Dehai News

(ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ኤርትራ ካብ ከተማ ኣቑርደት 91 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 25 December 2020

ኣብ ኤርትራ ካብ ከተማ ኣቑርደት 91 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኤርትራ ካብ ከተማ ኣቑርደት 91 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ሚኒስትሪ ዜና እታ ሃገር ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገሊፁ።

እቲ 4 ነጥቢ 8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፥ ካብ ከተማ ኣቑርደት ኣስታት 91 ኪሎ ሜትር ንሸነኽ ሰሜናዊ ምዕራብ ከምዘጋጠመ ኣብ ሚኒስትሪ ማዕድን ፀዓትን ክፍሊ ምምሕዳር ጂኦፊዚክ ላባሮቶሪ ተረጋጊፁ ክብል እቲ ዝወፅኣ መግለፂ ሓቢሩ።

በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ሰብ ዝወረደ ዝዀነ ጉድኣት ከምዘየለን እንተኾነ ኣብ ንብረት ዕንወት ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ።

እቲ ሚኒስትር ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እተፅንዕ ጉጅለ ክኢላታት ናብቲ ቦታ ተላኢኾም ከምዘለው ገሊፁ።

ኣብ ኤርትራ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብ13 ነሓሰ 2018 ካብ ከተማ ባፅዕ ኣስታት 50 ኪሎ ሜትሮ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 4 ነጥቢ 8 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይፍለጥ።

-


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events