Dehai News

መስፍናዊት ጉጅለ ህውሓት ናብ ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ከተስሉኾም ዝሓሰበቶ ፈተነ ክም ዝፈሽለን ሰለይታ ከም ተታሕዙን ዘ-ሓበሻ ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሎሚ ገሊጹ።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 26 July 2019

 

መስፍናዊት ጉጅለ ህውሓት ናብ ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ከተስሉኾም ዝሓሰበቶ ፈተነ ክምን ዝፈሽለን ሰለይታ ከም ተታሕዙን ዘ-ሓበሻ ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሎሚ ገሊጹ።

መስፍናዊት ጉጅለ ህውሓት ናብ ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ከተስሉኾም ዝሓሰበቶ ፈተነ ክም ዝፈሽለን ሰለይታ ከም ተታሕዙን ዘ-ሓበሻ ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሎሚ ገሊጹ። እቲ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝተላእከ ስሙ ገብረሂወት ኮይኑ፣ ምስ 110 ሽሕ ዶላርን ገለ ፖውንድን ኣብ ሶደቃ ዝተባህለ ቦታ ተታሒዙ። ናይ ጭፍራ ህውሓት እኩይ ተልእኮ ንምፍጻም ብዓዲ ግራትን ዛላምበሳን ጌሮም ናብ ኤርትራ ክሶልኩ ዝሓሰቡ 6 ሰለይቲ`ውን ከም ተታሕዙ ተገሊጹ። እዞም 4 ኣወዳትን 2 ደቀንስትዮ ዝኾኑ ሰለልቲ፣ ኩሎም ዝተሰንዔ ናይ ኤርትራ መንነት ሰነዳትን 38 ሽሕ ናቕፋን 180 ሽሕ ቅርሺን 86,800 ሪያል 5200 ዶላር ናይ ስለያ መሳርሕን [ካሜራ] ንፍሲ-ወከፎም ተንቀሳቓሲ ተሌፎንን ምስ ናይ ኤርትራ ማዕከን ቆፎን [ሲም-ካርድ] ናይ ትግርኛ ጽሑፋትን ብናይ ኤርትራ ጸጥታ ሓይልታት ከም ተታሕዙ እዚ ናይ ዜና መርበብ ብተወሳኺ ኣተንቢሁ።

 

ነቶም መገዲ ዶባት ተኸፊቶም ስለምንታይ እንደገና ተዓጽዮም ገለ ብገርሆምን ብስምዒትን ገለ ኸኣ ከም ኣመሎም ንመንግስቲ ኤርትራ ከጸልሙን ክኸሱን ኢሎም ዝውጭጩ ዝነበሩ ባእታታት ኮነ ጉጅለታት ድማ እዚን ወዲ ከምዝን ዝኣመሰለ ገና ኣንጻር ኤርትራ ዝቐንዔ ብህውሓት ዝካየድ ዘሎ ሕሱርን ፍሹልን ሸርሕታትን መናውራታትን ከም ዝኾነ ንጹር መልሲ እዩ።

 

1. "ዘ-ሓበሻ ዜና" 

https://www.youtube.com/watch?v=AEVvrq-G48Q
ዶር ኣረጋዊ በርሀ፣ ነቶም ዝተቐትሉ ጀነራላት ንትግራይ መቐለ ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ክሳተፍ ምስ ከደ ብጭፍራ ህውሓት ዘጋጠሞ ነውራም ተግባር ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፣

2. " በድንጋይ ያስደበደበን ህወሀት ነው፡፡ ይህ በትግራይ ታይቶ አይታወቅም Part 1"

https://www.youtube.com/watch?v=ycEtLroAi5I&t=297s
3. "ወያኔ ካልወደቀ የትግራይ ህዝብ ሰላም አያገኝም፡፡ ዶክተር አረጋዊ በርሄ Part 2"

https://www.youtube.com/watch?v=Tja3pjPXVT8&t=92s

ብርሃነ ሃብተማርያም

 

 


ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events