Dehai News

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ (ወዲ በርሀ) (1950 – 1975)

Posted by: Girmai Kahassai

Date: Tuesday, 27 August 2019

image.png

ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጅግና ስውእ 

ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ 

(ወዲ በርሀ) (1950 – 1975)   

ታሪኽ ናይ ጀጋኑ ኣብ ጽሑፍ እንተ ዘይሰፊሩ፡ ናይ ኣፍ ዛንታ ወይ ዕላል ኰይኑ ጥርሕ'ዩ ዝተርፍ። ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ ባህሊ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ጅግንነት ውልቀ ሰባት ምጽሓፍ ይትረፍ ብኣፍ ምዝንታው ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን።

እዚ ስቕታ’ዚ ብኸምኡ እንተ ድኣ ቀጺሉ፡ ታሪኽ ጀጋኑ ስውኣትና ተረሲዑ ከይተርፍ ኣዝዩ ዘሰክፍ’ዩ።  

ታርኽ ጀጋኑ ከዘንትዉን ክምስክሩን ዝኽእሉ ገዳይም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ውሑዳት ኣይኮኑን። ብሂወቶም ከለዉ ንመጻኢ ወለዶታት እንተ ዘየመሓላሊፎሞ ግን ከም ዘይተነበረ ኮይኑ ክተርፍ’ዩ።

እዚ ኣብ ኣብ ታሕቲ ብዓቕመይ ብቐጻሊ ከቕርቦ መዲበ ዘለኹ ሓጺር ታሪኽ ሂወት ጀጋኑና፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ብመልክዕ መጽሓፍ “ሌላ ምስ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብክዎ ኮይኑ፡ ንሕጂ ኣብ ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ (ወዲ በርሀ) ዘተኮረ’የ ከዘንቱ።  

ጅግና ስውእ ወልደትንሳኤ በርሄ ሓደ ካብ’ቶም ናይ ዩኒቨርሲቲ እሙን መማኽርቲ  ጅግና ስውእ መልኣከ ተኽለ ዝነበረ ኣዝዩ ፍቱው መማህርትና ኮይኑ፡ መልኣከ ተኽለ ንዝኾነ ሰብ ከይሓበረ ንሜዳ ምኻዱ፡ ኣሰሩ ክሳብ ዝስዕብ ንሓንቲ ለይቲ ውን ቀሲኑ ክሓድር ዘይከኣለ እሙን ዓርኩ’ዩ። መዓልቱ ቆጺሩ ድማ ምስ ዓሰርተ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮ ብጾቱ ኣብ መጀመርያ ዓመት 1972 ናይ ካልኣይ ዓመት ትምህርቱ ጠንጢኑ ናብ ህዝባዊ ግንባር (ኣብ’ቲ እዋን እቲ ሰልፊ ነጻነት) ዝተሰለፈ ጅግና መማህርትና’ዩ።

ጅግና ወልደትንሳኤ በርሀን ብጾቱን ካብ ኣዲስ ኣበባ ነቒሎም ብኣውቶቡስ ብሓባር ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምእታዎም፡ ምስ ቤተሰቦም ይኹን ምስ ዝኾነ ሰብ ከይተራኸቡ ብሕቡእ ብዓዲ ንፋስ ጌሮም ናብ ሰልፊ ነጻነት ዝተጸንበሩን ኣብ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ዓቢ መቐይሮ ካብ ዝፈጸሙ ተባሂሉ ዝዝንተወሎም ናይ’ቲ እዋን’ቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ  ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ ዝነበሩ እዮም። ዝርዝር ኣስማቶም (በቲ ናይ’ቲ እዋን’ቲ መጸውዒኦም) እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎ።

1)   ብርሃነ ገረዝጊሄር

2)   ተስፋይ ተምነዎ

3)   /ሚካኤል /ገርጊሽ፡

4)   ስብሓት ኤፍሬም፡

5)   በራኺ ገ/ስላስ፡

6)   ኣድሓኖም ገ/ማርያም፡

7)   ተኪኤ ተስፋልደት፡

8)   ኣፎወርቂ ተኽሉ፡

9)   የማነ ዳዊት፡

10)የማነ ኣስገዶ።

 

ኣብ’ቲ እዋን እቲ፡ ካብ’ቶም ብመንገዲ ሶማል ኣቢሎም ናብ ሰልፊ ነጻነት ዝተሰለፉ እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ይርከብዎም።

1)   ጴጥሮስ ሰለሙን፡

2)   ተኽለ ዓንደ (ወዲ ልቢ)

3)   ወልደስላሰ እስቲፋኖስ፡

4)   ብርሃነ መስፍን

5)   ግርማይ ባህረ

6)   መለስ ገብረማርያም

7)   ተስፉ ኪዳነ

ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት (National Service) ተመዲቦም ኣብ ኣስመራ ዝምህሩ ካብ ዝነበሩ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ፡ እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ጀጋኑ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ (1972) ናብ ሰልፊ ነጻነት ዝተጸንበሩ’ዮም።

1)   የመነ ሓይሊንኪኤል

1)   ኣብርሃም ተስፋማርያም

2)   ተወልደ ግደ

ብሓፈሻ ቁጽሮም ብኣሽሓት ዝግመቱ ተምሃሮ፡ ካብ ህንጻ ኮለጅ (Building College)፡ ካብ ኣለማዮ ኮለጅ (Alemayehu Aggricultural College)፡ ካብ ፈረንሳ ኮለጅ (Lise Gebremariam French College)፡ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መማህራን ምድላው ኮለጃት፡ ካብ ናይ ባህርዳር ፖሊተክኒክ ኮለጅ (Politechnic and Phedogogy Collegs)፡ ካብ ጎንደር (Public Health)፣ ብዓቢኡ ድማ ብብዝሒ ካብ ሳንታፋሚልያ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ተምሃሮን ከምኡ ውን ብዙሓት መማህራንን፡ ወትሃደራት ሰራሕተኛታትን ናብ ክልቲኡ ውድባት ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝተሰፉ ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም።

ጅግና ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ ድማ ሓደ ካብኣቶም ኮይኑ፡ ግቡእ ወትሃደራውን ፖለቲካውን ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳዱ፡ ምስታ ኣብ 1973 ካብ ሳሕል ንከበሳ ዝደየበት ሓይሊ ናይ ህ/ግንባር፡ ኮሚሽነር ጋንታ ኮይኑ ተመዲቡ፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝተፈላለየ ኲናት ኣንጻር ጸላኢ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን። ወርሒ ጥቕምቲ 1975 ኣብ መበል 25 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ከባቢ ዓዲ ንፋስን በለዛ ኣንጻር ጸላኢ ኣብ ዝተገብረ ኲናት ብጅግንነት ተሰዊኡ።

ቅድሚኦም ሹዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ (1971)፡ ናይ’ቲ እዋን’ቲ መሪሕን ኣብነትን ኮይኑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ዝተሰለፈ ጅግና ስዉእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኽለ’ዩ። 

ጅግና ስውእ ተጋዳላይ መልኣከ ተኸለ ዋላ’ኳ ነቲ ዝኣምኖን ዝፈትዎን ወዲ በርሀ ከይሓበሮ ናብ ተሓኤ ስለ ዝነቐለ ድኣ እምበር፡ ብሓባር ክነቕሉ መደብ ከም ዝነበሮም’ዩ ዝፍለጥ። በቲ ኮይኑ በቲ ግን፡ መልኣከ ናብ ተሓኤ፡ ወዲ በርሀ ድማ ናብ ሰልፊ ነጻነት ተጋዲሎም፡ ነታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ብጅግንነት ተሰዊኦም።  

1970 Graduates – Laboratory School of Addis Ababa

1.   ወልደትንሳኤ በርሀ

2.   መልኣከ ተኽለ

ከም'ቲ ድሒረ ክርድኦ ዝኸኣልኩ፡ ኩነታት ወዲ በርሀ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ከሎና ክለዋወጥ ጀሚሩ። ትኩር ኣቃልቦ ብዘይ ምግባረይ ድኣ’ዩ እምበር፡ ኩሉ ቀልቡን ሓሳቡን ናብ ሃገራዊ ቃልሲ ስለ ዘዘንበለ፡ ናይ ትምህርቲ ተገዳስነት እናዛሕተለ’ዩ ክመጽእ ጀሚሩ። ንኣብነት ሓደ መዓልቲ ኣነን ንሱን ኣብ ሓደ ጽምዋ ቦታ ብሓደ ኮፍ ኢልና ጉዳይ መጽናዕትና እናገበርና ከሎና፡ ብዙሕ ካብኡ ዘይጽበዮ ዘረባታት ክድርብየለይ ጀሚሩ። "ስማዕ ግርማይ፡ ኣነ እዚ ንመሃሮ ዘሎኒ ትምህርቲ ጨሪሹ ኣይርድኣንን’ዩ ዘሎ። ስለዚ ንስኻ ነዛ ትመጽእ ዘላ ፈተና ተማዊትካ ክትሓልፋ ኣለካ። ብዛዕባ ናተይ ኣይተሸገር። ንስኻ ጥራሕ ዝከኣለካ ጽዓር።” ምስ በለኒ፡ ኣነ ኸኣ ዝዋዘየኒ ዘሎ መሲሊኒ፡ "ኣንታ ወዲ በርሀ ተላግጸለይ ዲኻ ዘሎኻ?" ምስ በልክዎ፡ "ብልበ'የ!" ኢሉ ምስ መለሰለይ፣ ካብ ምግራም ዝኣክል፡ ደጊመ "ኣይተረድኣንን እንታይ ማለትካ ኢኻ!" ምስ በልክዎ፡ "እንድዒ እንታይ እሞ ክብለካ’የ" ምስ በለኒ፡ ምእማኑ ጨኒቑኒ ብዙሕ’የ ሰንቢደ። ምኽንያቱ ወዲ በርሀ ብትምህርቲ ዝመጸ ሓደ ካብ’ቶም መወዳድርቲ ዘይነበሮ ንፉዕ ተማሃራይ ምዃኑ’የ ዝፈልጦ።

እቲ ምኽንያት ከም'ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተንከፍክዎ ኮይኑ፡ ኣነ ድኣ’የ ዘይተረዳእክዎ እምበር፡ ንሱስ ኣንፈቱ መንገዱ’ዩ ዝጸርግ ነይሩ። ብሓሳቡ ድሮ ንሜዳ ተጸንቡሩ፡ ብረት ዓጢቑ ኣንጻር ጸላኢ ተዋጊኡ ዝፈትዋ ሃገሩ ካብ መግዛእቲ ነጻ ከውጽእ’ዩ ዝርኣዮ ነይሩ። ድሒረ ከም ዝበጻሕክዎ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ንሱን ብጾቱን ናይ ጉዕዝኦም ምድልዋቶም እዮም ዘጻፍፉ ነይሮም። ከም’ቲ ዝመደብዎ ድማ ጌሮም።

ኣብ ቀጻሊ የራኽበና እናበልኩ፡ ብዛዕባ እዚ ኣርእቲ’ዚ ብሓፈሻ ብዛዕባ ጅግና ስውእ ወልደትንስኤ በርሀ ድማ ብፍላይ ዝምልከት ልክዕ ከም’ታ ናይ ጅግና መልኣከ ተኽለ ምሉእ ታሪኽ ሂወቱ ዘጠቓለለት መጽሓፍ ናብ ኣንበብቲ ዘቕረብክዋ፡ ዕድመን ጥዕናን እንተ ሂቡኒ፡ ኣብ መጻኢ እዋን “ጅግና ስውእ ተጋዳላይ ወልደትንሳኤ በርሀ” ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ መጽሓፍ ከዳሉ እምንቶይ’ዩ። ስለዚ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ተዘክሮታት ይኹን ስእልታት ከካፍለኒ ዝኽእል ሰብ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ኢመይል ኣድራሻይ ክራኸበና ብትሕትና እናሓተትኩ፡ ብወገነይ ውልቃዊ ተዝክሮታተይ በብእዋኑ ከካፍለኩም ክፍትን’የ።

ግርማይ ቦኽረ ካሕሳይ

Girmai Bokre Kahassai

bokrila@gmail.com


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events