Dehai News

መልእኽቲ መኸተ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 18 April 2020

መልእኽቲ መኸተ ካብ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን

ሚያዝያ 18, 2020

*ብኤረ-ቲቪን ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽን፥ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዘለዉ ኤርትራውያን ሎሚ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፥ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ "ዘሎናዮ ፈታኒ እዋን፡ ብልዑል ንቕሓትን ሓያል ስራሕን መኪትና ክንሰግሮ ግድነታዊ ሓላፍነት ምዃኑ" ገሊጹ

*"ሕማም ኮሮና ቫይራስ፡ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ዓለም፡ ብኹሉ መለክዒታት ዘይተገመተ - ሃንደበታዊ ኲናት እዩ። ብዛዕባ መበቈሉን ኣመጻጽእኡን ኰነ ናበይ ኪምዕብል ከምዝኽእል ንፈልጦን ክንግምቶ ንኽእልን ስለዘየለ፡ ብዘይካ "ምርጋጥ" ምሕያል፡ ሕርያ የለን"

*"ማዕረ መኸተ ንኲናት ኮሮና፡ መኸተ ልምዓትና ኣሐዪልና ክንሰርሕ ኢና። ለበዳ ኮሮና ኣተኲሮና ኪዘርግ፡ ከሰንፈናን ኪመልከናን ስለዘይብሉ፡ ተታሓሒዝናዮ ዝጸናሕና ልምዓታዊ መደባት ብዓጸፋ ከነሕይሎም ክንሰርሕ ኢና"

ኣብ መወዳእታ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ፡ ከም ወትሩ፡ ንዘመስከርዎ ሱታፌ ኣመስጊኑ። ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ከኣ "ርሑስ ፋሲካ፡ ብሩኽ ሮሞዳን - ምስ ጥሉል ክራማት" ተመንዩ።



6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events