Dehai News

ሓተታ፥ ማሕበራዊ ክብርታትና – ክብረትና ሓበንና

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 23 July 2022

ሓተታ፥ ማሕበራዊ ክብርታትና – ክብረትና ሓበንና

ሓተታ

  • ቀዳም፡ 23 ሓምለ 2022

ማሕበራዊ ክብርታትና – ክብረትና ሓበንና

እዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ንደቂ-ሰብ፡ ንኹሉ ሕብረተሰባት፡ ንኹለን ሃገራት – ፈታኒ’ዩ ኔሩ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ነተን “ማዕቢልና ኢና፣ ሕክምናዊ ዓቕሚናን ኣገልግሎታትን በቃ ዘበለ’ዩ” ኢለን ዝጀሃራ ዝነበራ ሃገራት፡ ዕርቃነን ኣውጺእዎ። ዜጋታተን በቲ ለበዳ ብኣእላፍ ክልከፉን ክቕዘፉን ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ክንዲ ዝተሓላለያን ዝተሓጋገዛን፣ ሓድሕደን ክካሰሳን ክባላዓን ተራእየን። ‘ሰብ ናብ ሰቡ፡ ዝብኢ ናብ ገረቡ’ ኰይኑ።

እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ – ከም ወሰኽ መጠን-ሙቐት፡ ብርትዐ ህቦብላ ማይን ዕልቕልቕ ወሓይዝን – ኣብ ዝቕልቀለሉ ግዜ’ውን ይድገም ኣሎ። ንዓቕሚ ሃገራትን ሕብረተሰባትን፣ ከምኡ’ውን ንማሕበራዊ ስኒት ህዝብታተን፡ ክሳብ ናይ መወዳእታ ደረቱ ይመጦ ኣሎ።

ኲናት ዩክሬን ድማ – ገና መንፈቕ ከይሓለፎ – ሃገራት፡ ኣውራ ሃገራት ምዕራብ፡ ጉልባበን ዝቕልዓሉ፣ ምስሉይነተን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል፥ ናጽነት ፕረስን ስነ-ጥበብን፥ ናጽነት ስፖርት ካብ ፖለቲካ፥ ሰላምን ሰላማዊ ፍታሕን፥ ኣጉል ፍልፍስንኤን ኣብ “ብጹእነት ብሕታዊ ዋንነት” ከይተረፈ ዝተቐንጠጠሉ፣ ናብ ተራ ዘመትቲ ብሕታውን መንግስታውን ንብረት ካልኦት ዝተቐየራሉ፣ መሰረታዊ ሃለኽቲ ዝተሳእነሉ፡ ዋጋታት ሰማይ ብምዕራጉ ዜጋታተን ስድራቤቶም ንክዕንግሉ ዝተሸገሩሉ፥ ስርቅን ገበንን ዝበዝሓሉ፡ ኣድማታት ሰራሕተኛታትን ተቓውሞ ዜጋታትን ዝዓበየሉ፥ ናይ ምሕማስ ተርእዮ ኰይኑ ኣሎ።

ብመንጽር’ዚ ተርእዮታት’ዚ፡ ተመሊስና ኩነታትና ምስ እንዕዘብ፡ ኣብ ርእሲ ልቦና፡ ልቦና ዝውስኽ ትምህርቲ ዝቕሰሞ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት፡ ኣብ ትሕቲ ተሪርን ዘየቋርጽን ተጻብኦን ውዲታትን ኣዝዩ ጽንኩር ግዜን መሪር ሽግራትን እዩ ኣሕሊፉዎ። ኣብ ርእሲ ኲናትን ከቢድ ሳዕቤናቱን፣ ዝተፈላለየ እውጅን ዘይእውጅን እገዳታት፡ ሃገርን ሰባን ኣባዲንካ ዛዕባታትካ ንምዕዋት ዝተሃቀነ ቁጠባዊን ጸጥታዊን ሽርሒታት ወዘተ.፡ መቚጸሪ የብሉን። ሳዕቤናት ኮቪድን ካልእ ዓለማዊ ክስተትን ድማ ኣብ ርእሲ ኣላታ ተወሰኸታ።

ንኸምዚ ዓይነት እምብዛ በዳሂን መሪርን ኩነታት ህዝብና ብኸመይ ሰጊሩዎ ምስትንታን ዘለካ ጸጋታት ከተገናዝብ ሓጋዚ እዩ። መልሲ ናይዚ ሕቶ’ዚ ብቐንዱ ኣብ ማሕበራዊ ክብርታት ሕብረተሰብና እዩ ዝርከብ።

ኣብ እዋን ኮቪድ ንኣብነት፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም ኩሎም መንግስታት፡ ተሪር ስጉምቲ’ዩ ወሲዱ። እቲ ስጉምቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወትን መነባብሮን ዜጋታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ንጥፈታት ተጽዕኖኡ ቀሊል ኣይነበረን። እንተኾነ ህዝቢ ነዚ ዘይንቡር ክስተት’ዚ ንምስጋር፡ ጸኒሕ ባህሉን ክብርታቱን መሰረት ብምግባር፡ ዕለታዊ ድራሩ ዝምእርረሉ ሽቕለትን ቁጠባዊ ንጥፈትን ብምቁራጽ፡ ብጽንዓትን ምጽማምን በዲሁ። መምርሒታት ኣብ ምትግባር ልዑል ንቕሓቱን ውዳበኡን ዳግም ኣመስኪሩ። “ምስ ሰብካ መዓት ዳርጋ ግዓት” ፍሉጥ ምስላ ኤርትራውያን እዩ። ክንዲ ዝኾነ፡ ንሓድሕዱ ብምትሕልላይን ብምድግጋፍን፡ ንጽጉማት ብምርዳእ ዘርኣዮ ጭውነት መግለጺ ኣይርከቦን። ኣብ ውሽጢን ወጻኢን ዝርከቡ ዜጋታት፡ ዜግነታዊ ሓላፍነቶም ብምግንዛብ፡ ማዕከን ምክልኻል ኮቪድ ንምስሳን፡ ብወለንታኦም፡ ብዙሕ ገንዘባዊን ንዋታዊን ደገፍ ኣበርኪቶም።

እዚ ናይ ኮቪድ እዋን ከም ኣብነት ኣቕሪብናዮ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንልዕሊ 80 ዓመታት፡ ኣዝዩ ጽንኩር ፓለቲካዊን ቁጠባዊን ጸጥታዊን ኩነታት ተጻዊሩ ዝሰገረ ህዝቢ እዩ። ኣብዚ ዝተጠቕሰ መሪር እዋን፡ ውሱን ዝዓቕሙ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ዘይጽዓድ ሓይሊ ተቐይሩ፡ በይኑ ንርእሰ ሓያላን ስዒሩ፡ ከቢድ ውዲታት ሰጊሩ ህላወኡን ቀጻልነቱን ከም ህዝቢን ሃገርን ከረጋግጽ ዘብቅዖ ብርቱዕ ዕጥቂ፡ ብሉጽ ማሕበራዊ ክብርታቱ እዩ።

ቀዳመይቲ ቤት ትምህርቲ ናይዚ ብሉጽ ማሕበራዊ ክብርታት፡ ኤርትራዊት ስድራቤት እያ። ኤርትራውያን ቆልዑ፡ ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም፡ ንወለዶምን ኣሕዋቶምን ካልኦት ዓበይቲን ከኽብሩ፡ ምስ ጎረባብቶምን መቕርቦምን ብፍቕሪን ሓድሕዳዊ ሓልዮትን ክነባበሩ፡ ፈተውቲ ህዝቦምን ዓዶምን ክኾኑ፡ ምስ ጽጉማት ወገናቶም ክደናገጹን ክደጋገፉን ከምዝግባእ እናተማህሩ፡ ብጥዑይ ስነምግባር ተዀስኲሶም እዮም ዝዓብዩ። ገና ብንእሰነቶም ከኣ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ካብኦም ዝሕተት ይፍጽሙን ሓላፍነት ይስከሙን። ንዝኾነ ጉዳይ ተሓጋጊዚም የጸብቑ፣ ብወፈራ፡ ሓባራዊ ዕማማት ይዓሙን ጽጉማት ይሕግዙን። ኮታ ማዕረ ውልቃዊ ህይወቶም፡ ብሃለዋትን ድሕነትን ወገኖም ይግደሱን ይተሓጋገዙን።

በይነይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣተሓሳስብ ዝፍንፍን፡ ሓድሕድ እናተላዘበ፡ ሓባራዊ ፍታሕ ዘናዲ እኩብ ባህሊ ተጻዋርነትን ምትሕልላይን፡ እቲ ቀንዲ መጣምር ሕብረተሰብን መሰረት ዓወትን እዩ። ፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ እውን ብቐንዱ ነዞም ክብርታት እዚኣቶም መሰረት ዝገበረ እዩ። ምኽንያቱ ሕብረተሰብ፡ ከምዚ ዓይነት ክብርታት እንተዘይብሉ፡ ጥምረቱ ልሕሉሕ እዩ ዝኸውን። ከምዚ ክበሃል እንከሎ፡ ከም ህዝቢ ካብ ካልኦት ህዝቢታት ፍሉያትን ብሉጻትን ኢና ንምባል ኣይኮነን። ኩሎም ሕብረተሰባት፡ ዋሕስ ጥምረቶም ዝኾነ ነናቶም ብሉጽ ክብርታት ነይሩዎም ኣለዎምን። የግዳስ፡ ብፍላይ ኣብ ገለ ሃገራት፡ ማሕበራዊ ክብርታት፡ ንረብሓ ገበትቲ ሓይልታት ስለዘየገልግል ደይ መደይ ኢልካ ከምዝዓኑን ብውልቃውነት ከምዝትካእን’ዩ ተገይሩ። ውልቃውነት እምበኣር፡ ምዕባለ ኣምሲልካ፡ ዝተዀስኰሰ ድሕረት እዩ። መርኣያ ንቕሓትን ምዕባለን ዘይኮነ ድማ፡ መርኣያ ክቱር ስስዐን ትሑት ንቕሓትን፡ እዩ። ከምዚ እንዕዘቦ ዘለና፡ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን፡ ኣብ ብዙሓት ሕብረተሰባት ማሕበራዊ ክብርታት ፍጹም ሃሲሱ እዩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዓለማዊ ተርእዮታትን ዘኸተሎ ነውጺን ሃጸፍጸፍን ነዚ እዩ ዝምስክር።

በዚ መንጽር ክርአ እንከሎ፡ ህዝብና ክሳብ ክንደይ ጸዋርን ኣስፊሑ ዘገናዝብን ምዃኑ ምርዳእ ኣየጸግምን። ብርግጽ ድማ፡ ኤርትራውያን ማሕበራዊ ክብርታትና ሳላ ዝዓቀብና፡ ወነንቲ ብዙሓት ክረኽብዎ ዘይክእሉ ዓቢይ ጸጋ ኢና። ክንዲ ዝኾነ፡ እዞም ንሓባራዊ ህይወትና ዘመቅሩን ዝሰርዑን፡ ጽንኩር ኩነታት ብምትሕልላይን ሓድሕድ ምትሕብባርን ንምስጋር ዘኽእሉ፡ ብሉጻት ማሕበራዊ ክብርታት፡ ከም ብሌን ዓይንና ክንሕብሕቦም፡ ምስ ግዜን ኩነታትን ከምዝስጉሙ ብምግባር ክንዕቅቦምን ከነማዕብሎምን የድሊ። ሕጂ እውን ከም ትማሊ ዋሕስ ህላወናን ምዕባለናን፡ ምንጪ ክብረትናን ሓበናን፡ ማሕበራዊ ክብርታትና እዩ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events