Dehai News

Shabait.com: ቃል ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት 2021

Posted by: Dehai

Date: Monday, 08 March 2021

ቃል ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት 2021

ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ትሕቲ ፍልይ ዝበለ ዓለማዊ ሃዋህው ትዝከር ኣላ። ኣብ መወዳእታ 2019፡ ኣብ ውሱን ከባቢ ሃገረ ቻይና ዝተኸስተ ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ኣብ ዓመተ 2020 ብፍጥነት ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ብምዝርጋሕ፡ ብዙሕ መቕዘፍቲን ቁጠባዊ ዕንወትን ምውራዱ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ዕማማት ዘስዓቦ ዝሕታለ ድማ ብቐሊል ዝርአ ኣይኮነን።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ክታበት ምጅማሩ፡ ዘተስፉ ምዕባለ እኳ እንተኾነ፡ ምስ ተቐያያሪ ባህርያት ናይቲ ቫይረስን ክታበት ናብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ንምብጻሕ ዝሓቶ ግዜን ተኣሳሲሩ፡ ሕጂ እውን ዘለናዮ ግዜ፡ እቲ ስግኣት መሊኡ ዘይተቐንጠጠሉ፡ ጥንቃቐን ዕቱብነትን ዝሓትት እዋን እዩ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት በዳሂ ኩነት፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንድሕነት ቀዳምነት ብምሃብ፡ መምርሒታት መንግስቲን ሰብ ሞያ ጥዕናን ብንቕሓት እናተግበረ፡ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ብውሑድ ክሳራ ንምስጋር ልዑል ተራ ክጻወት ጸኒሑ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ክሕጸር ምኽኣሉ ዓቢ ዓወት እዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብዚ ናይ መኸተ እዋን፡ እቶም ወሰንቲን ክውንዘፉ ዘይክእሉን ልምዓታዊ ስርሓት እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ብዙሕ ንጥፈታት ስለዝደሰከለ ጽልዋኡ ኣብ መነበባሮ ህዝቢ ብቐሊል ዝርአ ኣይነበረን። ኣብዚ ተጻዋርነት ዝሓትት ጽንኩር እዋን፡ ኤርትራውያን፡ ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን፡ ማዕከን መኸተ ኮሮና ንምስሳን ኮነ ሓድሕድ ንምድግጋፍ ዘርኣይዎ ሰናይ ተበግሶ፡ ነቲ ክቡር ባህልን ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ ዘጉልሐ እዩ ነይሩ። ኣብዚ መኸተ’ዚ ከም ወትሩ ተራ ደቀንስትዮ ዕዙዝ ምንባሩ ድማ መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኤርትራዊ ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት፡ ወትሩ ረባሕታ መኸተ እያ።

ናይ ሎሚ ዓመት፡ ዕለተ-ዝኽሪ 8 መጋቢት፡ ዘይከም ካልእ እዋን፡ ምስዚ ዘሎ ሃዋህው ብዝሳነ ጽብብ ዝበለ መሰናድኦ ተዘኪራ ትውዕል ኣላ። እንተኾነ ቀንዲ ዕላማ ዝኽሪ 8 መጋቢት፡ ፌስታን ደስደስን ዘይኮነ፡ ኣብ ጉዳይ ምርግጋጽ ጾታዊ ማዕርነት ዘሎ ገስጋስ ብምግምጋም፡ ብልጫታት ብምዕቃብ፡ ድኻማት ብምፍዋስ፡ ክሳብ’ቲ ናይ መወዳእታ ሸቶ ምርግጋጽ ምሉእ ኣግእዞ፡ መብጽዓ ህዝቢን ሃገርን እናሻዕ ምሕዳስ እዩ።

ከምዝፍለጥ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ መለክዒታት ስልጡን ሕብረተሰብ፡ ምዕሩይነት ዕድላትን መሰላትን እዩ። ምኽንያቱ ምዕሩይ ዕድላት ክፈጥር ዘይክኣለ ህዝቢ ወይ ሃገር፡ ቅልጡፍን ፍትሓዊን ምዕባለ ከረጋግጽ ተኽእሎ የብሉን። ኣብ ሕቶ ምዕሩይነት ከኣ፡ እቲ ብቐዳምነት ዝስራዕ፡ ጉዳይ ናይተን ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝኾና ደቀንስትዮ እዩ። ማዕርነት ደቀንስትዮ እምበኣር፡ ኣብዚ ዘመን’ዚ፡ ጉዳይ ሰብኣዊ መስል ጥራይ ኣይኮነን። ሕቶ ምዕባለን ስልጣነን እውን እዩ።

ሓቂ’ዩ፡ ሳላ ቃልሲን መስዋእቲን ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ሕብረተሰብና ኣመለኻኽታኡ ብመሰረቱ ተቐይሩ እዩ። እዚ ዘኹርዕ ዓወት’ዚ፡ ብዝልዓለ ሱታፌ ደቀንስትዮ ኣብ ትምህርቲን ስራሕን ተደሪዑ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ መርኣያታት ሃገራዊ ክብርናን ባህልናን ክኸውን እምበኣር፡ ከም ኣምር ደጋጊምካ ምዝኽኻሩን ምኹልዑን ኣገዳሲ ይኸውን። ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ኣብ ከተማታት ይኹን ገጠራት ዝርከባ ደቀንስትዮና፡ ፍልጠትን ሞያን ሰኒቐን፡ ሱታፌአን 100% ምስ ኣሕዋተን ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ዝመዓራረየሉ ደረጃ ክበጽሓ፡ ሕጂ እውን እቲ ጻዕሪ ብዓጸፋ ክቕጽል የድሊ።

ከምዝፍለጥ፡ ራእይና ኩሎም ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ጽላል ማሕበራዊ ፍትሒ ብማዕረ ዝሰርሑላን ዝረብሑላን ሃገር ምፍጣር እዩ። ነዚ ሸቶ’ዚ ብምልኣት ንምጭባጥ ከኣ፡ እቲ ዛጊት ዝተመዝገበ ገስጋስ፡ ዝተዀስኰስ ንቕሓትን ስልጡን ኣመለኻኽታን ብምዕቃብ፡ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ትምህርቲን ስራሕን፡ ሱታፌ ደቀንስትዮ ብምዕዛዝን ብቕዓተን ክብ ብምባልን ኣድማዕነትና ከም ሃገርን ህዝቢን ከነዕርግ፡ ብኣጋጣሚ እዛ ክብርቲ ዕለት መብጽዓና ከነሐድስ ሃማደኤ ይጽውዕ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት!

ዓወት ንሓፋሽ!

ሃገራዊ ማሕበር ደቀንስትዮ ኤርትራ

8 መጋቢት 2021

 

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events