Date: Tuesday, 27 October 2020
ዋርሳይ - ‘መላግቦን ቅኒትን ሰለስተ ወለዶ’
ፍሉይ መደብ ኤምባሲ ሜድያ
21 ሕዳር - 15 ታሕሳስ 2020
ከም ዝፍለጥ ዝኾነ ወለዶ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ነናቱ ብድሆታትን ተልእኾታትን ኣለዎ። ናይ ሎሚ መንእሰይ’ምበኣር ኣብ ግዚኡ ዝጸንሕዎ ብድሆታት ገጢሙ፥ ብጻዕሩን ብልሑን መሃዝነቱን ተልእኾ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕራፍ ንከበጽሕ ትጽቢት ናይዝኾነ ወለዶ እዩ። ታሪኽ ፖለቲካዊ ዕጥቅና ማለት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ስነሓሳባዊ ብቅዓት ናይ ዝዓጠቁ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለዉ ሃገራውያን መንእሰያት ታሪኽ እዩ። ኣብ`ዚ ዘለናዮ መድረኽ መንእሰይ ኤርትራ ባህግን ራእን ሕብረተሰብ ኣብ ምዕራፍ ዘበጽሐ ነጻ ፖለቲካዊ መስመር እናተኸተለ፥ ነቶም ርእሲ ኩሎም ሃገራዊ ሃብትናን ያታናትን ዝሰርዑ ክብርታት ሕብረተሰብናን ሰውራናን፥ ብልዑል ጥምረትን ውዳቤን መጻኢ ዕድሉ ዝኾለዐ መሪሕ እዩ።
|