እቲ ዓመት ዓመት ኣብ ሪፕሊ ወስት ቨርጂንያ (Ripley, West Virginia) ዝካየድ ዝነበረ ንግደት ደሃይ (Dehai Retreat) ብሰሪ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተሪፉ'ሎ። እቶም ኣብዚ ንግደት እዚ እንሳተፍ ዝነበርናን ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሎም ዘበን ንግደት ክንሳተፍ መደብ ዝነበረናን ኩልና ፡ እቲ ንዕኡ ኢልና ከነውጽኦ ሓሲብናዮ ዝነበርና ገንዘብ ፡ ይብዛሕ ይውሓድ ፡ ኣብ’ቲ ህዝብና ንለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ኢደይ ኢድካ እናበለ ዘካይዶ ዘሎ ማዕከን ወፈያ ክኣቱ እናተማሕጸንና ፡ እቶም ኣብዚ ክትሳተፉ እትደልዩ ናብ https://www.eritreafightscovid19.org/ ብምኻድ ክተዋጽኡ ብትሕትና ንዕድም።
እዚ ነተን ሓያላትን ሃብታማትን ዝብሃላ ሃገራት ከይተረፈ በዲሁ ብናህሪ ዝላባዕ ዘሎ ሰራም ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ዘምክሕ ኣይኰነን። ህዝብና ሰሚሩ መኪቱ ክሰግሮ ዘሎና ትምኒት ንገልጽ። ክብረት ይሃበልና

The annual Dehai Retreat for 2020 has been cancelled due to the coronavirus pandemic and total lockdown in the area. For this reason we encourage all those of us who used to attend these retreats in the past and those who were planning for this year to contribute the funds they would have spent for the Retreat (big or small) to the urgently needed #EritreaFightsCovid19 Fund. Make your contributions now by going to https://www.eritreafightscovid19.org/.
This fast spreading pandemic is challenging every country in the world. It is our sincere hope that our population will succeed in the efforts it is taking to slow down and arrest this pandemic.
Thank you.

Dehai News

(ሚኒስትሪ ዜና) ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽትል ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን፡ ንዝተመርሐ ልኡኽ አዘራሪቡ።

Posted by: Semere Asmelash

Date: Sunday, 01 December 2019

1 ታሕሳስ 2019



ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሎሚ 1 ታሕሳስ ብምኽትል ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ንዝተመርሐ ልኡኽ ሱዳን፡ ኣብ ኣዳራሽ ሃገር ተቐቢሉ፡ ኣብ ጉዳይ ምውሓስ ሰላም ሱዳን ተዘራሪቡ።



ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ፡ ብዛዕባ’ቲ መስርሕ ሰላምን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ደገፍ ኤርትራ ኣብ ምዕዋቱ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።


ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ፡ “ጉዳይ ሱዳን ዘላቒን ነባርን ፍታሕ ዝረክብ፡ ብሱዳናውያን ጥራይ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ህዝቢ ሱዳንን ሃገራውያን ትካላቱን ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዓቕሚን ብቕዓትን ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ።

Eritreafightscovid91

ERi-TV - ዕላል ምስ ክኢላ ውሽጣዊ ሕማማት ፕሮፈሰር ነጋሲ ላኣከ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና