Dehai News

Tigrigna.VoaNews.com: መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ'ዚ ከ ናበይ? ! 1ይን 2ይን ክፋላት

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 05 July 2018

ሓምለ 05, 2018

ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን መዘራረቢ ኮይኑ
 
ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን መዘራረቢ ኮይኑ

ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ተቐቢሉ ንክትግብር ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ርክባት ተጠናኺሩ ከምዝቀጸለ ዝዝከር’ዩ። ብመሰረት’ዚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ኣዲሳበባ በጺሑ ተመሊሱ፣ ልኡኽ ኢትዮጵያ ድማ ናብ ኣስመራ ክገይሽ ይኽእል’ዩ ዝብል ቅድመ ግምት ኣሎ።

ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ንቡር ንክምለስ እንታይ ክግበር ኣለዎ? እንታይ ዕንቅፋት’ከ ከጓንፍ ይኽእል? ስለምንታይ’ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስ’ውን ጠቂሱ?

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ክነቕፉ ከለው ‘ምስ ኤርትራ ወጥሪ ከምዝቕጽልን ዘይሕጋዊ እገዳ ከምዝዕቀብን ምስራሕ ስለዝኾነ፣ ነቲ ብዘይምኽኒት ዘባርዕዎ ትርጉም ዘይብሉ ግጭት ዶብ ተንጠልጢሉ ከምዝጸንሕ ንምግባር፣ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቅንያት ከጋውሕዎ ዝፈተኑ ‘ሕራይ…ግን’ ዝዓይነቱ ጣቋ መርኣይኡ’ዩ ነይሩ’ ከምዝበሉ ዝዝከር’ዩ።

መግለጺ ፕረዚደት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንታይ ስምዒት ፈጠረልኩም? ዝብል ሕቶ ዝቀረበሎም ክልቲኦም ኣጋይሽ ‘ኣብ ውሽጢ ዕድመይ ክሪኦ ይምነዮ ዝነበርኩ ግዲ ክሪኦ’የ’ ኢሎም ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርጊስ። ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ብወገኖም ‘ከመይ ኢሉ’ዩ እዚ ሓው ህዝቢ ተራሓሒቁ ዝነብር እናበልኩ’የ ይነብር ነይረ፣ ስለዚ ክልቲኡ ህዝቢ ክጥቀም’ዩ’ በሉ።

ንመደረ ፕረዚደንት ኢሳያስን ካልኦት ሕቶታትን ተመርኹስና ምስ ክልተ ኣጋይሽ ተዘራሪብና ኣለና። ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ካብ ኒውዮርክ ኣሜሪካ፣ ዶ/ር በርሀ ሃብተ-ጊዮርርጊስ ካብ ኣስመራ ኤርትራ ኣጋይሽ በትረ ስልጣን ኮይኖም ኣለው።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events