Dehai News

EmbassyMedia - ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብሪጣንያ - 23-24/7/2022 ኣብ ሎንዶን!

Posted by: Yared Tesfay

Date: Thursday, 21 July 2022

ፌስቲቫል ከም ልሙድ መላእ ማሕበረኮም ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ባህሉ፥ ልምዱን፥ ክቡር ያትኡን ንሓድሽ ወለዶ ዘሰጋገረሉ፥ ሃገራዊ ምርኢት ዘቕርበሉ፥ ንካልኦት ዜጋታት ዘፋልጠሉን ኮይኑ፥ ፍርያቱ ንህዝቢ ኣብ ምፍላጥን ምሻጥን ባይታ ዝረኽበሉ፥ ከምኡ`ውን ሞይኡን መሃዝነቱን ንህዝቢ ዘርእየሉ ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። እንሆ ድማ ሎሚ ዓመት ፌስቲቫል ብሪጣንያ 2022 ካብ ዕለት 23-24/7 ኣብ ምጽፋፍ ንርከብ ኣሎና። ፌስቲቫልና ብዕድመ ዝደፍኡ ዓበይቲ፥ ማእከላይ ዕድመ፥ መንእሰያትን፥ ኣብ ዝተፈላለየ ዕድመ ዘለዎ ህጻናት ዘሳትፍ መራኸቢ ባይታ ኮይኑ፥ ሓደ ስድራቤታዊ ምትእኽኻብ ዘአንግድ መንፈስ ኮይኑ ክቐርብ ናይ ኩላትና ተሳትፎን ምትሕግጋዝን ስለዝጠልብ ሓያል ጻዕሪ ከድልየና እዩ።

EmbassyMedia - ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ብሪጣንያ - 23-24/7/2022 ኣብ ሎንዶን!




7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events