Dehai News

ብጽልኢ ኣዒንቶም ዝዓወሩ ብመስለስ ሓሶት ዝሰኸሩ ንሓቀኛ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላጥ ዝቐበሩ ገለ ደናቑር ትግራዎት፣ ገለ ኤርትራውያን ኢና በሃልቲ ከደምቶምን ምትሩሳት ከድዓት ተበልጽቲ ምስሉያት ባእታታትን።

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Sunday, 10 November 2019

 

ብጽልኢ ኣዒንቶም ዝዓወሩ ብመስለስ ሓሶት ዝሰኸሩ ንሓቀኛ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላጥ ዝቐበሩ ገለ ደናቑር ትግራዎት፣ ገለ ኤርትራውያን ኢና በሃልቲ ከደምቶምን ምትሩሳት ከድዓት ተበልጽቲ ምስሉያት ባእታታትን።
------------------------------------------------------------------------------

ለባማትን በላሕትን ኣቦታትናን ወራዙት ለውሃት ኣዴታትናን እንክምስሉ "ላም'ሲ ብኢዳ ንዝቐርባስ ብእግራ ትሓክኽ" ወይ ድማ "ዓሻ'ስ ጽቡቕ ኣሎ፣ ዘመድ ዓሻ ግን ከፊእዎ ኣሎ" ዝብሉ ከም'ዚ ኣብ ታሕቲ ትዕዘብዎ ዘስደምም ነውራምን ጻዕዳ ሓሶት ምስ ዝዕዘቡ ወይ ምስ ዝሰምዑ እዮም።

ኣብ'ዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ብዘመነ ሰውራ ኮነ ድሕሪኡ ናብ ባዕዳውያን ምዕራብ ኮነ ካልኦት ሃዲሞም ዝመጹ ገለ ምሁራት ኢና በሃልቲ ግን ሕልና ዘይብሎም ኤርትርራውያን ባእታታት ኣብዚ ደቆም ኮነ ቤተ ሰቦም ኣኪቦም እናነበሩ ብጽልኢ ዝዓወሩ ሰላም ሕብረተሰብ ኤርትራ ክብትኑ ስነ- ኣእምሮኣዊ ወራር [ሸርሕታት] ብማዕዶ ከካይዱ ድቃስ ዝስእኑ ናይ ታሪኽ ብሃማት [ደናቑር] ኣይተሳእኑን።

ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኩሉ ከም ዝዕዘቦ ዘሎ በቲ ብዘይሕለል ቃልስን ብህዝባዊ መኸተን ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ህዝባዊ ሰራዊቱን መስዋእቲ ኣብ ምንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መጺኡ ዘሎ ኣፈናዊ ናይ ሰላም ሃዋሁ ዝፈጠረሎም ምብህራርን ምስንባድን ተስፋ ምቑራጽን ነዚ ተዛማዲ ኣፈና ሰላም ንምቑጻይ ምስ ኣሸቀልቶም መሳፍንቲ ህውሓትን መርበብ ምድንጋር ዓሳክሮምን ኢድን ጓንትን ኮይኖም አቲ ተበጊሱ ዘሎ ሰላም እንተ ኽኢሎም ንምቑጻይ ኣንተደአ ዘይዘይኰነሎም ድማ ንምትዕንቓፍ ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን።

ስለምንታይ ኢዮም ግን መሳፍንቲ ህውሓትን ልሒቓንን ትግራይን ገለ ኮራኹሮምን ከደምቶምን [ገለ ኤርትራውያን] ብስም ህዝቢ ኤርትራ ወግሐ ጽብሐ ዝግዕሩ ዘለው? ስለምንታይ'ከ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላም ክነብርን ከምቲ ካብ ዘመናት ጀሚሩ ዝገብሮ ዝነበረ ባህሉ ብጻዕሩ ብጽፍሩን ብህርኩትናኡ ንነብሱን ንሕብረተሰቡን ንሃገሩን ክሰርሕ ዘይገድፍዎ? [ህዝቢ ኤርትራ ኣሹንኳይ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ኣብ ሕማቅ ግዘን ኲናትን'ውን ካብ ስርሑን ዕላምኡን ፈጺሙ ጠጠው ኢሉ ወይ ኣቛሪጹ ኣይፈልጥን እዩ፣ ብኻልእ ከይትርድእዎ]። ወረ ስጋዕ መዓስ እዮም ብሓሶትን ዝተፈብረኸ ጽውጹዋይ ታሪኽን ስነ-ፍልጠትን ምኽኑይ ጭብጢን ዝጎደሎ ኣብ ሕልኩስ ስምዒታዊ ቤላቤሎው ክሕምብሱ ክነብሩ?

"ካብ ሽሕ ሃለፍለፍለፍ ሓንቲ ሓቀኛ ከተፍ" ከም ዝበሃል ህዝቢ ኤርትራ ተሓጋጊዝካን ተኻባቢርካን ተሓላሊኻን ብሰላም ናይ ምንባር ክቡር ባህሊ ስለ ዝውንን [ዘሎዎ] ከምኡ'ውን ለዋህ መኽበርን ተቐባል ጋሻ ስለ ዝኾነን እንትርፎ ናቱ [መሬት] ዘይህብ ዘይእንዳማቱ'ውን ዘይደሊ ስለ ዝኾነ፣ ብሰላምን ተኸባቢርካ ብሓባር ንምንባርን ኢዱ ኩሉ ግዘ ዝርግዝሕቲ እያ። በንጻሩ እንተኾይኑ ግን [ኣብዚ ምዝርዛር ኣድላዪ ስለ ዘይኮነ] በዘረባ ወይ ብፈኸራ ዘይኮነስ ብግብሪ ኣብ ባይታ ኣተግቢሩዎን መስኪሩዎን እዩ።

ስለዚ ተጋሩን ኮራኹርኩምን ናትኩም ግበሩ፣ ናትና ጉዳይ ይዕበ ይንኣስ ንዓና ንኤርትራውያን ይምልከተና ኣብ ጉዳይና ኣየእትወኩምን እዩ። ካብ'ቲ ዘሎኹም ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዝፈጠሮ ቅልውላው ውጹ ሰላምኩም ድለዩ። ንሕና ኤርትራውያን ግን ሰላምና ከም ወትሩ ባዕልና ክንዕቅባ ኢና።

--------------------------------------------------------------------------------
XXX•ካብ ቅድሚ ትማልን ትማልን ሓቀኛ ግፍዕታት ስርዓት መስፍናዊት ህውሓት ካብ ሓያሎይ ብሓጺሩ፣

• 1998-2000~ንኤርትራ ንምጉባጥን ንምንብርካኽን ኣብ ኤርትራ ዝተዝሳዕሩ ተረፍመረፍ ናይ ቀደም ወትሃደራት ኢትዮጵያ ዓዲማ ከም ወራዶ መርዓ ዘዋፈረትን ወራር ብዕሊ ዝኣወጀትን

•ጠንቂ ኣስታት 20 ሽሕ ኤርትራውያን ሃገሮም ንኽከላኸሉ መስዋእቲ ዝኾነት፣ ዝበልዓትሉ ጻሕሊ ዝሰበረት ወይ ድማ ተሞኽልያ ዝባን ፈጣሪኣን ሓጋዚኣን ህግሓኤ ዝወግኣት ሎኽሞኛን ተንኮለኛ ሽፍታዊት ጭፍራ

•ንኣስታት 80 ሽሕ ርሂጸ-በላዕ [ጻዕረኛታት ኣብ ኩሉ ዓውደ ሞያ ተውፊሮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኤርትራውያን] ኣረጋውያን ዓበይቲ ምሁራን [ካብ ኩሉ ዓውደ ትምህርቲ] ደቀንስትዮ መንእሰያት ሕጻናት ዕሸላት ኤርትራውያን ርእሰ-ማሎም ትካሎም ንብረቶም ገዛውቶም ገንዘቦም ኮታ ኣሎ ዝበሃል ጥስቲ ኩስኩስቲ ከይተረፈ ብዘሐፍርን ነውራም ኣገባብን ዘሪፋን ሰሪቓን ብኣረመናዊ ኣገባብ ብሓደገኛ ግንባራት ዓውደ-ውግእ ሰብ ከይፈልጣ ጸላም ተኸዲና ዝሰጎገት ጨካን ኣረመናዊት ስርዓት ነበር

• ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንኽትብትን ብግብርን ብዕላማን ብዕሊን ብእዉጅ ኣገባብ ን 20 ዓመታት [ትምክሕትን ሕቖን ደቂ ከበሳ ክንሰብሮ ኢና ኢላ ብሓሶትን ጃህራን ከም ፍሒኛ ተነፊሓ ትፍክር ዝነበረት] ዝሰርሐትሉን ሕጂ'ውን ትቕጽሎ ዘላን ኣብ ቆሙሽቲ ህዝቢ ትግራይ ከም ጫቐዊት ተሓቢኣ ትነብር ዘላ ሰራቒት ጉጅለ

• ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ትግራይ ዝኸዱ ዜጋታት መዳጎኒ ንረብሓኣ ኣጣይሳ ንዕኦም ንምጥዋር ካብ ተለምቲን ኣሳሰይቲ ናይቲ ኣዕናዊ ውጥን ብኣማኢት ሚልዮናት ኣቕራሽ [ዶላራት] ብስም "ስደተኛታት ኤርትራውያን" እናሽቀጠትን እናተቐበለትን ብስርቂ ቁራበሻኣን ከብዳን ዘሕበጠት ንኣዝማዳ ተጋሩ ብስም ኤርትራውያን ናብ ምዕራብ ሃገራት ዝሰደደትን ናይ ስርቅን ዝምታን ዕዋላ መስፍናዊትን ዓለታዊትን ስርዓት ነበር…………ወዘተረፈ

ነዚን ወዲ ከምዝን ዝፈጸመት ዓሌታዊት ጉጅለ ኣሕዋት ኢና ሓደ ኢና [ ኣብ ሓዊ ደኣ ይጠበሱ እምበር-ነቲ ምስሉይ ኣሳሳዪ ቃለ መሕትትን ነቲ ተዓዳሚ ሓሳዊ በሃም "ኤርትራዊ" እየ በሃሊን ናይ ጥፍኣት መሰልቶምን ማለተይ እየ] ብኸመይ ይራኸብ ወይ ይጋጠም? ኣሹንኳይ ሓውኻ ዝኾነ ወዲ ሰብ ወይ ጓና'ዶ ከምዚ ይፈድየካ [ይገብረካ] እዩ? ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ሓቀኛን ቅኑዕን ስነ-ሞጐት?

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ንርሑቕ ኣተኲረን ዝጥምታ ክልተ ኣዒንቲ-ዘማዛዝንን ዝሓስብን ዝመራመርን ከክንዲ ኩዕሶ ዝኸውን ሽከና-እታ ነዳዲ ደም ጨንጒዓ ንዋህዮታትን መትንታትን ኣካላትና ጸዓት ብምምጣው ህይወት ትሶኽዓልና ልቢ [ልቦና] ስለ እትውንኑ እቲ ቅኑዕ ውሳነ ኣባኻትኩም ይገድፎ።

እዚ ዎ'ደሓንኩም፣ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

ብርሃነ ሃብተማርያም

 

https://www.facebook.com/hadas.eritra.3/videos/690256284716425/UzpfSTEwMDAwMTM1MTQ5Nzk0OToyNDkyMzg0Nzc3NDgzMjE0/


6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events