Dehai News

ኣብ ዓለም፣ ህይወት ወዲ-ሰብ ብፍላይ ህይወት ኩሉ ፍጡር ድማ ብሓፈሻ ኣዝዩ ክቡር እዩ!!!

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 12 December 2019

 
 
!
-------------------------------------------------------------------------------------

***እዛ ጽሕፍቲ "ወዲ-ሰብ ከም ዓቕሙ፣ ጭሩ ድማ ብብርዒ ስገም ትሕጎም" ከም ዝበሃል በታ ዘላትኒ ንእሽቶይ ዓቕሚ [ኣፍልጦ] ንኣስተምህሮን ሕውነታዊ ማዕዳን ኢለ ስለ ዘቕረብኩዋ ኣይተስተዋሕድዋ ኢኹም።
___________________________________________________
ወዲ-ሰብ ብስነ-ፍልጠታዊ ዘገምታዊ ምዕባለ መሰረታዊ ቅድመ-መበቆሉ [Homo Eerectus-from Latin L.] ማለት "ጠጠዉ ኢሉ ዝኸይድ ባእታ" ዕድሚኡ ኣስታት 1.8 ኣእላፍ [ሚልዮን] ዓመታት ድሕሪኡ ከም ሰንሰለት ተኣሳሲሩ ዝመጸ መቐጸልታ ናቱ ከኣ [Homo-Sapien-from Latin origin] -"ዘርኢ ወዲ-ሰብ" ወይ ድማ "መስተውዓሊ ወዲ-ሰብ" [ wise Man] ብዝብል ስም ኣብ ኣስታት 350,000-260,000 ዓመተ ዓለም [ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ፣ ብድሕሪኡ ዓመተ-ምሕረት ምዃኑ ማለት እዩ] ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ድማ ብሓፈሻ ኮይኑ፣ ካውኡ ተበጊሱ ድማ ኣብ ምሉእ ዓለም ሰጒሙ ዝተዘርግሐ ተኣምራታዊ ፍጡር እዩ።

ነተን ኣብ ዓለም ዝነብረለን ኣዝየን ውሑዳት ዓመታት ኣሹንኳይ'ዶ ነንሓድሕዱ ተኸባቢሩን ተሓጋጊዙን ብስኒትን ሰላምን ዝውድአን ምስ እንስሳ-ዘቤት ኮነ እንስሳ-ዘግዳምን ከምኡ'ውን ምስ ተፈጥሮ ብሰላም ከም ኣዕሩኽ/መሓዙት ክነብር ይኽእል እዩ። እንስሳ-ዘገዳም ካብ ስግኣት ተበጊሱ ወይ ንድሕነቱ ንኽከላኸል ወይ ጠምዩ ንኸብዱ ክዕንግልን ንህይወቱ ቀጻልነት ከረጋግጽን ጥራሕ እዩ ሓደጋ ከብጽሕ ዝኽእል።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ወዲ-ሰብ ኣበይ ተወሊዱ ካበይ መጺኡ እንታይ እምነቱ/ስነ ልቦንኡ ክንደይ ትሕዝቶኡ ተማሂሩ ድዩ ናይ ትምህርቲ ዕድል ኣይረኸበን ሃብታም ድዩ ድኻ [ብትሕዝቶ ማለተይ እየ] በዓል ምሉእ ጥዕና ድዩ ጸገም ዘለዎ ብዘየገድስ ወዲ ሰብ ጥራሕ ብምዃኑ ክቡር እዩ። ስለዚ ነተን ኣብ ዓለም ንነብረለን ኣዝየን ሓጸርቲ ዓመታት ጽልእን ቂምን ሓሶትን ምትላልን ምድንጋርን ትዕቢትን በለጽን ስስዐን……ወዘተረፈ ኣወጊድና ሓወይ ሓፍተይ እናተባሃሃልና ተኸባቢርናን ነንሓድሕድና እናተሓላለናን እናተሓጋገዝናን ህይወትና ብፍሕሹውን ሕጉስን መንፈስ ነሕልፎ። ምኽንያቱ ወዲ ሰብ ብፍላይ ዝኾነ ፍጡር ድማ ብሓፈሻ ኣብ ዓለም እንኮ ሓንቲ እዋን ጥራሕ እዩ ዝነብር።

ከምታ ካብ ማህጸን ኣዴታትና በዘይ ዋንነት ቛንቛ እምነት/ሃይማኖት ስነ-ልቦና ባህሊ ልምዲ ………ወዘተረፈ ጥራሕና ዝተወለድና ክንመውት ከሎና'ውን ኣብ ዓለም እንታይ ዓይነትን መጠን ንብረት/ንዋይ ይሃልወና ብዘየገድስ ብሰልስተ ሜትሮ ዓለባ ጥራይ ተገኒዝና ኢና ነዛ ዓለም [ገነት] ንዘልኣለም ንፋነዋ!!! ኣብ ዓለም 100% ሓቀኛ ማዕርነትን ፍትሒን እንተ ኣልያ እታ እንኮ መወዳእታ ህይወት ውዲ-ሰብ [ሞት] ጥራሕ እያ። ምኽንያቱ ንኹሉ ፍጡር ከየዳለወት ብማዕረ ወሰን ኢላ ኣብ መጨረሽታ ገዝኡ ኳሕኲሓ ስለ ትበጽሖ። እቲ ኻልእ ምእንቲ ዘረባ ኢልካ ዝጽወ [ዝዝረብ] ኩሉ ሓሶት እዩ። ስለዚ ኣብ ዓለም ንዝተወሰነ እዋን ሓንቲ ግዘ ጥራይ ስለንነብር፣ በቲ መተካእታ ዘይርከቦ ኽቡር ህይወትናን ህይወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይንጻወት!!!

°°°°°መብርሂ ብዛዕባ ኣብ'ዛ ትታሕቲ ለጢፈያ ዘሎኹ ተንቀሳቓሲት ስእሊ;°°°°°
__________________________________________________

•••ወዲ-ሰብ ብሓቂ ብቕንዕናን ክፉት ልቦናን ምዕቡል ስነ-ኣተሓሳስባን እንተተበጊሱን ኣብ ዓለም ህይወቱ ክመርሕ እንተጀሚሩን፣ ኣሹንኳይ'ዶ ምስ ከምኡ ዝኣመሰሉ ክቡራት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ እንስሳ-ዘገዳም ተኸባቢሩን ተዓራሪኹን ተመሓዝዩን ብሰላም ክነብር ከም ዝኽእል እተርኢ መሃሪት ሰነድ እያ።

https://www.youtube.com/watch?v=SLWyb5FU16I

1. "ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር" ብስነጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ኣቦና ነፍስሄር ኣልኣሚን ዓብደላጢፍ

https://www.youtube.com/watch?v=b3E5T7pHsPg
2. "ንሰማማዕ ንቑሩብ ጊዜና ኣይኮናን ኣብ ዓለም ነበርቲ" ብስነጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ሃይለ ገብሩ

https://www.youtube.com/watch?v=j7BaUPbbqP4
___________________________________________________
እዚ ዎ'ደሓንኩም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

ሓውኹም
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

 

 

 

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events