ሳይሞን ሙሴን ክለብ ሰምበልን 2ይ ደረጃ ሒዞም ንዙር ፋሶ ዛዚሞሞ
6 ሕዳር 2017
ዙ️ር ቡርኪናፋሶ 2017 ተዛዚሙ!🇧🇫️
🇪🇷️ሳይሞን ሙሴን ክለብ ሰምበልን 2ይ ደረጃ ሒዞም ንዙር ፋሶ ዛዚሞሞ!!
🇲🇦️ሞሮኮ ብውልቅን ብጋንታን ዕውትቲ ዙር ፋሶ 2017 ኮይና!!
ብርክት ዝበሉ ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽግሌታን ሰበ-ስልጣን ቡርኪንፋሶን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ርእሲ-ከተማ ታ ሃገር ኣዋጓድጉው ብውዕውዕ መንፈስ ዝተዛዘመ ዛዛሚ መድረኽ ዙር ፋሶ ናይ ሎሚ ዓመት ክኢላ ቅጽበታዊ ውድድር ጀርመናዊ በንጃሚን ስታውደር ተዓውትሉ ኣሎ።
*2ይ ማትያስ ሶርጎ ናይ ቡርኪናፍሶ
*3ይ ሂጃም በኖውዛ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ኮይኖም።
🇪🇷️
🇪🇷️ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ድማ ግዜ ከይከሰሩ ውድድሮም ዛዚሞም።
-----------------------------------------------------------------፠።
ብሓፈሻ ን10 መረኻት ዙር ቡርኪናፋሶ 2017 ሞሮካዊ ተቐዳዳማይ ሳልሓዲን ምራውኒ ተዓዊትሉ ኣሎ--
ዓቢ ተስፋ ዘለዎ ኤርትራዊ ሳይሞን ሙሴ ድማ ካብ ዕዉት 18 ሰከንድ ጥራሕ ድሒሩ 2ይ ደረጃ ሒዙ ነዚ ውድድር ዛዚምዎ።
ብሉጽ መንእሰይ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ውን ሳልሓዲን ምርዋኒ ዩ ኮይኑ።
ብዘይካዚ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ዕዉትቲ ብጋንታ ክትከውን እንከላ ።ኤርትራዊት ክለብ ሰምበል ድማ ን15 ጋንታታት በሊጻ 2ይ ደረጃ ሒዛ።
ቡርኪናፋሶ ድማ 3ይቲ።
ምንጪ EriCyc.