Dehai News

ዘይ ስማን ዘይ ኢዳን ዝረኸበት መስክነይቲ ግን ታሪኻዊትን መላግቦ ቀጻልነት ናይ ወለዶታት ሕድርን ተሰካሚት ሃገራዊ ሓላፍነትን " ማዕከን መምሃሪ ስነ ፍልጠትን መወነኒት ሞያን መሰልጠኒ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን ዝኾነት መደበር ሳዋ"!!!

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Thursday, 16 January 2020

 
 
°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°

ቅድሚ 25 ዓመታት ዝጀመረ ኣርሒቑ ዝእምትን ዝጥምትን ቅኑዕ ኤርትራ ሃገራዊ ውሳነን ዓቢ መደብን [ዕማም] ምምስራት ስነ ፍልጠት መምሃርን ምውናን ዓውደ ሞያን መሰልጠኒ ምክልኻል ሰራዊትን ኤርትራን ካብ ሓለምቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ወረርቲ ምድሓንን ሽዀንኦም ምሕምሻሽን [1998-2000] ነዛ ኤርትራን ለዋህ ህዝባን ንምብትታንን ብወትሃደራውን ቁጠባውን ገንዘባዊን ኣብ ከበባ ኣእቲኻ ብኽሳዳ ሓኒቕካ ምስ ዞባውያንን [ናይ ሰንዓ መድረኽ-Forum-2003 ዘክሩ] ዓለማውያን ሓያላት መንግስታት ብኸዳምነት [ጊልያነት] ተቖጺርካ፣ ርኹምሽ ክትብል ንምግባርን፣ ቅሉዕን ስዉርን ሸርሕታት/ተንኮላት ብገለ ማእዝኖም ዝሰሓቱ ደቂ ሃገር ብገንዘብን ግዚያዊ ጥቕሚን ኣዒንቶም ኣዕዊርካ ዓሲብካን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተገብረ ፍሹል ፈተነን ሸርሕታትን ተንኮላትን [2000-2018] ኣዝዩ ብዙሕን ፈታንን ኮይኑ ማእለያ'ውን ኣይነበሮን።

 

ነዚ ኹሉ ኣንጻር ኤርትራን ክቡር ህዝባን ዝቐንዐ እኩይ ተጻይ ተጻብኦ ንምፍሻልን ምብርዓንን ድማ መደበር ሳዋ ናይ ኣምበሳ ተራ ተጻዊታን ዝዓበየ እጃም ወሲዳን እያ። ምኽንያቱ ንቑሑን ውዱብን [ጥርኑፍን] ከም ውጽኢቱ ድማ ንሃገር ከም ዋልታ ዝከላኸልን ሓያል ዕጡቕ ህዝባዊ ሰራዊት ከየሰልጠንካን ከየዳሎኻን ዝመጽእ ሰላም ስለ ዘየለ!!! ከምኡ ስለ ዝነበረን ሕጂው'ን ስለ ዝኾነን እዩ ድማ ድሕሪ 18 ዓመታት ሓያል ቃልስን ምርብራብን ኤርትራዊ ህዝባዊ መኸተን እዚ ኣብ ባይታ ንርእዮ ዘሎና ኣፈናዊ ሰላም ክኽሰት ዝኸኣለ።

 

ኣብ ዓለም ብድምር ከም ሃገር ጥርኑፍ ኮንካ ከም ውልቀ ሰብ'ውን ብሂወትካ እንከሎኻ፣ ክትገብሮ ዝግብኣካ ዓላማ እንተ ዘይመሚኻን ኣነጺርካ እንተ ዘፈሊጥካን ወሲንካን ከምኡ'ውን ኣብ ሸቶኻ ብዓወት ንምብጻሕ ቁልፍኻ ሽጥ ኣቢልካ ተዓጢቕካን ስንኻ ነኺስካን ብትብዓትን ብኒሕን እንተዘይ ተቓሊስካ፣ ከም'ዛ ኣብ ባሕሪ ማእዝና ዘጥፍአት ጃልባ ኮንካ ዕንይንይ ክትብል በቲ ዳግማይ ዘይምለስን ዘይርከብን ወርቃዊ ግዘኻ ከም ቁማር ትጻወተሉ'ሎኻ ማለት እዩ። ኣሹንኳይ ብማእከላይ ሃገራዊ ውዱብ ኣገባብ፣ ብውልቀ-ሰብ መምዘኒ'ውን እንተኾነ "ዋላ ሓንቲ እሞ ኸኣ ዋጋ ከይከፈልካ፣ ዋላ ሓንቲ ከቶ ኣይክትርክብን ኢኻ!!! [ዋላ ግዛዕ ኣይተግንይን]!!!

 

ስለ'ዚ ነቶም ንመደበር መምሃሪ ስነ ፍልጠትን ምውናን ዓውደ ሞያን መሰልጠኒ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን [ህዝባዊ ሰራዊት] ንምትዕንቓፍ ጥራይ ዘይኮኑስ ብሓሶት ሕብሪ ኳኽ ለኽዮም ናብ ጠቐር ዝለወጡዋን ንኸጥፍኡዋ ዝጸዓሩ ዞባውያን ከደምቲ ጸላእትናን ጎይተቶም ኣህጉራውያን ሓያላን መንግስታትን ገለ ኣብ ደገ ዝነብሩ ንነብሶም ንተጻያት [ንጸላእቲ] ሃገርና ብዕስቡነትን ጥቕምን ዝተምበርከኹን ኣብ ፈቐዶ መጋብኣያ ኣደራሻት ዓለም [መድረኻት] ዝሰገዱን ኣንጻር ረብሓን ጥቕሚ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኣስታት 20 ዓመታት ኢድን ጓንትን ኮይኖም ምስኦም ተጻይ ግንባር መስሪቶም ሓቢሮም ዝገዓሩን ዝሰርሑን ኤርትራውያንን ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩን ስራሕ ንምንዳይ ናብ ሃገርና ዝተሰዱን ብዙሕ ዓመታት ዝተቐመጡን ትግራዎት ኢትዮጵያውያንን ንሃገርናን ረብሓ ህዝባ ንምጉዳእ ከንቱ ጻዕሪ እንተ ኣካየዱ ምስ'ቲ ናይ ክብርን ርዝነትን ታሪኽን ዝተሰኮመቶ ከቢድ ሃገራዊ ሕድርን ጾርን ክነጻጸር እንከሎ ዘገርም ኣይነበረን ኣይኮነን'ውን።

 

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ለባማትን ክቡራትን ኣቦታትና ከም ዝብልዎ "ድሎ ከይትዕሎ"! እያ ነገራ። ሓቂን ብዘይ ቀልዓለም ብግልጺን ንዛረብ እንተ ኢልና ግን ናይ ታሪኽ ተገላባጢ ጽውጽዋይ ወይ ድማ ተገላቢጦሽ እዩ ብግብሪ ኣብ ባይታ ክፍጸም ንዕዘብ ዘሎና። እቶም ናብ "ስነ ፍልጠትን ዓውደ ሞያን መምሃርን ሓይልታት ምክልኻል መሰልጠኒን መደበር ሳዋ" ዝወረዱን ዝተማህሩን ዝሰልጠኑን ጥራሕ ዘይኮኑስ ረጊጾማን ሪኦማን ዘይፈልጡ ትሕተ ዕድመን-መንእሰያትን-ደቀንስትዮን-ሰብኡትን ኤርትራውያን ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብ ዓዲ ጓና ምስ መጹ ንመደበር ሳዋ ከም'ዛ ብሑቕ ለዋዊሶም ከም ኳኽ ኣጸሊሞም ዘይ ስማ ሂቦም መንበርን መብልዒ እንጀራኦም ብዘይ ኣስሕኮ ምግባሮም እዩ [ኩሎም እቶም ሃገራውያንን ከደምትን ገለ ናይ ከባቢና ዘጋታት ኢትዮጵያ ሱዳን ሶማልያ ከይተረፉ]። "ጋሻ [ርሑቕ] ዓዲ መሐሰዊ" ትብል ሓቀኛ ጥቕሲ ኣቦታትና'ሲ ነዚ ንነብረሉን ንርእዮን ንሰምዖን ዘሎና ሃዋህው መበል 21 ክፍለ ዘመን ብጭብጢ'ያ ትገልጾ ዘላ።

 

እሞ "መምሃር ስነ ፍልጠትን መወነኒት ዓውደ ሞያን መሰልጠኒት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን" ዝኾነትን ተኸላኸልቲን ዋልታ ሃገርን ዝኾኑን ፍልጠትን ሞያ ዝዓጠቑ ኤርትራውያን ዘፍረየትን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገር ተዘርጊሖም ብስራሕ ንኽነጥፉ ዘብቅዐትን ማዕከን ሳዋ'ሲ ክትምስገንን ክትድነቕን እምበር ፍጹም ክትክሰስን ክትውንጀልን'ዶ ይግብኣ ነይሩ፣ ኽቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን? እቲ መልሲ 100% ኣይፋልን እዩ! ክትምስገን እምበር ይግባእ!!! ምኽንያቱ ባኣኣን መሰልታን ሰልጢኖም ዝሓለፉን ኣብ ዝተፈላልያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገርና ተማሂሮም ትምህርቶም ወዲኦም ብሰነ ፍልጠት ዝተዓጥቁ ንኤርትራ ሃገሮም ኣብ ኩሉ ኩርንዓት [መኣዝን] ሃገሮምን ብዝተፈላለየ ዓውደ ሞያን ስነ-ፍልጠትን ከም መምሃራንን ናይ ሕክምና ዶክተራትን ኪላታትን ኣለይቲ ሕሙማትን ኣካለ-ስንኩትን መሃንድሳትን ናይ ልዕልን ትሕቲ መሬት ማዕድን ቅርጻ-መሬት ምሁራትን ኣፍረይትን ፈላጣት መድሃኒታትን ሃነጽቲ ዓበይቲን ማእከሎት ዲጋታትን ሓጽብታትን ኣባይትን ስነ-ጥበባውያንን መሃዝትን ተመራመርትን ሰናዕትን ጸገንትን ክኢላ ኽፍሊ ሕርሻን ብዝያዳ ድማ ካብ ተጻያት ሃገርና ዝከላኸል ንኹሉ እንተታት ድሉው ዝኾነ ሓያል ህዝባዊ ሰራዊትን ዓቀብቲ ልዑላውነትን……ወዘተረፈ ኤርትራ ከም ሃገር ብሓበን ደው ኢላ ክትቅጽልን ክትነብርን ከቢድ ሓላፍነት ኣብ እንግድዓኦም [ዝባኖም] ተሰኪሞም ብተወፋይነት ይሰርሑን ንህዝቦም ብዘይ ተጉላባ [ብቕንዕና] የገልግሉ ስለ ዘለዉ እዮም። ብተውሳኺ'ውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽክዎ ብዙሕ ክፋል ናይቲ ተሰዲዱ ናብ ባዕዳውያን ሃገራት ዝመጸ ኤርትራዊ ዘጋ ኾነ ዘጋታት ጎሮባብትና መስደዲኦም ምኽንያት ምእንታን ተቐባልነት ክረክብ ዋላ ብኣሉታዊ መዳይ ይኹን እምበር [ከም ርዱእ ደሓን ይወሰድ] "መደበር ሳዋን" ካልኦት ባእታታትን ከም ጠንቂ ስለ ዝቐርባ፣ ኣብዝ'ውን ንፍቓድ መንበሪን ስራሕን ስለ ትሕግዝ ብውሑዱ ዓው ኢልካ'ኳ እንተ ዘይኮነ በብዝማእምኣካ ኣገባብ ምምስጋን ባህርያዊ እዩ፣ ነውሪ'ውን ኣይኮነን።

 

እንታይ እሞ፣ "ክንዲ ዘኾለስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ" ኮይና ናይ ዘመንና ምድረ-ሰማይ፣ ስጋ'ቦይ ኢለ ሓሻካ ታሪኻዊት ሳዋ ይዋኣያ በዞም ኣብ ደገ ዘለዉ ገለ ኣሕዋትና ዘይ ኢዳ ረኺባ!!

 

እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ንእሽቶይ ክፋል ጭብጢ እዚ ይኹን እምበር፣ ኣብ'ዚ ዘይተገልጸ ኣዝዩ ብዙሕን ዓሚቕን ኣዎንታዊ ተራ ታሪኻዊት ማዕከን ሳዋ ገና ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ዘድልዮ ኮይኑ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ይኹን እምበር ማዕከን/መደበር ሳዋ ተልእኮኣን ግቡኣን ምሉእ ብምሉእ ፈጺማቶ እያ……ከምኡ ስለ ዝኾነት እዩ ኸኣ ኩሎም ተጻረርታ ከብኩርዋ [ካብ ሃገራዊ ዕዙዝ ንጥፈታን ኣበርክቶኣን ጠጠው ከብሉዋ] ኣንጻራ ዝሰርሑ፣ ስማ ኣብ ድቃሶም ከይተረፈ ብሕልሚ ምስ'ትቕጀሎም'ውን ብስምባደ ዝብህርሩ!!!

 

…ከምቲ ተጻያታ ዝሓለምዎን ንኸበርዕንዋ ለይትን መዓልትን ዝረሃጽዎ ጉያ ዕርቃኑ ዝወጸን ዝፈሸለን ከንቱ ፈተነ "መምሃሪ ስነ ፍልጠትን መወነኒት ዓውደ ሞያን መስልጠኒት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራን-ህዝባዊ ሰራዊት-ታሪኻዊት ማዕከን ሳዋ" ቀደም ነራ ሕጂ'ውን ኣላ ትቕጽል ኣላን ……ንመጻኢ'ውን ብዘመናዊ መሳለጥያን [መሳርሒታት] ተዓጢቓን ብምዕቡል ኣገባብ ተደኲናን ክትህሉ እያ!!!

 

መግለጺ ደረቕን ተንቀሳቓስን ስእልታት

 

1. ኣርማ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሒን [ህግሓኤ/ህግደፍ]
2. ሰንደቕ ዓላማ ሃገርና ኤርትራ
3. "እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ንቕሓት ናይ ሳዋ ኤርትራዊ ንቕሓት'ውን በሎ" "The Pinnacle of Awareness Sawa Say Eritrea".

https://www.youtube.com/watch?v=RNHxupbz_RE&t=592s
4. "ሳዋ" ብስነ ጥበባውን ክኢላ ክራርን ድምጻውን ሓርበኛ ተኽለ ክፍለማርያም [ወዲ ትኹል]

https://www.youtube.com/watch?v=tykmaWAXPMY&t=140s
5. "ሎሚ'ውን ኣሎ" ብስነ ጥበባዊን ድምጻውን ዮናታን ታደሰ [ዱላ]

https://www.facebook.com/berhane.habtemariam.3/videos/pcb.2623374471050910/2623349911053366/?type=3&theater

 

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events