Dehai News

ዝክሪ በዓል ፈንቅል መዘከርታ ንውሕስነት ኤርትራዊ ቀይሕ ባሕሪ

Posted by: "Eritrean Seaman Union ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ"

Date: Tuesday, 09 February 2021

ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ

ዝክሪ በዓል ፈንቅል መዘከርታ ንውሕስነት ኤርትራዊ ቀይሕ ባሕሪ 

ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ እታ ከም ቀንዲ መትኒ ካልኣይ ኣቤታዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይና ዝነበረት ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ብተባዕ ኤርትራዊ ተጋዳላይ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንዓና ኤርትራዉያን ዝተረከበትላ ዕዉቲ ስርሒት ፈንቅል እያ ኔራ። ኣብዚ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብዛ ስርሒት እዚኣ ንመጀመርታ እዋን ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብንጥፈት ባሕሩ ንምሕራር ምስታፉ'ዩ።

 ኣብ ሎሚ ኮይና ቅድሚ 31 ዓመታት ዝተፈጸመ ቅያታት ኤርትራዊ ክንዝክር ከለና ቅጅል ዝብለና ተልዩ ዉልዱ ሓይሊ ባሕርና'ዩ። ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብኤርትራዉያን ባሕሬኛታት ብንኡስ ዓቅሚ ተመስሪቱ ዓቢ ቅያ ዝሰርሐ ዋሕስ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ኮይኑ'ዩ። ብዝተበገሶ ናህሪ'ካ ተዘይ ቀጸለ ዉሕስነትን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣውሒሱ ኣብ ቁጦባዊ ዕብየት እታ ሃገር መሰረታዊ መቀይሮ ክገብር ካብ ዝግብኦ ዓውደ ሞጋዓዝያ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ስደት ዉን ተኮነ ኣባላቱ ብምጥርናፍ ብዓቅሙ ብምዉድዳብ ይሰርሕ ምህላዉ'ዩ።

ብንኣሽቱ ጀላቡ ዉሑዱን ትሕቱን ብቅዓት ነቲ ክሳብ ዓንቀሩ ዓጢቁ ዝነበረ ዘመናዊ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ክስዕር ከሎ፡ ቀንዲ ስንቁ ጽንዓት ኣብ ዕላምኡ'ዩ ኔሩ። ታሪክ ኤርትራዊ ባሕሬኛ ነዊሕ ሰረት ዘለዎ ኮይኑ ብቀንዱ ግና ድሕሪ'ቲ ልኡላዊት ኤርትራ ከም ዘይተርፍ ዘረጋገጸት ስርሒት ፈንቅል ብቀንዱ ዝተራእየ። ዲሒሩ ዉን ኣብ ዝሓለፉ ናይ ናጽነት ዓመታት ልኡላዉነት ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ምሕላው ዘርኣዮ ጅግንነት ከም ኣብነት ክንጠቅስ ተኮይና ስርሑት ሓንሽ ሓደ ካብኡ'ዩ። 

ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ምስ ብዙሕ ብድሆታቱ ታሪክ ዓወት ኣያታቱ ባሕሬኛታት ከም ዝደግም ተጠራጢሩ ኣይፈልጥን። ነቲ በዓል ቅያ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራዊ በብዝተሰዶ ተበቲኑ ሞያኡ ንከየጥፍእ ብማሕበር ብምጥርናፍ፡ ግዜኡ ምስ ኣከለ ሃገሩ ተመሊሱ ከገልግለሉ ዝክእል ተሞክሮም ትምርትን ከጥሪ ኣብ ምጉስጋስን ምጥርናፉን ብዝለዓለ ሓይሉ ሰሪሑ'ዩ። ከምኡ ዉን ሞያ ባሕሪ ንኤርትራዊ መንእሰይ ከም ሓደ ካብ መሪጹ ክመሃሮም ዝለዎ ዓውድታት ሙካኑ ኣሚኑ ኣብ ናይ ጽባሕ ቁጠባዊ ህንጸት ሃገሩ ግዴኡ ንከበርክት ጎስጊሱ'ዩ። 

ብኣጋጣሚ ዝክሪ ስርሒት ፈንቅል 2021 ከም ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ መጠን ንዝክሪ ዕዉት ስርሒት ልኡላዊ ኤርትራዊ ባሕሪ ዝኮነ ዝክሪ መበል 31 ዓመት ስርሒት ፈንቅል ንኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ንኤርትራዊ ባሕሬኛ ድማ ብቀንዱ እንቃዕ ሓጎሰካ እብል።

ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ ከም ዝበሃል ከም ወትሩ ምስ ባሕርና መላለይን መዘካከርን ምግባር ኤርትራዊ መንእሰይ ንዕብየትን ግፍሕን ባሕሩ ብምፍላጥ ኣብ ባሕሩ ኣእምራዉን ማላዉን ዝገብረሉ መንገዲ ክደሊ ሓጋዚ'ዩ።

ኣብ ዓለምለካዊ እስትራቴጂካዊ ቦታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዶኪና ትርከብ ብጠቅላላ 117 760 km2 ዝስፍሓታ ሃገረ ኤርትራ 1000 ኪሎሜተር ገማግም ባሕሪ ካብዚ ገምገም ባሕሪ ክሳብ 12 ኖቲካል ማይል ንዉሽጢ ባሕሪ ብጠቅላላ 16,600 ትርቢዕት ኪሎ ሜተር ማያዊ ኣካል ትዉንን ኮይና ብጠላላ ንዉሓት 2,284 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕርና ኣብ ቀንዲ ሜሬት ካብ ራስ ቄሳር ክሳብ ራስ ዱሜራ ድማ ኣስታት 1,151 ኪሎ ሜተር ንውሓት ገምገም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ክከዉን ከሎ 1,083km ቅናት ናይተን 350 ዴስታትና'ዩ። ካብዘን ኣብ ግዝኣት ኤርትራዊ ቀይሕ ባሕሪ ፋሕ ኢለን ዘለዋ 350 ዴሴታትና እተን ኣስታት 200 ዝኮና እክብካብ ዴሴታት ኣካል ናይታ ዴሴት ዳህላክ እየን። እክብካብ ዴሴታት ዳህካክ ( dahlak Archipelago) ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝተረፉ ዘይተበከለ ኣካል'ዩ። 

እዚ ዘርዚርካ ዉን ዘይዉዳእ ባህርያዊ ሃብትን ጽባቀን መጠንን ቀይሕ ባሕሪ ሓደን ቀንድን ንኤርትራ ተጠማቲት ዝገብራን ዋጋ ዘክፈለና ዉን እዩ።

 ነዚ ባሕሪ ንምክልካል ካብ ቀደም ጥቕምቲ ጀሚሩ ብዙሕ መስዋእቲ ዝሓተተ ኮይኑ ናይ ቀረባ ታሪክ ምስ ንዕዘብ ካብ ሃጸያዊት ኢትዮጵያ ንምንጋፍ ኣብ ዝተገብረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጎሊሑ ዝተራእየ ታሪክ እዩ። 

ኣብዚ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዋኒኖም ራሕሪሖም ንግዳዉያንን ገፈፍትን መራክቦም፣ፍልጠቶም ብዓቢኡ ሂወቶም ክዉፍዩ ናብ ቃልሲ ዝተጸንበሩን ድሕርን ቅድምን ናጽነት ንኤርትራ ዓቢ ሞያዊ ዓቅሞም ዘበርከቱ ኤርትራዉያን ባሕሬኛታት እዮም። 

ስርዓት ኢትዮጵያ ብደገፍ ሓያላት ሃገራት ንዝመስረቶ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሞያዊ ዓቅሚ ክወዳደሮ ዘይከኣለ ሰዉራዊ ቃልሲ ኤርትራ ብዝተኣካከቡ ኤርትራዉያን ባሕሬኛታት ብንኡስ ዓቅሚ ገጢሙ መስተንክራዊ ዓወት ኣመስኪሩ እዩ። 

ድሕሪ ናጽነት ዉን ልክዕ ከም ንወተሃደራዊ መዳይ ንልምዓታዊ መዳይ ዉን እጅግኡ ሰፍሲፉ ብምምስራት መስመር ንግዳዉያን መራክብ ኤርትራ፡ ጽላት ምግፋፍ ዓሳ፡ ኣህጉራዉን ዓለምለካዉን ወደባዊ ኣገልጉለት ዝህብ ትካላት ምምሳራት፡ ቴክኒካዊ ባሕራዊ ስረሓት ኮነ ክሳብ ንምክልካል ልኡላዉነት ሓንሽ ዝገበሮ ኣበርክቶ መስዋእትን ከቢድ እዩ ኔሩ። እዚ ኩሉ በቶም ተራ ባሕሬኛታት ዝነበሩ'ሞ ኣብ እዋንን ቃልሲ ሓይሊ ባሕሪ ብምምስራት ንዕኦም ዝመስሉ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ብምምልማል ዝፈ'የ'ዩ። 

እቲ ዳግም ተወፋይነቱን መስዋእቱን ልክዕ ከም ኣብ ዓውደ ኩናት፡ ኣንጻር መራክብ ዉግእ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ገጢሙ ዘርኣዮ ጅግንነትን መስዋእትን ድሕሪ ናጽነት ዉን ብሞያዊ ዓቅሙ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ሞያዊ ብቅዓቱ ብክሳብ መስዋእቲ ዝከይድ ዋጋ ከፊሉ እዩ። እንተኮነ ምስ ምድካም ኩሉ መዳያዊ መትንታት ስረሓት ባሕሪን ካልእ ህሉው ኩነታት ሃገርን ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ከም ኩሉ ኣብ ዝስደድሉ ዝነበሩሉ እዋን ዉን ተኮነ ኣብ ስደት ብሞይኦም ክሰርሑን ክጥርነፉን ግዜ ኣይወሰደሎምን። 

መስመር ንግዊ መራክብ ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ፡ ኣገልግሎት ወደብ ሓደ ካብቶም ልዑል ሞያዊ ዓቅሚ ዝሓቱ ዓውድታት ኮይኖም ብኡ መንጽር ድማ ገዚፍ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣምጺኦም ንቁጠባ ሃገር ዓንዲ ሕቆ ዝኮንዎ ዓውድታት እዮም። ሞያ ባሕሪ ብዘለዎ  ኣገዳስነት  ምጥርናፍን ምዕባይን ኤርትራዉያን ባሕሬኛታት ይጽናሓለይ ዘይበሃሎ ኣገዳስን ኣድላይን ሙካኑ ክትርዳ የክእለካ።

ብፍላይ ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናጽነት፡ እዚ ኩሉ ትካላት ብዓቅሚ ብኤርትራዊ ተመስሪቱ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን ብባህሪኡ ኣንጻር ተፈጥሮ ዝኮነ ሃዋሁ ባሕሪ ብዝፈጥሮም ሓደጋታት ኣብ ብዙሕ ዓውድታት ብተወፋይነትን ብናጻ ጉልበትን ንስለ ሃገር ክሳብ ሂወቶም ከፊሎም እዮም። ሎሚ ዉን ከም ወትሩ ኣብ ዓቅሙን ሞያኡን ኣዕብዩ ቁጦባ ሃገሩ ንምዕባይ ባሕሩ ኣበርክቶ ንክገብር ኤርትራዊ ባሕሬኛ በብዘለዎ ምስ ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ብምጥትርናፍ ነዚ ሃገሩ ክሃንጽ ድሉው ዘሎ ማሕበር ብምጽንባር ብሩህ መጻኢ ክጥምት በዚ ኣጋጣሚ ንጽዉዕ።

ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ
ዝክሪ ስርሒት ፈንቅል 2021

https://www.facebook.com/223158534728412/posts/1359653224412265/

Dear Webmasters
The information office of ESU presents its compliments to you, and would kindly request to publish the attached bulletin on your website. 

Thank you in advance.




ቤት ጽሕፈት ዜናን ሓበሬታ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ

News and Information office of Eritrean Seaman Union

أخبار ومعلومات مكتب الإريترية الاتحاد البحارة

E-mail: info@Eritreanseamanunion.org or eritreanseamanunion@gmail.com

Website: http://www.eritreanseamanunion.org


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events