Dehai News

ገጽ-መጽሓፍ: ውልቃዊ ርእይቶይ ብዛዕባ ወያነ ኣብ ዘዳለዎ መደብ ዘውደኽድኹ ስነ-ጥበበኛታትና

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 08 November 2018

ውልቃዊ ርእይቶይ ብዛዕባ ወያነ ኣብ ዘዳለዎ መደብ ዘውደኽድኹ ስነ-ጥበበኛታትና

https://scontent-iad3-1.xx.fbcdn.net/v/t1.0-1/p112x112/36693016_10156803988601178_5441504550764675072_n.jpg?_nc_cat=107&_nc_ht=scontent-iad3-1.xx&oh=b4bb9318e3042ee7c7f622b8cd0ac479&oe=5C73C6F8

Hizbawi Menghisteab

08/11/2018

ከም ኤርትራዊ፡ ናብ ሓደ ንዝሓለፈ ልዕሊ ኣርብዓ (40) ዓመታት መሬት ኤርትራ ቆርሚሙ ሕልሚ ምምስራት ዓባይ ትግራይ ከም ቀንዲ ኣጀንድኡ ሒዙ ዝሰርሐን ምስ ህዝባዊ ግንባር ስልታዊን ግዝያዊን ምሕዝነት ጥራይ ዝኣመነ፤ ክሓስሞ ፍሽኽታ 'ክጥዕሞ' ጠበንጃ ኣንጻር ኤርትራውያን ዘቕንዕ፤ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ካብ ሳሕል ክሳብ ሽዋን ቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎን ሓንጊሮምን ኩሉ ዓይነት ንዋታዊ ደገፋት ብጡጦ ዝሃብዎ ሓገዛትን ኣበርክቶን ዝጠለመ፤ ህዝቢ ኤርትራ ብመገዲ ህዝባዊ ግንባር ንዝፈጸሞ ዘሐብን ታሪኽን ቅያታትን ከህስስን ከነውርን ከይደቀሰ ዝሓድር፤ ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዝገበርሉ ኩሉ ደገፋት ጠሊሙ "ሕብሪ ዓይንኹም ደስ ኣይበለናን" ብምባል ልዕሊ 80,000 ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቈል ዘለዎም ኢትዮጵያውያንን ንብረቶም ራስዩ፡ ኣጋፊዑ፡ ዓሚጹን ኣሲሩን ክትግምቶ ብዘጸግም -ሰብኣዊ ተግባራት ንኤርትራን ኤርትራውያንን ካብ ኢትዮጵያ ዘባረረ፤ ንኤርትራን ኤርትራውያንን ንምምብርካኽ ብዘይምኽኑይ መንገዲ ኣንጻር ኤርትራን ኤርትራውያንን ኵናት ብምውላዕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ዕንወትን ሞትን ዘስዓበ፤ ኣብ 1998 ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘሕለፎ ዘይምኽኑይ ኣዋጅ ኵናት 20 ዓመታት ከይሰሓቦ ብምጽናሕ፡ ኣብ ልዕሊ ቁጠባን ደረጃ መነባብሮን ህዝቢ ኤርትራ ገዚፍ ሃስያ ዘስዓበ፤ ንህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ቁስሉ ከምዝጐድኦን ከምዘጕህዮን ኣዳዕዲዑ ብምፍላጥ ንመቓብር ሰማእታት ኤርትራ ፋሕቲሩ ብክብሪ ንዝዓረፈ ሬሳታት ሓርበኛታት ኤርትራውያን ፈቐድኡ ዝደርበየ፤ ብኣህጉራዊ ውዕላት መሬት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ንዝፍለጥን ዳግማይ ብኣህጉራዊ ፍርዲ መሬት ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ዝተረጋገጸን መሬት 16 ዓመታት ብሓይሊ ጎቢጡ ብምሓዝ ንኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ኵነተ-ኵናት ብምጽማድ ቀሲኖም ከይነብሩን ልምዓታዊ መደባቶም ከየካይዱን ዝሓሰደ፤ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ንምዝራግ ወይጦታት ብምዕሳብ ኣብ ህዝብና ሃይማኖታዊን ብሄራዊን ኣውራጃዊን ስምዒታት ንምእታው ክሳብ ዝከኣሎ ዝላህልሀ፤ ምስ ወሽላኻት ኰራኵርን ለኣኽቱን ብምዃን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን እገዳ ክንበር ዝረሃጸ፤ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ምስ ተረጋገጸ ንዝተረኽበ ሰላም ንምዝራግን ምዕንቃፍን ህርዲግ ዝብል ዘሎን ዘይፈንቀሎ እምኒ ዘይብሉን፤ ኮታስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታት ዘካየደን ዕንወት ዘውረደን ገና ድማ ጽልኢ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዘይበለየሉን፡ ሓይሊ እንተረኺቡ ከኣ ኣንጻር ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ደናጉላ ክድርቢ ሃረር ዝብል ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ዘመሓድሮ ክልል ኢትዮጵያ ኬድካ፡ እንተ ብቐጥታ እንተ ብተዘዋዋሪ ኣብ ዝቐረቦ መኣዲ እጅገኻ ሰብሲብካ ምዅላስን ኢዱ ኣብ ዘእትወሉ መደባትን ጽንብላትን ምውድኽዳኽን ኣይግድን። ምኽንያቱ፡ ንሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክዘርግ ተዓጢቑ እናሰርሐ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ንዝፈጸሞ በደላትን ገበናትን ንምንጻህ ዝዋውዕ "ህዝቢ-ምስ-ህዝቢ" እንተኣሰረ፡ ሕሉፍ ኣይንረስዕ፡ ንቕሓትና ይበርኽ፡ ኣይንተሃመል ድማ። ደጀንና፡ ዕቝባና፡ ሓበንና፡ መሰረትና፡ ዋሕስናን ክብረትናን ህዝብና እዩ። ንህዝብና ዘየኽብር፡ ነቶም ትማሊ ንውዲታቱ ብምቅላዕ፡ ህዝብና ንቕሓቱን ሞራሉን ኣበሪኹ ኣንጻሮም መኸትኡ ንኸሐይል ልዑል ግደ ዝተጻወቱ ስነ-ጥበበኛታት ከምዘየኽብሮም ምግንዛብ ኣገዳሲ'ዩ። ጣቋ ናይ' ዝፍተን ዘሎ፡ ረሳሕ ገበናቱ ንምሕጻብ ነቶም ትማሊ ዘቃልዕዎ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ከም ኦሞ ምጥቃም'ዩ።


ክብሪ ንህዝቢ ኤርትራ!!


ዘልኣለማዊ ክብሪ፡ ዝኽሪን ሞጎስን ንሰማእታትና!!

****************************************************************

ተወሳኺ መብርሂ ነቲ ውልቃዊ ርእይቶይ ብዛዕባ ወያነ ኣብ ዘዳለዎ መደብ ዘውደኽድኹ ስነ-ጥበበኛታትና
Hizbawi Menghisteab

 

8/11/2018

ተወሳኺ መብርሂ ነቲ ውልቃዊ ርእይቶይ ብዛዕባ ወያነ ኣብ ዘዳለዎ መደብ ዘውደኽድኹ ስነ-ጥበበኛታትና ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፍኩዎ ጽሑፍ ንኹሉኹም ነቲ ጽሑፍ ኣንቢብኩም ርእይቶታትኩም ዘፍሰስኩም አመስግነኩም። ግን፡ ገለ ሰባት ንመንፈስ ናይ ጽሑፍ ብጌጋ ተረዲኦሞ ኣለዉ። ገለ ውሑዳት፡ ስለምንታይ ዶብ ክፉት እንከሎ፡ ነጋዶን ካልእ ሰብን ከምድላዩ እናተመላለሰ፡ ስነ-ጥበበኛታት ኣይኺዱ ዝብል መልእኽቲ ዘለዎ ጽሑፍ ትጽሕፍ ዝብል ትሕዝቶ ዝሓዘ ጽሑፍ ዝጸሓፍኩ ገይሮም ተረዲኦሞ ኣለዉ። ምናልባት እቲ ጽሑፍ ከም ዝግባእ ገላጺ ገይረ ኣይጸሓፍኩዎን ነይረ እንተዀይነ፡ ሕጂ ደጊመ ተወሳኺ መብርሂ እገብረሉ ኣለኹ።


ኣብ መንጎ ህዝቢን ፖለቲካዊ ውድብን ፖለቲካዊ ፕሮግራማቱን ፈላሊና ምርኣይ ኣገዳሲዩ። ወያነ ዝሓዞ ኣጀንዳ ናይ ህዝቢ ትግራይዩ፡ ክበሃል ኣይከኣልን። ወያነ፡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ዘመነ-ስልጣኑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸተሎ ፖሊሲታት ንኢትዮጵያ ናብ ድርኵኺት ምፍንጫል ኣብጺሕዋ ንርእዮ ኣለና። ብዙሓት ተጋሩ ከም ካልኦት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብኣካይዳ ወያነ ሕጉሳት ኣይኰኑን ጥራይ ዘይኰኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተመስረቱ ንኣካይዳ ወያነ ዝቃወሙ ዕጡቓት ውድባት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተመስረተ እቲ ዝሓየለዩ። እዚ ዘርእየና፡ ህዝቢ ትግራይውን ብኣካይዳ ወያነ ዕጉብ ከምዘይኰነ ዘረጋግጽ። ኣብ እዋን ድማ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ምስ ኤርትራ ሰላም ክህሉ፡ እዚ ሕሉፍ ታሪኽ ተዓጽዩ ሓድሽ ምዕራፍ ሰናይ ጉርብትናን ድልዱል ዝምድናታትን ክምስረት ይደሊ እዩ። እዚ ባህጊን ድሌትን ቅሩብነትን ብወገን ኤርትራውን ዘሎዩ። ክልቲኡ ህዝቢታት፡ ከምኡውን መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሰላም ዘለዎም ቅሩብነትን ድሌትን ብግብሪ የርእይዎ ኣለዉ። ህዝቢ-ምስ-ህዝቢ ርክባት ክህሉ፡ ክልቲአን ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ኣብ ሕጊ ዝተመርኰሰ ንግዳዊ ምንቅስቓሳት ምእንቲ ክምዕብልን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ምትእምማን ምእንቲ ክድልድልን ዶባት ክፉት ክኸውን፡ መንገዲ ኣየራት ክልቲአን ሃገራት በረራታት ክጅምራ ዝርከቦ ብዙሕ ስጕምታት ወሲዶም ኣለዉ። ነዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ ዝቃወም ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።


ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ክልላዊ መንግስታትውን፡ ብዘይካ እቲ ናይ ወያነ ክልላዊ መንግስቲ ነቲ ክልቲአን ሃገራት 9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ዝተፈረመ ዝተቓወመ የለን። ወያነ ዝተፈላለየ ምስምሳት እናምጽአ ነቲ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝሃቦ ውሳነ ምቕባል ኣብዩ ኣሎ። እዚ ማለት፡ ወያነ ንልኡላዊነት ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ኣይተቐበለን ዘሎ። ካብኡ ሓሊፉ፡ ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ንምዕንቃጽ ብስዉርን ብግሁድን ይሰርሕ ኣሎ። ወያነ ንመርስሕ ሰላም እናቈናጸበ፡ ብናይ ገዛእ-ርእሱ ቀጥታዊ መሓውራትን ብኢደዙርን ደላዪ ሰላም ክመስል ተበግሶታት ህዝቢ-ምስ-ህዝቢ የካይድ ኣሎ። ህዝቢ-ምስ-ህዝቢ ክቀራረብን ኩሉ ዓይነት ዝምድናታት ክምስርትን ሰናይ እዩ። ግን፡ ንልኡላውነት ካልእ ህዝቢ ረጊጽካ፡ ንሰላም መሊእካ ከይተቐረብካ፡ ብስም ሰላም ጐልቢብካ ዝግበር ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ ክንዝንግዓሉ ኣይግባእን። ንሕና ከም ኤርትራውያን፡ ምስ ልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ዝቕበሉን ዘኽብሩን ህዝቢታት፡ ፖለቲካውያን ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ክንሰርሕን ክንተሓጋገዝን ዘለና። ኣብ ሕሉፍ ታሪኽና፡ ናይ ኣምሓራ ፖለቲካዊ ውድባት በዲሎሙና እዮም፥ ግን ኩሎም ኣምሓሩ ጸላእትና እዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ብተጋሩ ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ብዙሕ በደላት ኣውሪዱ፡ ግን ኩሎም ተጋሩ ከምኡ እዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ኣብ ሕሉፍ ንዘውረዱልና በደል ይቕሬታ ክንብል ንኽእል፡ ግን ክንርስዕ ኣይግባእን። ኣብ ሕሉፍ ዝበደሉና፡ ግን በደሎም ጌጋ ምንባሩ ኣሚኖም ሕጂ ንልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ዝኣምኑን ዘኽብሩን እንተዀይኖም፡ ምእንቲ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ምስኦም ሓቢርና ክንሰርሕ ጸገም ዘለዎ ኣይመስለንን። ኣብ መቓን (context) ናይ ቀዳማይ ጽሑፍ ኣእትየ፡ ወያነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዶ ደበላት ክዝርዝር እንከለኹ፡ ካልኦት ውድባት ወይ ወገናት ወይ ውልቀ-ሰባት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሌና ዘውረድዎ በደል የለን ከስምዕ ኣይክእልን። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ግን፡ ንሉእላውነት ኤርትራን ህዝባን ኣብ ምልክት ሕቶ ምስ ዘእትዉ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹኑ ውልቀ-ሰባት ሓቢርና ክንሰርሕ፡ ሕሉፍ ኣበርክቶኻ ብዘየገድስ፡ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነቱንዩ።


ሓጺር ዝኽሪ ኣይሃልወና። ትማሊ ትማሊ፡ ገለ ስነ-ጥበበኛታትና ምስ ቴዲ ኣፍሮ ሓቢሮም ኣብ መድረኽ ኣብ ዝመጽእሉ ቁጠዐና ንገልጽ ነይርና ኢና። ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ (ሚለንዩም ኣዳራሽ) መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝተረኽብሉ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ቴዲ ኣፍሮ ምድራፉን ንሃይለስላሴ ምድናቑን ንዓና ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኰነስ ንኢትዮጵያውያንውን ኣቘጢዑዩ። ኰኒንናዮ ድማ።


ስለዚ፡ ስነ-ጥበበኛታት ከም ኩሉ ካልእ ሰብ ምስ ንልኡላውነት ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዘኽብሩን ዝቕበሉን ኢትዮጵያውያን ሓቢሮም እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ምሉእ ንክኸውን ተርኦም ከበርክቱ መድረኻዊ ተልእኾኦምዩ። ምኽንያቱ፡ ስነ-ጥበብ፡ ቀንዲ መሳርሒ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ምዃኑ ኣይዝንግዖን፡ ወይ ዝዝንግዖ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ስነ-ጥበበኛታት በብሞያኦምን ክእለቶምን ወፊሮም ርጉእ ሰላም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሰፍን ክሰርሑ፡ ደገፍናን ምትብባዕናን ክንህብ ድሕር ክንብል የብልናን። ግን፡ ሰናይ ድሌትን ባህግን ምስ ሰራምን ሓደገኛን ውዲት ኣይነደናግሮ። ኣነ ዝብል ዘለኹ (ሕጂውን ክደግሞ እየ) ወያነ ንመስርሕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክዕንቅፍ ገና ይሰርሕ ኣሎ። ወያነ ንልኡላውነት ኤርትራ ብዘየሻሙ መገዲ ከምዘኽብሮን ከምዝቕበሎን ኣይገለጸን ወይ ኣየርኣየን ዘሎ። በቲ ንዝሓለፈ 40 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ዘካየዶ ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታት ምዕጋብ ስኢኑስ፡ ነዚ ሕጂ ብኸቢድ ዋጋ መስዋእቲን ምጽማምን ህዝቢ ኤርትራ ዝመጸ ሰላም፡ ነዛ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ 20 ዓመታት ዘየዕርፍ ተጻብኦታት ዝረኸባ እፎይታ ክዀልፍን መመቀሪ-ኣፍ (dessert) ክጥቀመላን ገበታ ይርህጽ ኣሎ። ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሰላም ስጡም ንኸይከውን፡ ወያነ ውሻል ኰይኑ ኣሎ። ወያነ፡ ነዚ ኹሉ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢታት ዝፈጠሮ ዕንወት፡ ዘይምትእምማንን ምርሕሓቕን ንኽጽግን ብቕኑዕ ልቢ ተበጊሱ፡ ነቲ ሰላም ዘምጽእ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ክልቲኦም መንግስታት ተቐቢሉ ኣብ ክንዲ ዝሰርሕ፡ ጓል መንገዲ ሒዙ ሸንኰለል ዝብል ዘሎ። ወያነ፡ ብስቱርን ብግሁድን ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ህዝቢ-ምስ-ህዝቢ ጥራይ ሰላም ዘምጽእ እናበለ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ከይክበር ይሰርሕን ተጻብኦታቱ ይቕጽልን ኣሎ። ከም ኣካል ናይ ድማ፡ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ከም መሳርሒ ናይ ምቁር-መርዚ ክጥቀመሎም ይፍትን ኣሎ። እምበር፡ ስነ-ጥበበኛታት ክልቲአን ሃገራት ብዘይኣፈላላይ፡ በብውልቆም ድዮም ብደረጃ መንግስቲ ዘዳልዉዎ መደባት ሓቢሮም ክሰርሑን፡ ምእንቲ ሰላም ምብራቕ ኣፍሪቃ ብርሃኖም ክውልዑን ባህጊ ኩልና እዩ።
ክብሪ ንዝቢ ኤርትራ!!


ክብሪ ንሰማእታትና!!


ክብሪ ንሉእላውነት ኤርትራን ህዝባን!!

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events