ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሪፖብሊክ ሱዳን ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ትማሊ 22 ለካቲት ምስ ዋና ጻሓፊት ዓለማዊ ባይቶ ምሕዝነት ህዝቢታት ሱዳን ኣሰይዳ ሰልዋ መሓመድ ማሕጁብ ተራኺቡ ንተራን ኣበርክቶን ህዝባዊ ድፕሎማሲ ኣብ ምሕያል ክልትእዊ ዝምድናን ኣሓት ሃገራት ኤርትራን ሱዳንን ዘትዩ።
ኣምባሳደር ዒሳ ኣብቲ ርክብ ማሕበር ምሕዝነት ኤርትራን ሱዳንን ንጥፈታቱ ንምድራኽ ዝካኣለሉ መገዲታትን ቤት ኣል ኤርትሪ ንምምዕባልን ኣብ መዓላ ክልትኡ ህዝቢታት ዝውዕለሉ ተተሕዙ ዘሎ መደባት ብሰፊሑ ዘትዩ።
ዋና ጻሓፊት ዓለማዊ ምሕዝነት ሱዳን ብወገና ንተገዳስነትን ቀጻሊ ምኽርን ኣምበሳደር ዒሳ ድሕሪ ምምስጋን ህዝባዊ ድፕሎማሲን ጽልውኡ ኣብ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ዘለዎ ኣበርክቶ ብምግንዛብ ኤርትራ ንእተካይዶ ኩሉ መዳያዊ ጽምዶ ኣመስግና።
ኣብቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ እስማዒል ሙሳን፡ ዋና ጻሓፊ ማሕበር ምሕዝነት ኤርትራን ሱዳንን ኣቶ እድሪስ መሓመድሲዒድ፡ ብወገን ሱዳን ድማ ኣሰይዳ ኣሳላ ዓብዱረሒም ሓላፊት ኣፍሪካን ግሩፕ፡ ከምኡ'ውን ዳይረክተር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዓለማዊ ባይቶ ኣሰይዳ ቢልቄስን ኣልሼኽ ተሳትፈን ኔረን።