Dehai News

****ጸቢሓ ዶ እታ ጽባሕ**** ብተጋዳላይ ኣሸናፊ ኣብርሃም(ኣሼ) ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Saturday, 20 April 2019

****ጸቢሓ ዶ እታ ጽባሕ****
ግዜ ክዕዘር ፣ግዜ ክመጽእ ንኣመሉ
ጠበሽ ከም ዝብል ፥መዓልቱ ኣቑጺሩ
ኣንታ ኣብ ትማሊ ኮንካ ፥ንጽባሕ እትሕሉ
ወዮ ጽባሕ ዝበልካ ፥ሎሚ እንደኣሉ

     ዘይወግሕ መሲልዋ "ስ ፥ኣብ ቡኽራ
ድዩ ዝተባህለ ፣ ብናይ ኣቦዋት  ምስላ
ትጥልቕ ዶ ኣይነበርካን ፥ትፍክር ብጃህራ
ትማሊ ዝሓንሓንካ ፥ሪኢኻዮ "ዶ ዋዕላ

      እሞ ኸ ደኣ ኣበይ ሃጠመ ፣ቃና ትማሊ
ሪኢኻዮዶ "ዶ ባይቶ ፥ደቂ ህዝባዊ ሓይሊ
መንእሰያት ግንባር ፥ወረስቲ ሕድሪ
ነኸስቲ ኣብ ሪሞም፥ ክጋብኡ ኣብ"ቲ ቀጽሪ

    ስለ ሃገር ክላዘቡ ፥ብፍቕራ ክዝምሩ
ቅሰኒ ዓደና ኣለናልኪ፥ ስኽፍ ኣይበልኪ ክብሉ
ወዮ ገበታ ፈኸራ ደኣ ፥ ሕጂ እንታይ ሽንኑ
ወዮ ጽባሕ ደኣ እንሆ ፥ሎሚ ዳንዩና ባዕሉ

      ስሙር ዋዕላ ፥ደም ዘስረቦ ዓይንኻ
ቃርማ ጽንጽያ ፥ኣብ ቅርዓት ሓድነት ዝዘንበኻ
እሞ ኸ ደኣ ረሲዕካዮ 'ዶ፥ ጽባሕ ከምዝመጸ
ዶስ ሓደ ኮይኑካ ፥ዝቐበጸ ከምዝነቐጸ

      እንበር እቲ ውዑይ ዕድመ ፣ተረካቢ ወለዶ
ሃንቀውታ ህዝቡ ሎሚ ተሳሒሉ ፥ጽባሕ ዘግህዶ 
መዓስ ይእግሞ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ፣ ሓየት ypfdj ፋርስ
እንሆ እንዶ ደኣ ትማሊ፥ዝፈከርካሉ ሎሚ ብዕጽፊ ይምርሽ

        ወዮ ጽባሕ  ደኣ ጸቢሓ እንድያ
ህጡር ዋዕላ ሪኢኹሞ "ዶ መጋባእያ
 ሰሲኑ ወዲግንባር ፥መንእሰይ ህግደፍ ርኣይዎ በሉ
ሰዊዱ ሞንጉ ፥ወራሲ ሕድሪ ጽኑዕ ኣብ መትከሉ 

        ዓወት ንሓፋሽ
       ኣሸናፊ ኣብርሃም ( ኣሼ)
         ጀርመን
          19/4/ 2019

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events