ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥሪ፣ 2019 (ኤፍ ቢ ሲ) ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ሃገራት ኣብ ኣስመራ ክሳተፋሉ እየን ተባሂሉ ትፅቢት ኣብ ዝግበረሉ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ንምስታፍ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ወሲኑ።
እቲ ውድድር “ዋንጫ ሰላምን ምሕዝነትን” ዝብል ስያመ ዘለዎ እንትኸውን፥ ኣብ ወርሒ መጋቢት ክካየድ እዩ።
ኣብቲ ውድድር ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ጅቡቲን ሶማሊያን ክሳተፋ እየን።
ርክብን ሕውነትን ኣርባዕቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዝዓለመ ውድድር ከምዝኾነ ድማ ተገሊፁ።
ስለዝኾነ ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልታት ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ልምምዱ ከምዝጅምር ተሓቢሩ።