Dehai News

(ቢቢሲ) ኤርትራ ኣብ ትግራይ መግቢ ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀመሉ ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺጋ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Friday, 18 June 2021

ኤርትራ ኣብ ትግራይ መግቢ ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀመሉ ኣላ ንዝብል ክሲ ነጺጋ


18 ሰነ 2021
Eritrea files new complaint with UN over Tigray allegations
ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት 'መግቢ ከም መሳርሒ ኲናት ትጥቀመሉ ኣላ' ንዝብል ጸብጻብ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ነጺጋ።

ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ ንጉዳይ ሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ወኪል ኤርትራ ኣብ ዘይተረኽበሉን ኣብ ኣጀንዳ ከይተነጸረን ብዛዕባ ኤርትራ ዝርርብ ምክያዱ ተቓውሞኣ ገሊጻ ኣላ።

ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኩክ ኣብቲ ብዕጽው ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ "ወተሃደራት ኤርትራ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀሙ ኣለው" ምባሉ ካብቲ ኣኼባ ዝለሓዄ ቅዳሕ ሰነዳት የርእይ።

ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ "ኤርትራ 'መግቢ ከም መሳርሒ ኲናት' ተጠቂማ ኣየትፈልጥን እያ። ኣብቲ ዝኸፍአ መዓልትታት ኲናት ምስ ኢትዮጵያ 1998-2000 እውን ኣይገበረቶን" ኢሉ።

"ኤርትራ ኣቐዲማ'ውን ነቲ ኣድልዎ ዘለዎ ኣካይዳ ናይቲ ሓላፊ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት ጥርዓና ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ እያ" ዝበለ እቲ መግለጺ፡ ንጸብጻባት ማርክ ሎውኩክ ከም ዘይትቕበሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ መዝነቱ ዝፋኖ ዘሎ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ብሰሉስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ: ኣብ ትግራይ መንእሰያትን ንኣሽቱን ብለይቲ ተወሲዶም፡ ገሊኦም ከም ዝተቐትሉን ዝገልጽ ሓበሬታታት ምህላው ብምሕባር፡ "ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ተሓተትቲ ምዃኖም ንጹር እዩ" ክብል ከሲሱ እዩ።

ማርክ ሎውኩክ ብ 10 ሰነ ሰብ መዚ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተሳተፉሉ መድረኽ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ 131 ክልከላታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝተፈጸመ ክገልጽ እንከሎ እቲ 54 ብወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ እቲ 50 ድማ ብወተሃደራት ኤርትራ ዝተኻየደ'ዩ ኢሉ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ብሪጣንያ ዝተኣከቡ መራሕቲ ናይተን ብቁጠባ ዝማዕበላ ተባሂለን ዝግለጻ ሃገራት ጉጅለ -7 (ጂ7)፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብልን ኤርትራ ሰራዊታ ክትስሕብ ምጽውዖም ይዝከር።

ቤት ጽሕፈት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣብዚ ወሳኒ እዋን፡ ንዓለምለኻዊ ሕግን ልዕልናን እተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ሃገራት ብምጥሓስ፡ ዘየድልይ ምትእትታውን ምፍርራሕን ብምግባር ካልእ ጎንጽን ዕግርግርን ምስዋር ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ቅቡል ኣይኮነን" ኢሉ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ "ቀረባ እዋን" ክወጽኡ ኢዮም ክብል ተዛሪቡ።

ኣምባሳደር ታዬ ኣጽቀ ስላሴ እቶም ወተሃደራት ዝወጽኡሉ ግዜ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ገለ ቴክኒካውን ኣገባባውን ጉዳያት" ምስ ተጻፈፉ ከም ዝወጽኡ ምሕባሩ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ ከም ዝርእዮ ዝገለጸ እቲ ኣምባሳደር "ኤርትራውያን'ውን ኣብቲ ጉዳይ ንጹራት ምዃኖም" ገሊጹ ይብል እቲ ጸብጻብ።





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events