Dehai News

ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሪፖብሊክ ሱዳን ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ምስ ዋና ጻሓፊት ዓለማዊ ባይቶ ምሕዝነት ህዝቢታት ሱዳን ኣሰይዳ ሰልዋ መሓመድ ማሕጁብ ተራኺቡ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 23 February 2023

23 ለካቲት 2023

ዜና ህዝባዊ ዲፕሎማሲ

ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሪፖብሊክ ሱዳን ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ትማሊ 22 ለካቲት ምስ ዋና ጻሓፊት ዓለማዊ ባይቶ ምሕዝነት ህዝቢታት ሱዳን ኣሰይዳ ሰልዋ መሓመድ ማሕጁብ ተራኺቡ ንተራን ኣበርክቶን ህዝባዊ ድፕሎማሲ ኣብ ምሕያል ክልትእዊ ዝምድናን ኣሓት ሃገራት ኤርትራን ሱዳንን ዘትዩ።

ኣምባሳደር ዒሳ ኣብቲ ርክብ ማሕበር ምሕዝነት ኤርትራን ሱዳንን ንጥፈታቱ ንምድራኽ ዝካኣለሉ መገዲታትን ቤት ኣል ኤርትሪ ንምምዕባልን ኣብ መዓላ ክልትኡ ህዝቢታት ዝውዕለሉ ተተሕዙ ዘሎ መደባት ብሰፊሑ ዘትዩ።

ዋና ጻሓፊት ዓለማዊ ምሕዝነት ሱዳን ብወገና ንተገዳስነትን ቀጻሊ ምኽርን ኣምበሳደር ዒሳ ድሕሪ ምምስጋን ህዝባዊ ድፕሎማሲን ጽልውኡ ኣብ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ዘለዎ ኣበርክቶ ብምግንዛብ ኤርትራ ንእተካይዶ ኩሉ መዳያዊ ጽምዶ ኣመስግና።

ኣብቲ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ሓላፊ ህዝባውን ኮማውን ጉዳያት ኣቶ እስማዒል ሙሳን፡ ዋና ጻሓፊ ማሕበር ምሕዝነት ኤርትራን ሱዳንን ኣቶ እድሪስ መሓመድሲዒድ፡ ብወገን ሱዳን ድማ ኣሰይዳ ኣሳላ ዓብዱረሒም ሓላፊት ኣፍሪካን ግሩፕ፡ ከምኡ'ውን ዳይረክተር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዓለማዊ ባይቶ ኣሰይዳ ቢልቄስን ኣልሼኽ ተሳትፈን ኔረን።
Inline image






7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events