Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና) ኤርትራ፡ መርገጺኣ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ተነጽር

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 23 April 2019

ኤርትራ፡ መርገጺኣ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ተነጽር



 መልእኽቲ ‘መርገጺ ኤርትራ’ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ - ኣብ ዋዕላ ሪያድ

ዝኸበርኩም ተጋባእቲ፡

ኣብ’ዚ ኣጋጣሚ ክንሳተፍ ንዝተገብረልና ዕድመ፡ ምስጋና ነቕርብ። 

ጂኦ-እስትራተጂያዊን ጂኦ-ፖለቲካዊን ተኣፋፍነት ኰነ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ፡ ምኽራር ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኰነን። ታሪኽን ኩነታትን ይኺድ ወይ ይገላበጥ፡ ናይዚ ኣህጉራዊ መገዲ-ማይ ይኹን ሓቚፉዎ ናይ ዘሎ ዞባ ዓለማዊ ጽልዋ፡ ሚዛን እናወሰኸ ዝኸይድ እምበር፡ ዝንኪ ኣይኰነን። ከምኡ ስለዝዀነ ኸኣ፡ ንድሕነቱ ኪወሃብ ዘለዎ ኣቓልቦ፡ ዝመጣጠኖ ኪኸውን ግቡእ’ዩ።

ዝኸበርኩም ተጋባእቲ

ማዕረ ሚዛንን ኣገዳስነትን ናይ’ቲ ጉዳይ፡ ናይ ዝሑል-ኲናት ኣሉታዊ ሓድጊ ከየስተናዓቕካ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ጥራይ፡ ብዘይቅርዑይ/ዝምቡዕ ኣጀንዳታት ዝተኻየደ ዞባዊን ዓለማዊን ምትእትታዋት ኰነ ዕንደራታት ዝተፈጥረ ኣራግጽን ሕልኽላኻቱን፡ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኩነት’ዩ ፈጢሩ ዘሎ። ዞባዊን ዓለማዊን ኣጀንዳታት ዝፈጸሞ ምትእትታዋት ግን፡ ብዘይ ኣሳሳይነት ዘቤታውያን ተዋሳእቲ ክውን ኣምበይ’ምዀነን። ስለዚ ኸኣ፡ ወጻኢ ካብ ስምዒታዊ ወይ ህዉኽ/ግሩህ መቓርቦ፡ እቲ ጉዳይ ርዙን/ዘይስምዒታዊ ኣተኣላልያ ኪግበረሉ ርትዓዊን ግድነትን’ዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም፡ ካብኡ ናብኡ’ውን ኣብ ጎዶቦና፡ ብሓቀኛ ሰናይ ድልየት ተበጊሶም ዝምስረቱ ዞባዊን ክፍለ-ዞባዊን ውዳበታት ውሑዳት ኣይኰኑን። ብጭቡጥ ዘድምዑ ግን፡ ዝወሓዱ እዮም። ንጉዳያት ቀይሕ-ባሕሪ ቅጥዒ ንምትሓዝ/መኣዝን ንምሃብ ተባሂሎም፡ ዓውዲታት መጽናዕቲ ንምውዳብ ኰነ ናይ ምትሕግጋዝ ጥርናፈ ንምፍጣር ኪውሰዱ ዝጸንሑ ተበግሶታት እውን፡ ውሑዳት ኣይኰኑን። ብጭቡጥ ዘድምዑ ግን፡ ዝወሓዱ እዮም። ኣብ ናይ ሓባር መረዳእታ ዝተመስረተ ባይታ ምትሕግጋዝን ውዳበን ምእንቲ ክንፈጥር፡ እቲ ጉዳይ፡ ዓቃልን ስነ-ኣገባብ ምስዓብን ይሓትት። ስለ’ዚ ከኣ፡ ዘይሕለል ዕቱብ ቅድመ-ምምኽኻር ግድነት እምበር ሕርያ ኣይኰነን።

ምምኽኻር፡ ንህድማ ምስምስ ከይከውንን ግዜን ዕድልን ከየኽስርን ምእንቲ፡ ብኣሕጽሮት - እዚ ዝስዕብ ዛዕባ ኪኽተል ንእምም፦

1. ህሉው ኩነታት ቀይሕ ባሕሪን ላቔባታቱን፡ ብኹሉ መኣዝናቱን ማዕዶታቱን ብዘይ ዝዀነ ዘውጊ ምግምጋም

2. ኪውቅዑ ወይ ኪጭበጡ ዝድለዩ/ዘለዎም ዕላማታትን ሸቶታትን ብንጹር ምግላጽ፡

3. ስግኣታት ሰላምን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ፡ ብደቂቕ ምልላይ፡ ምክዋም፡ ምኽታይ (define) ምግባር

4. ናብ ሃናጺ ዕላማታትን ሸቶታትን ዘብጽሕ እስትራተጂ ምቕያስ፡

5. ማዕረ-ማዕረ’ቲ ኣወንታ፡ ስግኣታት መመከቲን መእለይን እስትራተጂ ምቕያስ፡

6. ንኽልቲኡ እስትራተጂታት ኣጣሚሩ ከተግብር ዝኽእል ዝርዝራዊ ውጥናት ምርቃቕ፡

7. ናይ ትግባረ ኣወዳድባ/‘መካኒዝም’ ምውቃርን ጸጋታት ምጒስጓስን፡

8. ኩሉ ዝግበር ኣወዳድባን መዋቕራትን፡ ልዑላዊነትን ኣህጉራዊ ሕጊን ከም ዝምእዘዝ ምርግጋጽ፡

9. ኩለን ዝምልከተን ሃገራት፡ ናይ ባዕለን ብቑዕ ትካላት ምክልኻልን ሓይሊ-ባሕሪን (ብዘይ መተካእታ) ከምዝሃንጻ ምግባር፡

10. ኪኖ ዘቤታዊ ዓቕሚታትን ብቕዓትን ዝዀነ፡ ብሓባራዊ ‘ሲነርጂ’ ከምዝሽፈን ምግባር፡

11. ኩለን ዝምልከተን ሃገራት፡ ልዕሊ ሓባራዊ ዓቕመን ንዝዀነ፡ ወይ ናይ “ወጻኢ” ምትሕግጋዝ ኣብ ዘድልዮ ተልእኾ ወይ ዕማም፡ ብሓባር ብዝሰማምዓሉ መሰረት፡ ምስ ፍቓደኛታት ናይ ምትሕብባር ሕጋዊ ባይታ ፈጢረን ኪሰርሓ፡

12. ንኹሉ’ዚ ክብ ኢሉ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት፡ ብሞያዊነት ዘጽንዕ ኣካላት ምቛም።

ዝኸበርኩም ተጋባእቲ፡

ካብ’ዚ ንእምሞ ዘሎና ምቕሉል ሓሳባት ዝበለጸ ክንሰምዕን ክንተሓባበርን ቅሩባት ኢና።



Dr. Fikrejesus Amahazion at the XXIX International Rosa Luxemburg Conference in Berlin on January

Dehai Events