Dehai News

EmbassyMedia - ዝኽሪ ሰነ - ካብ እትዝከረሉ ታሪኻዊ ፍጻመታት ሓደ፡ ፍሽለት 3ይ ወራር ወያነ’ዩ።

Posted by: Yared Tesfay

Date: Wednesday, 15 June 2022


ዝኽሪ ሰነ!
እቲ ብ12 ግንቦት 2000 ብግንባር መረብ-ሰቲት ዝጀመረ 3ይ መጠነ ሰፊሕ ወራር ወያነ፡ ናብ ግንባራት ደቡብን ዓሰብን ልሒሙ፡ ንሰሙናት
ድሕሪ ዝቐጸለ ግጥማት፡ ኣብ መፋርቕ ሰነ 2000 እዩ ብስዕረት ወራሪ ሰራዊት ወያነ ተደምዲሙ። ብቓላት ኣባል ፖሊት ቢሮ ወያነ ዝነበረ ገብሩ ኣስራት ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ወያነ ሰብኣዊን ንዋታዊን ጸጋታት ህዝቢ ኢትዮጵያን ዘይተኣደነ ደገፍ ኣሸቀልቱ ምዕራባውያን ሃገራትን ሰኒቑ ዘበገሶ ሳልሳይ ዕንደራ፡ ልክዕ ከም ናይ ካልኣይ ወራር፡ ንዕርዲታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣፍሪስካ፡ ኣስመራ ብምሓዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ምዕላው እዩ ዝነበረ።





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events