Dehai News

ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ነየሕድረና!

Posted by: Hagos Tesfamariam

Date: Saturday, 04 November 2017

Hi brothers and sisters

I am sending an Article to be posted on the websit.

Tesfamariam Hagos
ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብእስ ነየሕድረና !
ብተስፋማርያም ሓጎስ

ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነትናን ንክብርናን ብዘይ ናይ ማንም ደገፍ በይንና ረዚን መስዋእቲ ከፊልና ዝተዓወትና ፍሉያት ህዝቢ ኢና። ህዝቢ ኤርትራ ብትሽዓተ ብሄራትን ክልተ ሃይማኖትን ዝቖመ ሕብረተሰብ እዩ። ኣብ ታሪኹ ብዓሌት ይኹን ብሃይማኖት ዘይገራጮ ብፍቕርን ስኒትን ተሓቛቚፉ ዝነብር ህዝቢ እዩ። ኣብዛ እንነብረላ ፕላኔት ኣህዛብ ብዓሌታውን ሃይማኖታውን ነውጺ ክተሃናኮቱ ይነብሩ። ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝኸፍአን ንመላእ ህዝቢ ኣፍሪቃ ኣብ ክወጽእዎ ዘይክእሉ ዓዘቕቲ ሸሚምዎም ዘሎ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ግርጭት እዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ክርስትና ይኹን ምስልምና ካብቶም ኣብ ዓለም ኣቐዲሞም ዝተቐበሉ ክነሱ ካብቶም ብስኒትን ብፍቕርን ሓድሕድ ብምክብባር ዝነብሩ ኣህዛብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ህዝቢ እዩ።

ንሕና ኤርትራውያን ንልዕሊ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓመታት ብእምነትና ይኹን ብብሄርና ዋላ ንሓንቲ መዓልቲ ይኹን ከይተገራጮና ብስኒትን ፍቕርን ሰላምን ዝነበርና፣ ኣብ መርዓ ብሓንሳብ ኣብ ሓዘን ብሓንሳብ ኣብ ሃገራውን ሃይማኖታውን በዓላት ብሓንሳእ እንነብር ፍሉያት ኣህዛብ ካብ ዓለም እኮ ንሕና በይንና ኢና። እዚ ዘቕንኦም ጎሓላሉ ነዚ ፍሉይ ሓቢርካ ናይ ምንባር ዘማዕበለ ሕብረተሰብ ኤርትራ ፋሕ ብትን ንምእታው ዓሌታውን ሃይማኖታውን  ግጭት ኣሳዊሮም ሓድሕድ ከተሃናኹቱና ባዕዳውያን ገዛእትን ኣብ ከባቢና ዘለዉ ጥሩፋትን ዝመሽመሹ መንግስታትን ኩሉ ግዜ ካብ ምፍታን ዓዲ ውዒሎም ኣይፈልጡን። እዚ ክብል እንከለኹ ጥሩፋት( Radicals) ካብ ክልቲኡ ሃይማኖት ማለተይ እዩ። እዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ የብሉን። እወ ህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት መግለጺ ቃላት ዘይርከቦም ክንደይ ግፍዕታት ርእዩን ኣሕሊፉን እዩ፣ ካብ ኩለን ብሄራት ካብ ክልቲኡ ሃይማኖታት ክንደይ ሃገረይ ዝበሉ ጀጋኑ ሓርበኛታት ተሓኒቖም ፣ ተረሺኖም ፣ እናረኣዩ እናሰምዑ ኣብ ባሕሪ ተደርብዮም፣ ክንደይ ከኣ ንኤውሮጳ ተወሲዶም ዓዶም ከይምለሱ ተኸልኪሎም ብኡ ኣቢሎም ሓቒቖም ተሪፎም እዮም። ንጸላኢ ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያን ፍልልይ የብሉን ክልቲኦም እዮም ዝርሸኑን ዝእሰሩ ን። ስርዓት ሃይለስላሰ ንህዝቢ ኤርትራ ክሓርድን ክርሽንን ከቃጽልን እንከሎ ኣስላማይ ክስታናይ ኢሉ ኣይፈለየን፣ ስርዓት ደርጊ ውን እዚ ኣብ ልዕሊ ሰውራን ሰላማዊ ህዝቢ ብናፓል ቦምብን ክላስተር ቦምብን ህዝቢ ከህልቕ እንከሎ ብሄር፣ ሃይማኖት ጾታ ኣይፈለየን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሃይማኖት ናይ ብሕቲ ሃገር ግን ናይ ሓባር፣ ናይ ሃገር እምበር ናይ ብሄር መንነት የብልናን። ንሕና ንሕና ኢና፣ እወ እቶም ፍሉያትን ብሉጻትን ክቡር ባህሊ እንውንን ፣ ሓድነትና ካብ ዓረ ዝተረረ ። ነዚ ሓድነትናን ምትሕቝቛፍናን ምክብባርናን ክዘርግ ዝኽእል ሓይሊ ከቶ የለን። ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገርና ዝዝረቡ ናይ ኩለን ብሄራትና ቋንቋ ክንመሃር ዝኽልክለና ኣካል የለን፣ ደስ ይብለና የዅርዓናን የሐብነናን እቲ ምንታይ ናትና ስለ ዝኾነ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ መንግስቲ ኤርትራ ኩለን ብሄራትና መባእታዊ ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደ ክኸውን ዝገበረ ። ኣብ ኤርትራ ዓረብን ትግርኛን ኦፊሽያል ቋንቋ ( Official language) እዮም።እዚ ናቱ መረዳእታ ኣለዎ ። እዚ ክበሃል ከሎ ግን ቋንቋ ዓረብ ንኣስላም ወይ ነቶም ዓረብ ድዛረቡ ጥራይ ኣይኮነን፣ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ይብጽሖ ክመሃሮ ከኣ ዝኽልክሎ ኣካል የለን። መንግስቲ ኤርትራ ንሃይማኖት ዘይከም ካልኦት ሃገር ከም መምርሒ ኣይጥቀመሉን እዩ።

ሰብ ብዛዕባ ሃይማኖቱ ክመሃር ደልዩ ኣብቲ ኣብያተ ጸሎት ክምህርን ክመሃርን ነጻ እዩ። እቲ ሓደ ነፍሲ ወከፍና ክንፈልጦን ክንርድኦን ዘለና መሳጊድና ይኹና ኣብያተ ክርስትያናትና መጋበርያ ጸላእትን መጫጭሒ እከይ ተግባራት ክኾና የብለንን። እምነትና ንውልቅና እያ ደቅና ኣይንማላኣላ ሰበይትና ኣይንማላኣላ። ብእንኣምኖ ሃይማኖት መሰልን ክብርን ኤርትራን ኤርትራውነትን ክንትንኪ ኣይነፍቅድን ኢና። ባዕዳውያን ኣመንቲ ምስልምና ይኹኑ ኣመንቲ ክርስትና ሃገራት ይኹና መንግስታት ንሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ድሕሬና እምበር ቅድሜና ኣይፈልጥኦን እየን ፣ ብዝኾነ ይኹን መዐቀኒ ንዓና ሃይማኖት ክምህራና ኣይክእላን እየን። እዚ ሃገር ከም ካልኦት ሃገራት ብእምንን ሓመድን ዝቖመ ሃገር ኣይኮነን ! እንተላይ ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ኣቦታትናን ኣያታትናን ኣዴታትናን ዓባያታትናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝቖመ እዩ ። ንዓና ንኹልና ኤርትራውያን ክንከባበርን ክንፋቐርን ክንተሓላለን ከም ማይን ጸባን ተወሃሂድና ክንነብር ዘኽኣለና ከኣ እዚ ደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑና ሓቚፉ ዘሎ መሬትን እዮም። መንዩ ኣብዚ ቅዱስ መሬት፣ ቅቡእ ህዝቢ ኣትዩ ክፈላልየናን ሰላምና ክዘርግ ዝፍትን ?  ይከኣልደኸ ?  ፍጹም ክከኣልስ ይትረፍ ኣይሕሰብን ውን። ከመዮ ሰብኣይ ዝበሎ  ተዋዛየይ እየ ፣ ሕቖ ሰበይተይ እናደረዘ ዝዋዘየለይ ግን ኣይፈቱን እየ ! ኣብ ከምዚ እከይ ውጥናት ንምትግባር ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝዋፈሩ ብገንዘብ ዝተዓስቡ ወይጦታት መናውራታት ንምግባር ክፍትኑ ይኽእሉ ይኾኑ፣ መወዳእትኦም ግን እንታይ እዩ ክኸውን ? መንግስቲ ኤርትራ ልቢ ከዕቢ ደልዩ እምበር ኣይኮነንዶ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዝግበር እከይ ጥንስስ ክኽወሎስ ፣  ኪኖ ሃገሩ ዘሎ ውን ኣይክወሎን እዩ ። ከምቲ ለባማት ኣቦታትና ዝብልዎ  ኣብ ኣጻምእ ቦታ ካብ ዒላ ማይ ክትሰቲ ከሎኻ ነቲ ነታ ዒላ ዝኾዓተ ሰብ ዘክር ።

ኣብዛ ሎሚ ለይትን ቀትርን ብዘይ ፍርሒ ትንቀሳቐሰላን ትነብረላ ዘለኻን ቀሲንካ ክትነብር ከሎኻ ነቶም ደሞምን ኣዕጽምቶምን ከስኪሶም በጃ ዝሓለፉ ሰማእታት ኤርትራ ዘክር !  ብድሕሪኡ ኣስላማይ ኣብ መስጊድ ክርስትያን ድማ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኬድካ ጸሎት ኣዕርገሎም፣ ንሕድሮም ከይትጠልም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ተማባጻዕ። ናይ ዝረብሑን ዘይረብሑን ባዕዳውያን መንግስታት ዕሱብ ኮይንካ ናይ ዝኾነ ሃይማንኖት ጥሩፍነት ኣብ ኤርትራ ከተእቱን ሰላም ህዝቢ ክትዘርግ ምፍታን ማለት ንሰማእታት ኣብ መቓብሮም ምጕዳእ ማለት እዩ ። ኣብዚ ክንጥንቀቐሉ ዘለና ነገር ሎሚ እቶም ቀደም ማሕበር ሰውራ ገሊፉ ንደገ ዝሰንደዎም ኣብ ጥላም ሳእኒ ወያነ ተምበርኪኾም ኣንጻር ኤርትራ ክምድሩ ዝውዕሉ ዘለዉ ከዳዓትን፣ ናይ ኣውራጃዊ ሕማም ዘለዎም ምሽሙሻትን ናይ ስልጣን ህርፋን ዘለዎም ከሓድቲ ሕድሪ ሰማእታትን ነዚ መዝሚዞም ኣብ ናይ ኣስላም ምንቅስቓስ ኣምሲሎም ከጎሃህሩ ዝውዕሉ ዘለዉን ክንጥንቀቐሎም ኣለና። ኣብዚ ኩልና ከም እንፈልጦ ብወያነ ዝተዓስቡ ጳጵሳትዶ ኣቕሽሽቲ ኢና እናበሉ ኣንጻር መንግስቲ ክልፍልፉ ዝውዕሉ ዘለዉ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ተኸተልቲ ኢና እናበሉ ናብ ካድራት ወያነ ዝተቐየሩ ከም ዘለዉ ክንዝንግዖ የብልናን። ወያነ ኣብ ትግራይ ንዝተሰደዱ መንእሰያት ንገሊኦም ኣቕሽሽቲ ንገሊኦም ድያቆናት ኣጠሚቑ ንደገ ይሰዶም ከም ዘሎ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ኣብ መላእ ኣሜሪካን ኤውሮጳን መዓልቲ መዓልቲ ኣቕሽሽቲ ተተፈንጪሎም ናቶም ቤተ ክርስትያን ክኸፍቱ ይውዕሉ ኣለዉ፣ እዚ ብርግጽ ተልእኾኡ ሃይማኖት ድዩ ? ኣይኮነን ደጊኡ ሃይማኖት ውሽጡ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ብኣውራጃ ከፋፊልካ ሓድነቱ ንምፍራስ ዝዓለመ ናይ ግዳማውያን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣጀንዳ እዩ።ህዝቢ ኤርትራ ብሰማእታት ደቁ ዝመጾ ኣይፈቱን እዩ። መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳይ ኢዱ ኣየእቱን፣ ኣብ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ኣይወሃብን፣ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያናትን ኣድባርትን ይኹን እንተበለ ኣይቆጻጸርን ኣይከታተልን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ጉዳይ ሃገር ላዕለዋይ ኢድን ሓላፍነትን ተሓታትነትን ዘለዎ መንግስቲ ስለ ዝኾነ ፣ ክከታተልን ክቆጻጸርን ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ ሓላፍነቱን ግቡኡን እዩ። ኣብዚ ማንም ዕሱብን ተለኣኣኽን ሕቶን ርእይቶን ክህብ ዝኾነ መሰል የብሉን። ሰላምና፣ ፍቕርና ሓድነትናን ምክብባርናን ክዘርግ ዝፍትን ኣይንዕገሶን ኢና ! ሕድሪ ኣለና ! ሕድሪ ሰማእታትና ነዛ ቅድስቲ ሃገር ሰማእታት ሰላማን ርግኣታን ንምዝራግ ብዝረብሑን ዘይረብሑን ጸላእቲ ኣብ ኤርትራ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ( ምስልምናን ክርስትናን ) ከተኣታትዉ  ዝፍትኑ ክንከላኸለላ ። ስለዚ ኣቐዲምና ኣይፋልካን ግደፍ  ንብሎ ብድሕሪኡ ግን እታ እንፈልጣ ሓለንጊ ሰውራ ኣብ ዝባንካ ክትዓልብ ምዃና ፍለጥ  ንብሎ። ህዝቢ ኤርትራ ነዛ ረኺብዋ ዘሎ ሰላምን ርግኣትን ጸዓዲት ኣሓ ሓሪዱ ኣይረኸባን ፣ ብሉጻት ነዛ ዓይኑ ርእዩ ዘይጸገቦም ኣባጽሕን ጎራዙትን ደቁ ከፊሉ እዩ ረኪብዋ። ስለዚ ጠንቀምቀም ኣይትበሉ ! ሓፋሽ ነዲሩ ሓንሳብ ሴፉ እንተ መዚዝዋ ክሳድ ጸላእቲ ከይመንደበት ትምለስ ከይመስለኩም። ብሓዊ ዝጻወት እንተ ነደደ ክበኪ የብሉን።


ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና!!!
ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!!!
ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events