Dehai News

(shabait) መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 31 December 2020

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ


31-12-2020

 

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

 

 ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን!

 ኣብ’ዛ 2020 ሰጊርና፣ ንኣትዋ ዘሎና ሓዳስ ዓመት 2021፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን፣ ዮሃና!

 2020፥ ምስ ዓለማዊን ዞባዊን ውህሉል ነውጺ፣ ህልቂታዊ ለበዳ ኮቪድ-19 ተወሲኹዋ፣ ኣብ ታሪኽ ሰባት፣ ከቢድ ቅልውላው ዝገዝኣ ዓመት’ያ ነይራ። ን2021 ክንጽበዮ ንዝግብኣና ብድሆታት’ውን መለበሚ ኣሚታትልና’ላ።

 ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 80 ዓመታት፣ ኩሉ ዓይነታት ተኸታታሊ ብድሆታት መኪቱ ኪሰግር ዘኽኣሉዎ ክብሪታት – ንጽረ-ርእየት፣ ትዕግስቲ፣ ጽንዓት፣ ምትሕልላይ፣ ርእሰ-ተኣማንነት – ኣብ 2020 ዳግም ተፈቲኖም፡ ተቢዖም ተዀሊዖም ስለዘለዉ፣ ምስ ዝበለጸ ድልውነት፣ ን2021’ውን፣ ንዘላቒ ልምዓትን ዕብየትን መኸትኡ ከምዘይሰንፍ፣ ጥርጥር የለን።

  ደጊመ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ልደትን!

  ክብሪን ሞጎስን ንስዉኣትና!

  ዓወት ንሓፋሽ!

 

  •  ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መእተዊ ናይ’ዚ ሓድሽ ዓመት፡ ኣማቲ ቃለ-መሕትት ኪገብር ምዃኑ ንሕብር።

 

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events