Dehai News

ሕድሪ ዘይጠለመ መራሒ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Tuesday, 10 January 2023

ኤሱ ጠንቋሊ'ዩ ክብሉኻ ሰሚዔ፡
ትንቢትካ ምስ ኮነስ ተሰማሚዔ።
* ሓረስታይ'ዩ ክብሉኻ ሰሚዔ፡
ገርገራ ምስ ረኤኹስ ተሰማሚዔ።
* ሓርበኛ'ዩ ክብሉኻ ሰምዔ፡
ዕጥቅኻ ምስ ረኤኹስ ተሰማሚዔ።
* መምህር'ዩ ክብሉኻ ሰሚዔ፡
ሙሁራት ምስ ረኤኹስ ተሰማሚዔ።
* በቃቕ'ዩ ንነብሱ ክብሉኻ ሰሚዔ፡
ናብራኣኻ ምስ ረኤኹስ ተሰማሚዔ።
* ሓቆም እንድዮም ሃሱሳት ክጸልኡኻ፡    
ንስኻ ንሃገር ትብል ምሉእ ዕድመኻ።                    
ንሶም ንኸብዶም፡  ንስኻ ንህዝብኻ፡
ኣፍሪቃ ምሓለፈላ እንተዝህልዉ ከማኻ።
ነዊሕ ዕድመን
ምሉእ ጥዕና
   ይሃብካ


My vision for Eritrea: using the power of mathematics to inspire innovation, education, and nation-building. Let’s build a stronger future together.

Dehai Events