Dehai News

ሓተታ፥ ቀይሕ ባሕሪ - ዘላቒ ጸጥታን ርግኣትን ብኸመይ?

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 27 April 2019

ሓተታ፥ ቀይሕ ባሕሪ - ዘላቒ ጸጥታን ርግኣትን ብኸመይ?

27 ሚያዝያ 2019 

ልኡኽ ኤርትራ፡ ካብ 21-22 ሚያዝያ 2019፡ ኣብ ሪያድ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተኻየደ፡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኤርትራ፡ ግብጺ፡ ዮርዳኖስ፡ ስዑዲ-ዓረብ፡ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ የመንን ሶማልያን ዝተሳተፉዎ፡ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ኣገዳስነትን ቀይሕባሕሪ ዝዘተየ ዋዕላ ተሳቲፉ፡ ሰረታዊ መትከላትን መርገጺን ኤርትራ ዘነጽር ወረቐት ምቕራቡ፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ፍጻመታት ናይዚ ሰሙን’ዚ እዩ።

ከምዝፍለጥ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንኣርባዕተ ማእዝናት ዓለምና (ምብራቕ፡ ምዕራብ፡ ሰሜን፡ ደቡብ) ዘራኽብ ማእከልን መሳግሮን ብምዃኑ፡ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ማያዊ መስመር ዓለምና’ዩ። ጸብጻባት ከምዘመልክቱዎ፡ ንኣሽቱን ማእከሎትን መጐዓዝያታት ከይወሰኽካ፡ በዚ መስመር’ዚ፡ ኣብ ዓመት ክሳብ 20,000 ዓበይቲ ናይ ንግድ መራኽብ ይመሓላለፋ። በቲ ቀጢን መትረብ ባብ ኤል-መንደብ መዓልታዊ ዝሓልፍ ጽዕነት ነዳዲ ድማ፡ ካብ 3.3 ሚልዮን በርሚል ንላዕሊ ምዃኑ ይፍለጥ። 

ቀጻልነትን ድሕነትን ናይዚ 700 ቢልዮን ዶላር ኣብ ዓመት ዝግመት ዋሕዚ ንግዳዊ ምንቅስቓስ’ዚ፡ ኣብ ጸጥታን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ’ዩ ዝምርኰስ። ቀይሕባሕሪ ከም መተሓላላፊ መስመር ጥራይ ዘይኮነ፡ ነዚ ባሕሪ’ዚ ኣማእኪሉ ኣብ ዝርከብ ዞባ ዘሎ ሃብቲ ነዳዲን ካልእ ማዕድናትን ባህርያዊ ጸጋታትን እውን ንስትራተጂያዊ ኣገዳስነቱ ዜዕዝዝ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብፍላይ ድሕሪ ምኽፋት ስዌዝ-ካናል (1869)፣ ናይ በርሊን ዋዕላ ምጉዝዛይ ኣፍሪቃ (መወዳእታ 19-ዘመን)፣ ከምኡ’ውን ኣብ ክልቲኡ ኲናት ዓለም፣ ኣብ እዋን ዝሑል-ኲናትን ድሕሪኡን፣ ማእከል ዓለማዊ ጥሙሓትን ውድድራትን ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ መሰል ናጽነቱ ብምግሃስ፡ ነዊሕን ደማዊን ኲናት ዘስዓበ ጂኦ-ፖለቲካዊ ስትራተጂ ድማ ኣካል ናቱ እዩ። ገዚፍ ምትእትታው ዓበይቲ ሓይልታትን ሕንከራ መሻርኽቶም ዞባውያን ጎብለላትን ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ልክዕን ዝግባእን እጃም ህዝብታትን ሃገራትን ናይዚ ዞባ ኣጓንዩ፡ ንድኰና ወተሃደራዊ መደበር ግዳማውያን ሓይልታት ዕድል ምኽፋቱ ዝፍለጥ እዩ። ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሱረ-ዓመት ኣብ ሶማል ዝጸንሐ ናይ ስርዓት ባዶሽን ሓፈሻዊ ዘይምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ተኣሳሲሩ ድማ፡ ሽበራን ቅርሰናን ንምግታእን ምእላይን፡ ኣሰጋገርቲ-ኣጽዋር፡ ዕጸ-ፋርስን ኣፍለስቲ-ሰባትን ንምቁጽጻር እናተባህለ፡ ምትእትታዋት እናሰፍሐ፡ ምትሕልላኻቱ እናዓሞቘ ክመጽእ ጸኒሑ ኣሎ።

ብወድዓውነት ክርአ እንከሎ፡ ጉዳይ ምውሓስ ጸጥታ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ዝያዳ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን፡ ነተን መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾና ሃገራት’ዩ ዝምልከት። ኣህጉራዊ ምትሕብባር ዝህልዎ ደገፍ ኣነኣኢስካ ብምርኣይ ኣይኮነን። መተካእታ ሃገራት ናይዚ ዞባ ክኸውን ግን ፍጹም ዝኽእል ኣይኮነን። ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብዘላቕነት ምውሓስ ዝከኣል ብቐንዱ፡ በተን ብቐጥታ ዝምልከተን ሃገራት ጥራይ እዩ። 

መርገጺ ኤርትራ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ንጹርን ዘየሻሙን እዩ። ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ካልእ ዞባዊ ጉዳያት እውን፡ ዋላ ኣብ ዘቤታዊ ብድሆታት ውልቀ-ሃገራት፡ ፈጽሚን ፍታሕን ብቐንዱ ብሰብ ጉዳይ’ዩ ዝብል መትከላዊ ኣረኣእያ ዘለዋ ሃገር እያ። ካብዚ መትከል’ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ምትእትታው ግዳማውያን ሓይልታትን ምእህጓር ዘቤታዊ ጉዳያትን ኩሉ ሳዕ ኣኽሪራ ምስ ተቓወመት’ያ። ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ብተመሳሳሊ፡ ሰብ ጉዳይን ሰብ መሬትን ባሕሪን ብምጉናይ ዝግበር ወተሃደራዊ ምትእትታዋት፡ ዝያዳ ምትሕልላኽ ፈጢሩ ዝሩግ ሃዋህው ዘንግስ እምበር፡ ዘላቒ ሰላምን ጸጥታን ዘረጋግጽ ከምዘይኮነ ጽኑዕ እምንቶኣ እዩ። 

ጉዳይ ሰለምን ርግኣትን ቀይሕ-ባሕሪ “ይምልከተና’ዩ” ወይ “ይጸልወና’ዩ” ዝብሉ ወገናት እምበኣር፡ ቅድሚ ኹሉ፡ ብልዕልና ሕጊን ኣህጉራዊ ሕጊን እናተማእዘዙ፡ ንልኡላውነት ህዝብታትን ሃገራትን ናይዚ ዞባ፡ ክብረት ክህቡዎ ዝግባእ’ዩ። እተን መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾና ሃገራት ከኣ፡ ሰላምን ጸጥታን ዞባአን ናይ ምውሓስ ሓላፍነት ባዕለን ክስከማ ክኽእላ ኣለወን። ነዚ ንምግባር፡ ናይ ባዕለን ብቑዕ ትካላት ምክልኻልን ጸጥታን ብሓፈሻ፡ ድልዱል ሓይሊ ባሕሪ ድማ ብፍላይ ክሃንጻን ከማዕብላን የድሊ። ኣብኡ ከይተሓጽራ እውን፡ ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ዞባአን ብናይ ሓባር መረዳእታ ኪጸምዳ፡ ሓባራዊ ጸጋታተን ተመላሊኡ ዝሰርሓሉ መካኒዝም ክፈጥራ፡ ኣድማዕነት ዜዕዝዝ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ልዕሊ ዓቕመን ኣብ ዝዀነ፡ ናይ ደገ ሓይልታት ምትሕግጋዝ ኣብ ዘድልዮ ተልእኾ ወይ ዕማም ከኣ፡ ኩለን ብዝተሰማምዓሉ መሰረት፡ ምስ ፍቓደኛታት ናይ ምትሕብባር ባይታ ፈጢረን ክሰርሓ ይኽእላ። 

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ዋዕላ ሪያድ ዘቕረቦ ወረቐት እምበኣር፡ ነዚ መትከልን መርገጺን ኤርትራ ከም እማመ ዝሓዘ እዩ። ርግጽ’ዩ ናብዚ ተኣሚሙ ዘሎ ደረጃ ብቕዓትን ምትሕብባርን ምብጻሕ ቀሊል ኣይኮነን። ብቐዳምነት ናይ ዝምልከተን ሃገራት ተመሳሳሊ መረዳእታ፡ ኣመለኻኽታን ርድየትን ይሓትት። ትግባረኡ ድማ፡ በዚ መንፈስ’ዚ ኣብ ዝወስድኦ ተበግሶ፡ ዘማዕብልኦ ሓባራዊ ጽምዶን መካኒዝምን ይምርኰስ። ብናይ ገዛእ ርእሶም ሕሳባት፡ ከምዚ ዓይነት ጥምረት ዘይድግፉ ወገናት ክህልዉ ከምዝኽእሉ እውን፡ ከም ብድሆ ኣብ ግምት ዝኣቱ’ዩ። የግዳስ፡ ካብኡ ወጻኢ ሰላምን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ብዘላቕነት ከውሕስ ዝኽእል መተካእታን ሕርያን ስለዘየለ፡ ግድን ብዕቱብ ክስርሓሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ። 




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events