Dehai News

(ድምጺ ኣመሪካ) ሚ. ጸዓትን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ሕክምንኡ ወዲኡ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሰ ተገሊጹዋ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 12 August 2019

ሚ. ጸዓትን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ሕክምንኡ ወዲኡ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሰ ተገሊጹዋ

ነሓሰ 12, 2019   ተወልደ ወልደገብረኤል

Thumbnail
Thumbnail


ዋሽንግተን — 

ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ መንነቱ ብዘይተፈልጠ ዕጡቕ ተሃሪሙ ኣብ ኢማራት ዓረብ ክሕከም ከምዝጸንሐ ዝንገረሉ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ናብ ሃገሩ ከም ዝተመልሰ ይግለጽ ኣሎ።

ሚንስተር ጸዓትን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ሕክምንኡ ወዲኡ ናብ ኣስመራ ከም ዝተመልሰ ዝገለጸ፡ ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ሓበሬታ ክህብ ዝጸንሐ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን፡ ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ`ዩ።

ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ “ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብ ወጻኢ ሃገር ክከታተሎ ዝጸንሐ ሕክምና ብዕዉት ኩነታት ዛዚሙ ምስ ዝፈትዎም ስድራቤቱ ናብ ኣስመራ ምምላሱ ብምስምዐይ ሕጉስ`የ” ዝብል ኣስፊሩ`ሎ።

ኣብ ልዕሊ ጄነራል ስብሐት ኤፍሬም ተፈጺሙ ዝተባህለ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከባቢ ገዝኡ ኣድብዩ ብዝጸንሐ ሰብ ከም ዝተፈጸመን፡ እቲ ውልቀሰብ ብኡ ንብእኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝወዓለን፡ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ`ቲ እዋን ምሕባሩ ይዝከር።

ጄነራል ስብሓት ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ሓደ ሽሙ ዘይተገልጸ ሆስፒታል ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ክሕከም ከም ዝጸንሐ ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ`ቲ ጀነራል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኾነ፡ ሕክምና ወዲኡ ብዛዕባ ምምላሱ፡ ብወግዒ ዝበሎ ነገር ዛጊት የለን።



7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events