Dehai News

The Concentration Camps in Tigray were invented & constructed to succumb, degrade, humiliate and to desintegrate Eritrea's purposfuly!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 23 July 2021

The Concentration Camps in Tigray were invented & constructed to succumb, degrade, humiliate and to desintegrate Eritreans purposfuly!
============================ 
Concentration Camps of Eritreans in a cursed Land of Tigray part of Ethiopia were/still are several hundred Millions of worth Money Producing Machines [M•P•M•] & the same amount of Money Laundering [M•L•] fertile locations for a former ultra ethno-centric fascist T•P•L•F•/M•L•L•T• Mafia Group!

BerhaneMeskel Habtemariam
°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°°
ደቂ ኤሬ:  ንኣፍልጦና:…………….

ኣራ (ARRA) ንነፍሲወከፍ ስደተኛ መዓልታዊ 5 ዶላር ማለት ንወርሒ 150 ዶላር መሻርፍ ካብ UNHCR ይቕበል ነይሩ። ነቶም ስደተኛታት ዝወሃብ ግን ኣብ ወርሒ 80 ብር ጥራሕ’ዩ። እቲ ዝተረፈ ናብ ካዝና ክልል ትግራይ’ዩ ኣታዊ ዝኸውን። ካብዚ ክፍሊት’ዚ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መዓልታዊ ካብ 150 ክሳብ 200 ሽሕ ዶላር ኣታዊ ከምዝነበሮ ይፍለጥ። 

ብስም ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ካልኦት ለገስቲ ማሕበራት ዝመጽእ ዓይነታዊ ሓገዛት’ውን ብዙሕ እዩ። ኣብ ኢድ ስደተኛ ዝበጽሕ ግን ካብ 10 ኪሎ ስርናይ፡ 1 ኪሎ ዓደስ፡ ½ ኪሎ ዘይቲ፡ ½ ኪሎ ሽኮር ዝሓልፍ ኣይኮነን። ዝተረፈ ሓለፍቲ ARRA ምስ ወኪላት UNHCRን ምስ ሓለፍቲ ክልል ትግራይን ተመሻጢሮም ናብ ዝደለይዎ የውዕልዎ። ኣብ ርእሲ’ዚ ንህጻናትን ትሕቲ ዕድመን ተባሂሉ ብUNICEF ዝወሃብ ደገፍ ነይሩ። ምስ ወለዱ ዝቕመጥ ህጻን ክሳብ 7 ዓመት ንመዓልቲ ብሕሳብ 6 ዶላር፣ ነቶም ስድራቤት ዘይብሎም ከኣ እንተላይ ንክፍሊት ኣለይቶም ዝሽፍን ንመዓልቲ 12 ዶላር ይስልዓሎም። እንተኾነ እዚ ክፍሊት’ዚ ብምሉኡ ናብቶም ዝምልከቶም ከይበጽሐ፡ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ፡ ሰራሕተኛታት ኣራን UNHCRን ጁባኦም ከህጥሩሉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ARRA ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መሬት ብምክራይ፡ ኣርባዕተ መዓስከራት (ሽመልባ፡ ሕንጻጽ፡ ማይዓይኒን ዓድ ሓርሽን) ኣቚሙ ነይሩ። ክራይ ናይዚ መዓስከራት’ዚ፡ UNHCR ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝኸፍሎ እዩ። ሓደ መዓስከር ስደተኛታት ንወርሒ ኣስታት 200 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ፡ ንዓመት ድማ 2.4 ሚልዮን ዶላር ይኽፈሎ ነይሩ። 

በዚ ድማ፡ ናይ ኣርባዕቲአን መዓስከራት 9.6 ሚልዮን ዶላር፡ UNHCR ብመንገዲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ኣራ ኣታዊ ይገብሮ። ኣራ ድማ ክራይ ናይቲ መሬት ንምምሕዳር ክልል ትግራይ ይኸፍሎ።

ARRA ሰራሕተኛታቱ ዝበዝሑ ኣባላት ድህንነት ክልል ትግራይ እዮም ዝነበሩ። ኣብተን ካልኦት ከም UNHCR ዝኣመሰላ ኣህጉራውያን ትካላት ዝሰርሑ እውን ብተመሳሳሊ ኩሎም ተጋሩ ኮይኖም ብARRA ተመምዮም ዝኣተዉ እዮም።

Courtesy Samuel Mahray

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4107946025927073&id=100001351497949

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events