Dehai-News
Dehai
Events
World News
Videos
DMB
Contact
Search
Dehai News
<< Back
(MOI Eritrea) ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ።
Posted by: Semere Asmelash
Date: Sunday, 14 October 2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ።
MOI Eritrea
14-10-2018
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር - ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ሎሚ ሰንበት 14 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ናብ ኢትዮጵያ ገይሹ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሙፈርያት ካምልን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ከምኡ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቦም ድሙቕ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ብዛዕባ ገስጋስ ትግባረ ናይቲ ኣብ መንጐ ክልተአን ሃገራት ዝተኸተመ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ምዕባለታት፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክዝቲ’ዩ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ቦታታት ቊጠባዊ ልምዓት ዑደት ከምዝገብር ተፈሊጡ’ሎ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ድሕሪ’ቲ ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ካብ 14 ክሳብ 16 ሓምለ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ 20 ዓመታት ናይ መጀመርያ ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።
Back to Dehai News
Bini Bini
See More Videos
Dehai Events
See More Events
A Twitter List by dehai
Latest Posts
Egyptian intelligence chief, FM visit Eritrea’s Asmara | Egypt State Information Service
TheAfricaReport.com: Opinion: Why are United States’ peace efforts in Sudan failing?
CrisisGroup.org: High Stakes for the South Sudan Talks in Kenya
CrisisGroup.org: The Islamic State in Somalia: Responding to an Evolving Threat
Borkena.com: The U.S. “working with partners” resolve Ethiopia-Somalia tension
(intermarche-wanty.eu) Biniam Girmay finishes second at the Grand Prix Cycliste de Québec
Defense.gov: Africom Commander Stresses Cooperation, Consultation With African Nations
(cyclingnews) Grand Prix Cycliste de Québec 2024 One day race results
(VOE-DC) 9/14/24 PIA 2011
(eric zuesse) How to Interpret U.S-and-‘Allied’ Propaganda