Dehai News

ዙር ፋሶ 2017 - ሳይሞን ሙሴን ክለብ ሰምበልን 2ይ ደረጃ ሒዞም ንዙር ፋሶ ዛዚሞሞ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 06 November 2017



ሳይሞን ሙሴን ክለብ ሰምበልን 2ይ ደረጃ ሒዞም ንዙር ፋሶ ዛዚሞሞ
 
6 ሕዳር 2017 

ዙ️ር ቡርኪናፋሶ 2017 ተዛዚሙ!🇧🇫

Image may contain: 6 people, people standing, outdoor and nature
🇪🇷
️ሳይሞን ሙሴን ክለብ ሰምበልን 2ይ ደረጃ ሒዞም ንዙር ፋሶ ዛዚሞሞ!!
🇲🇦️ሞሮኮ ብውልቅን ብጋንታን ዕውትቲ ዙር ፋሶ 2017 ኮይና!!

ብርክት ዝበሉ ኣፍቀርቲ ቅድድም ብሽግሌታን ሰበ-ስልጣን ቡርኪንፋሶን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ርእሲ-ከተማ ታ ሃገር ኣዋጓድጉው ብውዕውዕ መንፈስ ዝተዛዘመ ዛዛሚ መድረኽ ዙር ፋሶ ናይ ሎሚ ዓመት ክኢላ ቅጽበታዊ ውድድር ጀርመናዊ በንጃሚን ስታውደር ተዓውትሉ ኣሎ።

*2ይ ማትያስ ሶርጎ ናይ ቡርኪናፍሶ
*3ይ ሂጃም በኖውዛ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ኮይኖም።
🇪🇷🇪🇷️ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ድማ ግዜ ከይከሰሩ ውድድሮም ዛዚሞም።
-----------------------------------------------------------------፠።
Tour du Faso 2017: Morocco in yellow, Burkina comes back empty-handed
ብሓፈሻ ን10 መረኻት ዙር ቡርኪናፋሶ 2017 ሞሮካዊ ተቐዳዳማይ ሳልሓዲን ምራውኒ ተዓዊትሉ ኣሎ--

ዓቢ ተስፋ ዘለዎ ኤርትራዊ ሳይሞን ሙሴ ድማ ካብ ዕዉት 18 ሰከንድ ጥራሕ ድሒሩ 2ይ ደረጃ ሒዙ ነዚ ውድድር ዛዚምዎ።

 ብሉጽ መንእሰይ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ውን ሳልሓዲን ምርዋኒ ዩ ኮይኑ። 

ብዘይካዚ ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ ዕዉትቲ ብጋንታ ክትከውን እንከላ ።ኤርትራዊት ክለብ ሰምበል ድማ ን15 ጋንታታት በሊጻ 2ይ ደረጃ ሒዛ።

ቡርኪናፋሶ ድማ 3ይቲ።
ምንጪ EriCyc.




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events