Dehai News

ደሃብ ፋይድቲንጋ ሉንጋ ዘይ ከም ስማ ወሪዳ ንስብ ጥርሑ ዕዳጋ!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 19 October 2021

SunShine Eritrea
÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷
እቲ እዋን ፈለማ መላእ ኤርትራ ብህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ተሓሪራ፡ ኣስመራ ንመጀመርታ እዋን ሽታ ነጻነት ግዝያዊ ምዃኑ ተሪፉ፡ ዘለ-ኣለማዊ ነጻነት እተስተማቕረሉን፡ ሉኡላዊ ሓርነታ ዝኣወጀትሉ እዋን ዓመተ 1991 ኢዩ ነይሩ።

 ይዝረከኒ ሻቡ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ናይ ሎሚ ጎደና ሓርነት፡ ካብ ስራሕ ተፈዲሰ ናብ ገዛይ እንዳኣምራሕኩ እንከለኹ፡ ምስ ናይ ሽዑ ብጸይቲ ደሃብ ፋይድቲንጋ ሉንጓ፡ ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካቴድራለ ክትወጽእ፡ ሃንደበት ጎፍ-ንጎፍ ኣብ'ቲ መንገዲ ንራኸብ'ሞ፡ ድሕሪ ምዉቕ ሰላምታ ምልውዋጥ፡ ሻሂ ክንሰቲ ጋቢዛት። ሓቂ ይሓይሽ ድሕሪ ዓመተ 1989 ስለ ዘይተራኸብና፡ ነቲ ዝገበረትለይ ዕድመ ምስ ናፍቖቱ ኢየ ተቐቢለዮ።

ምስ ደሃብ ፋይድቲንጋ ሉንጓ፡ ካብ ክፍላ ዓመተ 1978 ኢና ንፋለጥ። ከም ብጾት ከኣ ኣብ ብዙሕ ዘራኽበና ስራሓት ተራኺብና ኢና። ብፍላይ ኣብ'ቲ መወዳእታ 1989፡ ኣብ መደበር ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ጎቦታት ሃገር፡ ንኣስታት 3 ወርሒ ብሓደ ተቐሚጥና ብምንባርና፡ በቲ ዝገበረትለይ ናይ ሻሂ ምስታይ ዕድመ: ዝኽርታተይ ንኸሐድስ ኣዝየ ተሃንጥየ ኢየ ነይረ። ደሃብ ፋይድቲንጋ ሉንጓ ግን፡ ንነዊሕ ዝኸይድ ናይ ዝኽሪ ዕላል ዕድል ኣይሃበትንን። ድሕሪ ንስድራ-ቤት ዝሓወሰ ደሃይ ምትሕትታት፡ ወረ "እንቋዕ ረኸብኩኻ! ከመይ ተሓጊሸ ይመስለካ። ኣብ'ዚ ቤተ- ክርስትያና" ኢላ ምስ ጀመረትለይ፡ ኣብ ኣእሙሮይ ዘይነበረ ሕቶ ቤተ-ክርስትያን ስለ ዘልዓለትለይ፡ ብኣንክሮ "እንታይ እሞ ቤተ-ክርስትያንኩም?" ኢለ ተዓኒደ ሓተትክዋ። "እወ፡ ካልእ ኣይኮነን፡ እዚ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ካቴድራል፡ ንነፍስ-ወከፍ ተጋዳላይ ሃይማኖቱ ብዘየገድስ ውላድ ንዘለዎ ተጋዳላይ፡ ንነፍስ-ወከፍ ሓደ ቆልዓ፦ $150.00 (ሓደ ሚእትን ሓምሳን ብር) ሓገዝ ክህብ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ኣብ'ቲ ኣኼባ ጸኒሐ እንዳወጻእኩ እንከለኹ ኢኻ ረኺብካኒ። መንበሪ ገዛይ ከኣ፡ ኣብ'ዚ ኣብ ሞዶሽቶ ዞባ 9 ኢየ ዝቕመጥ ዘለኹ። ጥዑይ ገዛ ኣይረኸብኩን። ግን፡ እዞም ቤተ-ክርስትያን ዝሓሸ ጥዑይ ገዛ ኣብ ዞባ 1 ክረኽቡለይ፡ ምስ'ቲ ናይ እንዳ 72፡ ጸሃየ ዝስሙ ኣማሓዳሪ ዞባ 01፡ ተዛሪቦም ወዲኦምለይ ኣለዉ። ምስ ኣቦ ደቀይ ምግዳፍና ኣይተርፍን ኢዩ። ኣቦ ደቀይ ሓሰን ኣባል መጓዓዝያ ምኳኑ ትፈልጦ ኢኻ? ትፈልጦ እወ!" ኢላ ባዕላ መሊሳትለይ።

 ብምቕጻል፦ "ቡቲክ ክጠፍኣካ፡ ዋላኳ ክልተ ቖልዑ ይውለደሉ፡ እዞም ፓድረ ኣይተቐበልዎን። ንሱ 'ውን ናብ'ታ ናይ ቀደም ተማሃራይ እንከሎ ዓርኩ ዝነበረት፡ ሕጂ ኣብ ግምሩክ እትሰርሕ ዘላ ኤልሳ ኢዩ ክምለስ ሓኾት ንዝብል ዘሎ። እተን ዝነበራኦ ክልተ እንዳቡቲክ ድኳኑ ኸኣ፡ ቅድሚ ሰብ ኢኹም መሊስክምሉ። ሕጂ ንስኻ ኸኣ ሓደ ቖልዓ ኣዲኡ ዝተሰዋኣቶ ውላድ ሒዝካ ኣቲኻ ስለ ዘለኻ፡ ዋላ ደቂ የሕዋትካ፡ ደቂ ሓፍትካ፡ ከም ደቅኻ ኣመዝጊብካ ገንዘብ ክትወስድ፡ ናብ'ዚ ቤተ-ክርስትያን ከመዝግበካ። ደሓር ከኣ በዓል ንስኻ ኣብ ወሳኒ ቦታ ስለ ዘለኹም፡ ነዚ ቤተ ክርስትያን ተድልዩዎ ኢኹም። ብመንገዶም ከኣ ማህደረ ትምህርቲ (ስኳላር-ሽፕ) ትረክብ" ክትብል፡ ናይ ሽዑ ብጸይተይ ደሃብ ፋይድቲንጋ ሉንጓ ከየዕረፈት ናይ ክልተ ፔሬድ ዲስኩር ኣስማዓትኒ።

"ደሃብ፡ ደሃብ፦ ናብ'ዚ ኹሉ ክትበጽሒ ድኣ ኣይቀልጠፍክን? ብዘይብኡ'ኸ ብዛዕባ እንታይ ኣመልኪትኪ ትዛረቢ ከም ዘለኺ ኣስተውዒልኩሉ ዲኺ?" ጌና ደሃብ ናብ መልሲ ምሃብ ከይሰገረት እንከላ፡ ብናይ ሓሳብ ሰረገላይ ናብቲ እትው ከይበልና ኣብ ድሮ መላእ ነጻነት ኤርትራ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ከባቢ ገዛውቱ ሞይቱ ናይ ዝተረኽበ፡ ኣብቲ እዋን፡ ጌና ጽልዋኡ ዘይሃሰሰ ዝነበረ ኣኽራሪ ዶክተር ያሲን ኣበራ ሓጎስ፡ ብዙሕ ዝበሃል ነገር ስለ ዝነበረ፡ ከም መበገሲ ኸኣ ሓደ ዝርብሽ ምንቅስቓስ ናይ ኣኽረርቲ ምስልምና (ጀሃድ)፡ ኣብ'ታ ሓዳስ ሃገር ክቀላቐል ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ'ቲ ጥቓ ከባቢ እንዳማርያም ዝርከብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ኣውቓፍል ንተጋደልቲ ንህዝባዊ ግምባርል ንውድብ ህዝባዊ ግምባር ፍጹም ካብ ልቦም ፊሒቖም ኣውጺኦም፡ ሃይማኖቶም ምስ ዝቕይሩ፡ ናብ ስዑድያ ናይ ዝኣትውሉ ቪዛን፡ እምነቶም ምስ ቀየሩ ኸኣ፡ ካዕበት ገንዘብ ክኽፈሎም ምዃኑ ዝገልጽ ዝተረኽበ ሰነድ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሓዳስ ሃገር ዝፈጠሮ ላዕልን ታሕትን፡ ንምእላዩ ዝተኸፍሎ ህይወትን ግዜን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ ደሃብ ዕላል 'ውን ቅያር ናይ'ዚ ክጥቐስ ዝጸንሐ ሕቡእ ምንቅስቓስን ውዳቤን ስምሪትን ዘለዎ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓኒ፡ ደሃብ ደጊማ ስመይ እንተዘይትጽውዓኒ፡ ክሳብ እቲ ዝኸድናዮ ናይ መወዳእታ መንገዲ ምቐጸልኩ ነይረ። እንተኾነ ግን ሳላ ጻዊዒት ደሃብ ናብ ንቡር ተመሊሰ፡ "እወ! ኣብ ሓሳብ እንዲየ ጸኒሐ  ደሃበይ" ኢለ ናብ ዛዕባይ ተመለስኩ።

"እወ ጽቡቕ እንዲኺ ዘለኺ ደሃብ፡ እዚ ቤተ ክርስትያን ንነፍስ-ወከፍ ውሉድ ተጋዳላይ $150.00 ብር (ሓደ ሚእትን ሓምሳብ ብር) ብነጻ ክህብ፡ ወይ ወርሓዊ ክኸፍልሲ፡ እንታይ ኢዩ ረብሓኡ? መቸም ኣፍኪ መሊእኪ ብነጻነት ኤርትራ ተሓጊሶም፡ ወይ ከኣ ተጋደልቲ ወሊዶም ብምምጸኦም ተመሲጦም፡ ደንጊጾም ደቆም ከተዓብዩዎም ኣይትብልንን ትኾኒ። ስለ'ዚ እንታይ ኢዩ ረብሓኦም? መጀመርያ እንተተብርህለይ ጽቡቕ ነይሩ" ብማለት ተወኪሰያ። ብዝኾነ ምስ ግዜ፡ ነቲ ኣብ እስላማዊ ኣውቃፍ ዝተራእየ ተርእዮን፡ ብመንገዲ በዓል ደሃብ ዝተጎስጎሰ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካቴድራለ ተወዲቡ ዝተበገሰ፡ ብመዓር ዝተሸፈነ ሓልዮት ንተጋደልትን፡ በብዝመጾ ሰነዳቱ ከም ዝዕጾ ተገይሩ። ንደሃብ ፋይድቲንጋ ሉንጓ ከኣ ተሪር መግናሕቲ ተዋሂቡዎም ከም ዝእለ ተገይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ንበዓል ቤታ ነበር ተጋዳላይ ሑሴን ቡቲክ፡ ነቲ ቅድሚ ሜዳ ምስላፉ ኣጥርይዎ ዝነበረ ትካሉን መንበሪ ቤቱን ይብጸሓኒ ኢዩ ብማለት፡ ነብሳ ሓዊሳ ዝፈተነቶ፡ ብብላዕ ፍርዲ ናይ ምቕናን መደብ ፈሺሉዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ብመንገዲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዝተኣትወላ መብጽዓ መንበሪ ገዛ 'ውን ደው ከም ዝብል ብምግባር፡ ነቲ ዝተራእየ ብልሽው ኣሰራርሓ ከተያ ከም ዝግበሮ'ኳ እንተተገብረ፡ ደሃብ ግን በዚ ኣየብቀዔትን።

>>> መንግስቲ ልቢ የዕብዩ ብኹሉ መዳይ ንኹነታታ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ እትበጽሖ የብላን ኢሉ ሸለል ክትበሃል ከም ዘለዋ ብምውሳኑ እንተዘይኮይኑ፡ ደሃብ ቤት-ትምህርቲ ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ኣስመራ ኣልያንስ-ፍራንስ ክጅመር እንከሎ ዝነበራ መደብን፡ ኣብ እዋን ህላዌ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፡ ቅሩብ ንሕልናኣ ዘዕርፍ ተግባራት እንተዘይትገብር ነይራ፡ በቲ ዲሒራ ኣብ ኤምባሲ ጣልያን ምስ ኣምባሳዶር ባልዲኒን ናይ ፈረንሳ ኤምባስን እንታይ ትገብር ነይራ፡ ዝያዳ ኹልና ባዕላ እትፈልጦ ሓቂ ስለዝኾነ እንተዘይቶኽቶኽናያ ይሓይሽ፡ ግምባርን መንግስትን ግን ጸወርቲ ኢዮም። 

ሎሚ ብጉልባብ ሓልዮት መንእሰያት፡ ናብ ቃልዕ ወጺእኪ ምብካይኪ ነቲ ተሸፊኑ ዝነበረ ጉድኪ፡ ባዕልኺ ንግዳም ክተፍእዮ እንተዘይኮይኑ፡ እተምጽእዮ ለውጢ ከም ዘየለ፡ ካብቶም ተጸምቢርክዮም ዘለኺ ሰባት ንላዕሊ፡ ባዕልኺ እትፈልጥዮ ሓቂ ኢዩ።

>>> እቲ ብሕጊ ተሞርኪስኪ፡ ንዝተፈቅደኪ ሕጋዊ ነገራት ጥራይ ክትነጥፍሉ ዝተዋህበኪ፡ ትካል መሸጣ ዕንጨይትን እንዳ ፈሓምን፡ ኣብ ዝተዋህበኪ መዓላ ኣብ ክንዲ ምውዓል፡ እንታይን ንምንታይን ክትጥቀምሉ ከም ዝተረኽብኪ፡ ኣብ ግዳም ኮይንኪ ምምላስ ድማ፡ ብመስርሕ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ቅቡል ብዘይ ምዃኑ፡ እቲ ጉዳይ ከኣ፡ ኣዝዩ ተኣፋፍን ተነቃፍን ብምዃኑ፡ ናብ ሃገር ኣቲኺ ባዕልኺ ቀሪብኪ ጉዳይኪ ከተረድኢ መጸዋዕታ ተገይሩልኪ፡ ጸማም እዝኒ ድሕሪ ምሃብኪ፡ መንግስቲ ነቲ ትካል ኣብ ቅድሚ ሕጋውያን ትካላትን ምምሕዳራትን ዝተረኽብዎ፡ ብፍቓድ ቤት ፍርዲ ክፍተሽ ምስ ተፈቕደ፡ እንታይ ከም ዝጸንሐ ባዕልኺ እትፈልጥዮ ሓቂ ኢዩ። 

>>> መንግስቲ ኸኣ ድሕነት መንእሰያቱን ዜጋታቱን ክሕሉ ግዴታ ኣለዎ። መንግስትን ግምባርን ከኣ ሃገር ከም መደብ ወያነ፡ መንእሰያት ብዕጸ-ፋርስን ጫትን ዝደንዘዘ ዜጋ ክፈርየላ ኣየፍቅዱን ኢዮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ጠበናጁን፡ ኣብ ዘይሕጋዊ መኻዚኖታት ክቕመጡ ይትረፍ፡ ውልቀ ዝተሓዝ ጠበንጃ ኣብ ኤርትራ ብፍጹም ፍቑድ ከም ዘይኮነ፡ ንስኺ ከም ተጋዳሊት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ኢየ ዝብል ዜጋ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ።

ስለ'ዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘይሰለጠካ ኣሰራርሓ ናይ'ቲ መንግስትን ግምባርን ምክትታል ህዝቢ ረጊጡ ምሕላፍ ምስ ከልኣካ፡ ሓላዩ ክትመስል፦ ሃየ! መርከብ መድሓኒ ስደተኛታት፡ ኖ! ምጹ ጥራይ ኣብ ማእከል ባሕሪ ክንቅበለኩም ኢና። ኣይፋል! እንተዘይሰሊጥኩም ከኣ፡ ኢድና ንድሕሪይ ጠዊና ከነልቅሰልኩም ኢና እንዳበልካ፡ ብጉልባብ ናይ'ቶም ንኽወጹ ባዕልኻ ዝጎስጎስካሎም መንእሰያት፡ ባዕልኻ ንኽወጹ ዓዲምካ፡ ባዕልኻ ሕጂ ወጺኦም ኢልካ ኣውያት፡ ደሓን ተበገሱ ኢልካ ኣበጊስካ፡ ኣብ ጥራሕ ጎልጎል ናብ ሽግር ምስ ኣሳጣሕካዮም፡ ሕጂ ኸኣ፡ ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ኢልካ ኣውያት፡ ኣብ መወዳእታ ንድሕነቶም ኢልካ ኣብ ዝጸዋዕካዮ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ብጉልባብ ስደተኛታት፡ ንድንጉራት ኣኪብካስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ቀይሩልና! ንወያነ ኸኣ፡ ሓጉዙልና። ንህዝብን መንግስትን ኤርትራን ከኣ፡ ኣግዱልና! ኢልካ ብኽያት ጫጭ ምባል፡ ካብ ዝቐመርካዮም ገበናት ነጻ ኣይገብረካን ኢዩ፡ ብጸይተይ ነበር ደሃብ ፋይድቲንጋ ሉንጓ። ምስትውዓል ከድልየኪ ኢዩ። ብዙሕ ምበልና ግን ይኣኽለኪ ጓል ፋይድቲንጋ ሉንጓ።    

ከም ወትሩ ንኹሉ ብኹሉ ድልዋት!!!

ሰማእታትና ብመብጸዖኦም ይደበሱ!!!
ከም ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!!

ካብ ታባ ወግሬት !
ባቢሎን

Credit to Sunshine Eritrea

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4390838677637805&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events