካን ዝኽተልኦ ኣገባብ ምሃብ ገንዘብ፡ ፓለቲካ ዝዓበየ ተራ'ዩ ዝጻወት።

ኣቐዲሙ በቶም ኤይድዳታ ዝቖሙ ተመራመርቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ቤጂንግን ዋሽንግተንን ዳርጋ ነተን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድግፈአን ሃገራት'የን ገንዘብ ዝምጡዋ።

ኣብ ቻይና እንተ መጺእና ግና፡ ቁጠባ'ዩ እቲ ቀንዲ ተራ ዝጻወት። ተመራመርቲ ኤይድዳታ ከም ዘረጋገጽዎ፡ ቀንዲ ኣተኩሮ ቤጂንግ ሰደድ (export) ንምድንፋዕን፡ ምስ ወለዱ ክምለስ ዝኽእል ናይ ልቓሕ ዕዳጋ ንምርካብን'ዩ።

ስለምንታይ'ዩ ናይ ቻይና ገንዘብ ኣዝዩ ማራኺ ዝኸውን?

ካብ 1960ታት ክሳብ 1990ታት፡ ምዕራባውያን ሃገራት በቲ ሽዑ ዝነበረ ዕዳጋ ዝውሰን ልዑል ወለድ ዘለዎ ልቓሕ ነተን ኣብ ምምዕባል ዝነበራ ሃገራት ይህባ ነይረን።

እንተኾነ ግን፡ እተን ተቐበልቲ ሃገራት ንወለድ ናይቲ ዝተለቀሐኦ ገንዘብ እኳ ክኸፍለኦ ብዘይምኽኣለን፡ እቲ ስትራተጂ ተመሊሱ ነተን ኣለቃሕቲ ሃገራት ክሃስየን ክኢሉ።

እዚ ድማ ብዙሕ ነድሪ ድሕሪ ምልዕዓሉ፡ እቲ ናይ ምዕራብ ናይ ሓገዛት ከም ብሓድሽ ክመዓራረ ክኢሉ።

"ንኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ብናይ ዕዳጋ ወለድ ክንህበን የብልናን ዝብል ናይ ሓባር መትከል'ዩ ነይሩ" ይብል ብራድ ፓርክስ።

https://ichef.bbci.co.uk/news/520/cpsprodpb/44A9/production/_98377571_c35766e5-b93d-4b96-a9b1-abfecf88f904.jpg
ናይ ምስሊ መግለጺ ቻይና መጓዓዝያ ባቡር ኢትዮ ጁቡቲ ሃኒጻ

"ሕጂ ድማ እነሆ ቻይና መጺኣ። ኣካል ናይቲ ኪዳን [ምዕራባዊ] ኣይኮኑን፡ ስለዝኾነ ድማ፡ በቲ ዘሎ ናይ ወለድ ዕዳጋ ክህቡ ድሌትን ዓቕምን ኣለዎም"

"እናገነነ ዝመጽእ ዘሎ ተርእዮ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ጸገማት ምስ ኣተዋ ካብኡ ንምውጻእ ናብ ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF) ክኸዳ ዘይድልያ ሃገራት፡ ናብ ቻይና'የን ዝኸዳ"

ቻይና ክሳብ መዓስ ገንዘብ ምልቃሕ ትቕጽሎ ትኸውን?

ክሳብ ሕጂ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረጋግጾ፡ በቲ ዘሎ ዕዳጋ፡ ካብ ቻይና ገንዘብ ዝልቃሓ ሃገራት፡ ዘጋጥመን ቁጠባዊ ጸገማት እኳ እንተዘየለ፡ ብኡ መጠን'ውን ቁጠባዊ ዕብየት ኣየርእያን'የን ዘለዋ።

ፍርሒ ናይ'ቶም ተመራመርቲ፡ ድሕሪ 10 ክሳብ 15 ዘሎ ዓመታት እቲ ኩነታት ክቕየር ስለዝኽእልን፡ እቲ እተን ሃገራት ዝወስደኦ ልቓእ እናተዋህለለ ምስከደ ዕደአን ንቤጂንግ ክኸፍላ ኣብዘይክእላሉ ደረጃ ክበጽሓ ስለዝኽእላን'ዩ።

ኣብኡ ምስ ተበጽሐ ድማ፡ ቻይና ኣተሓሕዛኣ ክትቅይር ትኽእል ትኸውን።

እቶም ተመራመርቲ ከምዝብልዎ፡ ድሮ ቻይና ናይ ልቓሕ ኣገባባ ክትቅይር ጀሚራ ከምዘላ ዘሪኢ ምልክታት ኣለዉ፡ ይብል ተመራማራይ ሺያውጁን ሊ ካብ ዩኒቨርሲቲ ብርቲሽ ኮለምቢያ።

ቤጂንግ እትህቦ ልቓሕ፡ ብዝያዳ ብመንገዲ ከም ናይ ኤስያ ናይ ትሕተ-ቅርጺ ወፍሪ ባንክ (Asian Infrastructure Investment Bank) ብዙሓውያን ትካላት (multilateral) ኣቢላ ኣብ ምሃብ ትርከብ።

ቻይና እታ ዝዓበየት ናይ ዓለም ኣለቃሒት እንተኾይና፡ እንታይ'ዩ እቲ ጸገም?

ቅድመ-ኩነት ዘይብሉ ናይ ቻይና ናይ ልቓሕ ኣገባባት ኣብቲ ናይ ዓለም ናይ ምልቃሕ ስርዓት ጽልዋ ከምዘለዎ ጭብጥታት ኣሎ። እተን ልምዳውያን ኣለቃሕቲ ሃገራት ኣብ ልዕሊ ተቐበልቲ ሃገራት ዝጠልበኦ ዝነበራ ቅጥዒታት ከቋርጾኦ ኣገዲድወን ኣሎ።

ኣብቲ ናይ 'ኤይድዳታ' ማዕከን ብምምርኳስ፡ ተራ ናይ ቻይና ከም ዓባይ ኣለቃሒት ኣብ መንጎ'ተን ፍሉጣት ኣለቃሕቲ ውድድር ከም ዝህሉ ምግባሩ፡ ናይ ስነቁጠባ ምሁር ዲየጎ ሀርናንደዝ ኣረጋጊጹ።

"ሓንቲ ናይ ኣፍሪቃ ሃገር ብቻይና'ውን እንተ ተሓጊዛ፡ ዓለማዊ ባንክ'ውን ውሑድ ቅድመ ኩነት ጥራዩ ምስቲ ዝህቦ ለቓሕ ዘቕርብ" ክብል ጽሒፉ።

ን1% ናይ ቻይና ሓገዝ፡ ዓለማዊ ባንክ ካብ ዝጠልቦም ዝነበረ ከም ናይ ዕዳጋ ምኽፋት (market liberalisation) ወይ ድማ ቁጠባዊ ግሉጽነት ብ15% የጉድል።

https://ichef.bbci.co.uk/news/520/cpsprodpb/3B33/production/_98255151_northkorea.jpg
ናይ ምስሊ መግለጺ ተመራመርቲ፣ ቻይና ናብ ሰሜን ኮርያ እትልእኾ መጠን ሓገዝ ገንዘብ ንምጽናዕ ጻዕርታት ኣካይዶም ነይሮም

ነቐፍቲ ከም ዝብልዎ፡ እዚ "ፋሉላዊ ሓገዝ" ቻይና፡ ንገለ ሃገራት ናይ ዲሞክራሲ ጽገናታት ካብ ምግባር ዓዲ ከምዝውዕላ ጌርወን ኣሎ።

እቲ ምንታይሲ፡ ካብቲ ዕቱብ ምክትታል ናይተን ልሙዳት ለገስቲ ብምርሓቕ፡ ብቐሊሉ ካብ ቻይና ልቓሕ ክረኽባ ስለዝኽእላ'ዩ።

ሺያውጁን ሊ፡ ሓገዝ ቻይና ከመይ ጌሩ ንናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ከም ዝቐየረንን፡ ዲሞክራሲያዊ ጽገናታት ከም ዝድንጒን መጽናዕቲ ኣካይዱ።

እዚ ድማ ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት፡ ፓለቲካዊ ጠለባት ናይ ምዕራባውያን ለገስቲ ሃገራት ብምጉሳይ፡ ብቐሊሉ ገጸን ናብቲ ናይ ቻይና ሓገዝ ስለዝጠውያ'ዩ ክብል ይምጉት።

"እተን ልምዳውያን ለገስቲ ሃገራት ነቲ ናይ ቻይና ኣገባብ ሓገዝ ነቒፈነኦ ኣለዋ" ይብል ንሱ። "ብዙሓት ናይ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ናይ ቤጂንግ ደገፍ ሓንጎፋይ ኢለን'የን ዝቕበለኦ፡ ወይ ድማ እንተ ወሓደ ኣማራጺ ምርካበን ዘሐጉሰን'ዩ" ብምባል ይድምድም።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events