Dehai-News
Dehai
Events
World News
Videos
DMB
Contact
Search
Dehai News
<< Back
ሓዳስ ኤርትራ / ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ጸዓት ተተኺሉ
Posted by: Semere Asmelash
Date: Tuesday, 12 December 2017
ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ 2 ሜጋ-ዋት ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ጸዓት ተተኺሉ
ሰሉስ 12 ታሕሳስ 2017
ኣብ ቀዳማይ ገጽ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ልምዓት ቀረብ ጸሓያዊ ጸዓት ንምውሓስ ተበጋጊሱ ዘሎ ንጥፈታት፡ ኣብ ዓዲ-ሃሎ - ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ 2 ሜጋ- ዋት ጸዓት ኤለክትሪክ ዘመንጩ መደበር ጸሓያዊ ጸዓት ተዋዲዱ።
ኣካያዲ ስራሕ ነቲ መደበር ዝሃነጸ ኤርትራዊ ትካል “ኢ-ቴክ” ሜጀር ኣኽሊሉ ሃብተማርያም፡ እቲ ፕሮጀክት ብውሽጣዊ ዓቕሚ መንእሰያትና ኣብ ውሽጢ 3 ኣዋርሕ ከምእተተኽለ ብምሕባር፡ ኣብ'ቲ ከባቢ ንዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባትን ቀረብ ዝስተ ማይን ናይ ጸዓት ደገፍ ከምዝገብር ኣረዲኡ።
እቲ ፕሮጀክት፡ ናይ መጀመርያ ተመኲሮ ዝተቐስመሉ፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪን ገስጋሱን ዝተንጸባረቐሉ፡ ከምኡ'ውን ናይ ምግባር ዓቕሚ መንእሰያትና ዝያዳ ዝተጋህደሉ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ተቐሲሙ ዘሎ ተመኲሮን ተጠርዩ ዘሎ ክእለትን፡ ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ብስፍሓትን ብኣድማዕነትን ንምትግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊጹ።
ነዚ ናይ ዓዲ-ሃሎ ፕሮጀክት ናብ 4 ሜጋ-ዋት ክብ ንምባሉ መደብ ከምዘሎ፡ ጐድኒ-ጐድኑ ድማ ኣብ ገርገራ ናይ 2 ሜጋ-ዋት ፕሮጀክት ተበጋጊሱ ምህላዉ ዝጠቐሰ ሜጀር ኣኽሊሉ፡ ዓቕሚ ምምንጫው ጸሓያዊ ጸዓት ብምምዕባል፡ ቀረብ ጸዓት በብመድረኹ ክብ ንምባል ብውጥንን በብገጹን ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ኣብ’ቲ ፕሮጀክት ካብ ዝተሳተፉ መንእሰያት፡ ብክልሰ-ሓሳብ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ኣብ ተግባር ከውዕልዎ ምብቅዖም ፍናን ከምዝፈጠረሎም ብምጥቃስ፡ ኣብ ስራሕ ዝተራእየ ውህደትን ምምልላእን፡ ምስጢር ዓወት ናይ'ቲ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብ ካልኦት ዞባታት ልምዓት እውን ተመሳሳሊ ፕሮጀክትታት ጸሓያዊ ጸዓት ናይ ምውዳድ ውጥን ከምዘሎ፡ ኣብ ከርከበት ናይ 8 ሜጋ-ዋት ኣብ ገርገራ ድማ ናይ 4 ሜጋ-ዋት መደበራት ንምትካል ዝተበጋገሰ ዕማም ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
http://50.7.16.234/hadas-eritrea/haddas_ertra_12122017.pdf
Back to Dehai News
EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!
See More Videos
Dehai Events
See More Events
A Twitter List by dehai
Latest Posts
Curious Kids, the podcast, answers children's questions
The U.S. has the world’s most insincere Government.
NATO TROOPS START POURING INTO UKRAINE
MEMRI.org: The Sahel Two-Step: An 'African Playground' Gets New Players
GeoPoliticalMonitor.com: Chad Looks to Expel US Forces ahead of Polls
CounterPunch.org: How to Not Get Along With Apocalypses in Other Countries
ForeignPolicy.com: Will Washington Sanction Sudan’s RSF?
A MASTERPIECE OF POST-WW2 U.S. HISTORY: Christopher Simpson’s 1988 BLOWBACK
English.AAwsat.com/: Ex-Security Official Sparks Tribal Crisis in Eastern Sudan
TheConversation.com: Sudan: civil war stretches into a second year with no end in sight