Dehai News

ጀጋኑ ተቓለስትን ተጋደልትን ደቀንስትዮ ኤርትራ!!! [ሓላልን ርህርህቲን ሓብሓቢትን ኤርትራዊት ኣደ!]

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Tuesday, 08 March 2022

÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷÷
   ተጋደልቲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ [ህ•ግ•ሓ•ኤ•/ሻዕብያ] ብፍላይ ኩሎም ተጋደልቲ ሰውራ'ውን ብሓፈሻ፣ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ህሉው ንምግባር ዝፈጸምዎ ዘስደምም ጅግንነትን ዝኸፈልዎ ከቢድ ኩለንትናዊ መስዋእቲን መወዳድርትን መዘናን የብሉን። ንሱ ድማ እታ ሓንቲ እንኮ ህይወቶም ምእንቲ ህዝብን ሃገርን በጅዮም ተሰዊኦም ሓሊፎም። ኣብ‘ቲ ኣንጻር ደርጋዊት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ካብ ዓሰርተታት ጊዘ ንላዕሊ ተወጊኦምን፣ ክፋላት መሓውሮምን ኣካሎምን ስኢኖምን ሰንኪሎምን እዮም። ከምሃርሉን ከምርዓወሉን ክወልድሉን ዝግብኦም ወርቃዊ ጊዘውን ምእንቲ‘ዛ ሃገርን ህዝብን ጠፊኡ እዩ። 

   እዚ ኹሉ ሓሊፉ ግን እቲ ዝግባእ ጻማኦም ከምቲ ዝድለ ከይረኸቡን ከየዕረፉን በታ መስፍናዊትን ዓለታዊትን ዓንዳሪት ስርዓት ጭፍራ ስርዓት ህ•ው•ሓ•ት• ነበር ንኤርትራ ዳግማይ ንምውራርን ንምጉባጥን [ንሱ ብኸቢድ መስዋእቲ ምስ ፈሸላ‘`ውን]፣ ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብወገንን ቀቢላን ሃይማኖትን ኣውራጃን ብዓድታት ከይተረፈ ንምኽፍፋል ንምብትታንን ዝፈተነቶ ምኹን [ብላሽ] ሸርሕታት ንምብርዓንን ንምስዓርን፣ ዳግማይ ዘይተኣደነ ኩለንትናዊ መስዋእቲ ክኸፍሉ ተገዲዶም እዮም። እዚ ግን ካብ ጸላእትኻን ሓለምትን እትጽበዮ እዮ። ንመሬትካን ንሪምካን ክዘምት ዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ኣባይ [ጸላኢ] ክግጠምን ክምከትን ዝነበሮን ዘለዎን ግድን ዘየማትእ ሃገራዊ ጉዳይ ኩሉ ኤርትራዊ እዩ። 

   እቲ ዘሕዝን ግን፣ በቶም ገለ ክፋል ኤርትራውያን ቀደም ኣብ ቃልሲ ኔሮም ጠፊሾም ካብ ሜዳ ኤርትራ ዝሃደሙን [ገለ ተረፍ መረፍ ተ•ሓ•ኤ• ነበር] ገለውን ተጋደልቲ ነበርን መንእሰያትን፣ ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሃዲሞም ዝወጹን፣ ነቶም ሃገር ዘምጽኡን ዘውሓሱን ቀጻልነት ኤርትራ ዘረጋገጹን ዛጊት‘ውን ገና ኣብ ሓለዋ ሃገር ዘለዉ ሰራዊትን ኣብ ተፈላለየ ትካላትን ጽፍሕን ኮይኖም ንሃገር ዝሰርሑን ዝሃንጹን ዘለዉ ባእታታትን ህዝብን ክዝንጥሉን ከናሽዉን ጸለሎ ክቐብኡን፣ ሕሉፍ ሓሊፎም‘ውን ኣብ ትሕቲ ጸላእቲ ኤርትራ ብገንዘብን ጥቅምን ተዓሲቦም [ጊልያ መሳፍንቲ ጉጅለ ህውሓትን ናይ ምዕራብ ጎይቶቶምን ብምዃን]፣ ኣንጻር ህዝቦምን ሃገሮምን ብዕሊን ብግብርን ኣዝዩ ዘሕፍር [ዘሕንኽ] ታሪኻዊ ገጋ [ክሕደት] ምፍጻሞምን፣ ገና'ውን ስጋብ'ዚ እዋን'ዚ ኣብ ምህውታት ምርካቦምን እዩ። 

  እቲ ትሕዝቶ ዘይብሉ ባዶ ገርወኛ እንተ ተላሀመ [ተሃርመ] ከም መቓልሕ ኣዝዩ ንእዝኒ ዝኹርኩሕ ድምጺ የጽምመካ እዩ። እቲ ምሉእ ትሕዝቶ ዘለዎ ግን ዋላ ደጋጊምካ እንተ ሃረምካዮ፣ እንትርፎ ኢድካ ምልብላብ [ምቑሳል] ግብረ-መልሲ ይኹን ድምጺ'ውን ኣይህበካንን ኣዩ። እዚ ኣብነት'ዚ ዘምጻእኩዎ ምኽንያት ድማ "ንዓሻ ደርጉሓሉ ክንደይ ከይፈልጦ፣ ንለባም ኣምተሉ ኣበይ ከይስሕቶ" ከም ዝበሃል፣ እታ ቀዳማይቲ ሕጥበ-ጽሑፍ ነዞም ኣብ'ዚ ዘመን ኣምጽኦ ቀይድን ተሓታትነት ዘይብሉ መርበብ መራኸቢታት ወጺኦም ሕብስቲ እንዳ ጓና እናበልዑን እናኾምስዑን ንሕብረተ-ሰባት ዝብትንን ፈጺሙ መሰረት ዘይብሉ ሓሶትን ጽልእን ሕሜትን ዘጋውሑን ኣብ በለጽን ሎቕምጽመጽን ተዋፊሮም ንገለ የዋሃት ኣሕዋቶምን መሳኪን ኣሓቶምን ዘታልሉን መብልዒ እንጀራኦም ጌሮሞ ዘለው ጐሓላሉ ባእታታትን ጉጅለታትን ትምልከት ኮይና፣ እታ ካልኣይቲ ሕጥቢ ምሳሌ ግን ነቲ መብዛሕትኡ ብቕንዕና ዝነብር ተሓጋጋዝን ሃናጽን ጻዕራም ሰራሕተኛን ተኸላኻሊ ሃገሩን ኣኽባሪ ህዝቡን ታሪኹን ሕቡን ኤርትራዊ ትምልከት እያ። ክንርስዖን ክንዝንግዖን ዘይግባእ ከኣ "ዝገብር ነዲኡ ነይነግር" ዝብል ምሳና ዝዓበየ ብሉጽ ግብራዊ እምር እኮ ኣሎና እዩ!

   ክቡራት ኣቦታትናን ወሓላሉ ኣደታትናን እንክምስሉ „ካብ ብዓል ጣፍ‘ሲ በዓል ኣፍ ወይ ድማ ካብ ዝዋጠየስ ዘውጠይጠየ“ ይብሉ። ዘመኑ ግን ብተዛማዲ ናይ ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ ናይ ሓሶት ናይ ምድንጋርን በለጽን ስርቂን እዋን ስለ ዝኾነ፣ እቲ ዝበዝሕ ሰብ ዝሓስብን ዝመራመርን ኣኣምሮ፣ ብደቂቕ ንነገራት ዝዕዘብን ዝመዝንን ኣቃውማ፣ ኣርሒቐን ዝጥምታ ኣዒንቲ ስለ ዘለውኦ፣ እዚ ኹሉ ቤላቤሎውን ቦለቲካዊ ምንዝርናን [ሽርሙጥናን] ንግዚኡ ንውሑዳት ገርሀኛታት እንተ ዘይኮኑ ንማንም ኣይከደናግርን እዩ። ግዚኡ በሊዑ [ቆርጢሙ] ድማ ኣብ ናይ ታሪኽ ረሳሕ ገረወኛ ተጓሒፉ ክሓልፍ እዩ። ምኽንያቱ „ሓሶትን ስንቅን`ሲ እናሓደረ ይፎኩስ“ ስለ ዝኾነ።

   ብምኽንያት መዓልቲ በዓል ደቀንስትዮ ዕለት 8 መጋቢት 2022፣ ንተባዓት ጀጋኑ ክቡራን ኣሓትና ኤርትራውያን ብፍላይ ተሰከምቲ ዓቢ ጾር ሕብረተሰብ ዝኾና ደቀንስትዮ ዓለም ድማ ብሓፈሻ እምበኣር፣ ብርሃን ናይ ኣደራሽን ፈረይቲን ቀጻልነት ወለዶን ባእታ ቡቕሊ [ፈልሲ] ስድራቤትን ዓንዲ-ሕቖ ሃገርን ኣውሓስትን ሓብሓብቲን ጠወርትን ፍጡራት ስለ ዝኾንክን፣ ብኹሉ መዳያት ዓውደ-ትምህርቲ እትምዕብላሉ፣ ምሉእ ርእሰ-ተኣማንነት እትሃንጻሉ፣ ኣብ ኩሉ ዓውደ-ስርሓት ማዕርነትክን ብቓልስኽን እትጭብጣሉን ተረጋግጻላን 21 ክፍለ-ዘመን ንኽኾነልክን ልባዊ ምንዮተይ ይገልጸልክን!!!
                                       •••••••••
•√> ጽባቐ ትሽዓተ ብሄራትና......ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና እዩ!!!

  •√> ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንስውኣትና፣ ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ናይ ሓርነታዊን ምክልኻል ልኡላውነትን ኲናት ስንኩላን ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትና!!!

 •√> ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኽቡራት ሓርበኛታት ኤርትራውያንን ተብዓት ጀጋኑ መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

  •√> ዓወት ንሓፋሽ!

ኽቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፣ እዚ ዎ‘ደሓንኩም፣ ኣይተስተዋሕድዎ ኸኣ!!!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠
ሓጺር መብርሂ ተንቀሳቓሲ ስእልታትን ደርፍታትን፣

1• "Eritrean Documentary Eritrean Women" !

[Rim Entertainment]
https://youtu.be/x4Zp1c2I53M

2• „ኤርትራዊት ኣደ፣ ንናጽነት ተቓለስቲ ደቀንስትዮ ኤርትራ“

3•  „ሓያላት ተዋጋእቲ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ“ 1ይን 2ይን ክፋላት 

4• „ኤርትራዊት“ ብስነ ጥበበኛን ድምጻዊትን ክኢላ ጊታርን ሓርበኛ ኣበባ ሃይለ

5• „ተጋዳሊት ቅርሲ ኣለኺ'ዶ“ ብስነ ጥበበኛን ድምምጻውን ኢሳይያስ ደበሳይ [ሃለቃ] 

https://youtu.be/LP3wxoOSx4U

6•  „''ኣደየ ማማ ተዘከሪ' ኣዴታት ሰውራ-ብስነ ጥበበኛን ክኢላ ክራርን ድምንጻውን ሓርበኛ ተኽለ ከፍለማርያም [ወዲ ትኹል]

7• „'ወላዲት ኤርትራ' ግጥሚ-ብሓንቲ ዋርሳዪት መንእሰይ ተቐባሊት ሕድሪ ኣብ ሳዋ

9• ሓያሎ ደረቕ ስእልታት ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ክልተ'ውን ናይ ዋርሳይት
••••••••••••••
  https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4863785990343069&id=100001351497949&sfnsn=scwspmo

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events