Dehai News

Press & Media Coverage London Peaceful Demonstration 23/9/2023

Posted by: Yared Tesfay

Date: Tuesday, 26 September 2023

The British Eritrean Communities & Organisations Network (BECON) is an umbrella organisation whose collective platform is dedicated to representing and advocating for the interests of British.

Sep, 22, 2023, British Eritreans from across the UK, Birmingham, Manchester, Liverpool, Coventry, Newcastle, Leeds, Sheffield, Southampton, Leicester, Nottingham, Glasgow, & Cardiff, came together in a powerful demonstration in front of Downing Street.

BECON wishes to express its deep appreciation for the dedication and commitment demonstrated by the young British Eritreans and stewards who arrived early on Friday morning to ensure the peaceful conduct of the event. #EritreaMyLove #EritreaPrevails


እዋናዊ ጉዳይ - ጸብጻብ ኣብ ሎንዶን ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ DimTsi Hafash Eritrea/ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ


EmbassyMedia - ሪፖርታጅ - ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ 22 መስከረም 2023 ኣብ ከተማ ለንደን !


EmbassyMedia - ሰፊሒ ሰለማዊ ሰልፊ 'ብስጡም መስርዕ' ዓርቢ 22 መስከረም 2023 ኣብ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣኒያ!


https://www.youtube.com/watch?v=50TzHZRW8rI


Peaceful Eritrean Community Demonstration in London ብሰላማዊ መንገዲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሎንዶንsolomedia9376


እዚ ሕልኩሱ ቦሉ ስምዑዋ ብገበናት ኪናት ተሓታታቲ ማን ዉዕሎ ትማሊ ካብ ሎንዶን ምሰ ሓውና ዳዊት@solomedia9376@AlenaWaltaHager


Eritrean peaceful demonstration london uk 22/2023


PEACEFUL DEMONSTRATION LONDON 2023 LONDON-UK ሰላማዊ ሰልፊ አብ ዓባይ ብርጣንያ 2023::



Eritreans in UK Peaceful Demonstration In London Friday 22 September 2023.


እንኳዕ ናትና ኮንኩም ደቂ ኤረይ



ERINA - ሰላማዊ ሰልፊ ንዓርቢ 22/9/2023 ኣብ ክተማ ሎንዶን - ፍሽለት ዓቢ ውዲት - ዝፈጠሮ ዕብዳን!


ትም ሕትም ኮይና - ሎንደን 23/09/2023


ዓወት ኤርትራውያን ሎንደን - ሎሚ 22-09-2023 ዕውት ሰለማዊ ኣካይዶም::


Sep 22,2023-ሰለማዊ ሰልፊ ዓዲ-እንግሊዝ |Live |


Sep 22,2023-ጭውያ፣ቅትለት ኤርትራውያን |እዚ ዓወት ድግም ዓዲ እንግሊዝ |


sep 23/2023 ሪፖርታጅ ሎንደን



ዕዉት ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ለንዶን - እዚ እዩ መለለይ ኤርትራውነት ዘኹርዕ መንነት



Tigray Media Network አድጊ ንሓማቱ ካብ ለንደን ሃዲሙ Sep 22, 2023



PEACEFUL DEMONSTRATION LONDON 2023 LONDON-UK ሰላማዊ ሰልፊ አብ ዓባይ ብርጣንያ 2023::



ከተማ ሎንዶን ዘንቀጥቀጠ ሰለማዊ ሰልፊ #EritreanUnityWorldWideEPLF1


ኩሉ ኤርትራዊ ክሳተፎ ዘሎዎ ሰለኣዊ ሰልፊ - #EritreanUnityWorldWideEPLF1


Radio Gothenburg Dimtsi Eritra  
https://www.facebook.com/dmtsiertrawyan/videos/7310122215670852

"ሓጺር ዜናዊ ጸብጻብ መጠነ ሰፊሒ ኣራሚ ህዝባዊ
ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዓባይ ብሪጣኒያ ከተማ ለንደን"

Nacfa Press
𝐄𝐫𝐢𝐭𝐫𝐞𝐚𝐧𝐬 𝐈𝐧 𝐋𝐨𝐧𝐝𝐨𝐧 𝐃𝐢𝐝 𝐀 𝐆𝐫𝐞𝐚𝐭 𝐉𝐨𝐛 𝐖𝐢𝐭𝐡 𝐓𝐡𝐞 𝐏𝐨𝐥𝐢𝐭𝐢𝐜𝐚𝐥 𝐌𝐞𝐬𝐬𝐚𝐠𝐢𝐧𝐠/𝐒𝐲𝐦𝐛𝐨𝐥𝐢𝐬𝐦
Protest displaying Eritrean revolutionary figures and slogans are intended to center the masses.✅
No image of any current Eritrean leadership ✅
The messaging is intended to defend both the Eritrean state and the Eritrean community with clear symbolism that cannot be denied . ✅
Also we should include women revolutionary figures as well.
Great job organisers of the protest with the slogans and correct messaging/images.

ኤርትራውያን ዲያስፖራ ማሕበረሰብ ዓባይ ብሪጣንያ ሎሚ ዓርቢ 22 መስከረም 2023 ኣብ ለንደን ኣብ ዳውኒንግ ስትሪት፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ተኣኪቡ፡ መሰል ሰላማዊ ምትእኽኻብ ክሕሎን ንጉጅለታት ዘፈራርሕ፡ ዘሸግሩን ዝሃርሙን ጉጅለታት ሕጋዊ ተሓታትነት ክረክቡ ጸዎዖም።






Eritreans in London staged a demonstration to call on the authorities to protect the diaspora following last-minute cancellations of cultural festivals in the Capital (September 22). The events which have taken place in various European cities have ended in violence as opposition groups say the festivals promote Eritrean government propaganda and have clashed with attendees and the police. Whitehall was heavily policed as the protest took place, with police horses and numerous police vans lining the street close to the Downing Street.
www.newsflare.com









Police Horses in full RIOT GEAR as Eritrean protestors mass on Whitehall ahead of a march. #thekingsguards #kingsguard #horseguards #changingoftheguard #royalguards #thebluesandroyals #horseguardsparade #london #horses #thekingslifeguard #theroyalfamily #thehouseholdcavalry #military #army #buckinghampalace #kingcharles #londonwalk # ...
www.youtube.com

Press Release - British Eritrean Communities and Organisations Network Celebrates Successful Demonstration for Rights and Culture


ሳሕል ፕረስ!!!
ዕለት:- 22 መስከረም 2023,
ሪፖርታጅ:- ሓያል ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን:
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ!!!
ሳሕል ፕረስ!!! ነቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብማሕበር-ኮም ኤርትራውያን ዓባይ ብሪጣንያ ተወዲቡ ክካየድ ንዝወዓለ: ሰፊሕ ሃገራዊ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብኣካል ቀሪቡ ክከታተሎ ዊዒሉ::
በዚ መሰረት ወኪልና ወኪል ሳሕል ፕረስ!!! ዘርኣይ ሰሎሞን ዝለኣኸልና ሪፖርታጅ ናባኹም ናብ ተኸታተልትና ነብሎ ኣለና ሰናይ ምክትታል ንባብ:-
ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብትምህርትን ስራሕን ናይ ስደተኛ ዑቕባነትን ምኽንያት ብምግባር: ካብ 1960 ጀሚሮም ክሳብ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመተ 2023 ክቱር ብዝሒ ዘለዎም ኤርትራውያን ዝነብሩ ኮይኖም: ክሳብ ሕጂ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዲያስፖራ ካብ መቦቆላዊ ቛንቛታት ኣዴታቶምን መንነቶምን: ባህላዊ ክብርትታቶምን: ታሪኻዊ ክብሮምን ከየሰናኸሉ: ንዘራኽቦም ሃገራዊ ክብሪ ዓቒቦም ኣብ እዋን ቃልሲ ንነጻነት ነቲ ዝወርድ ዝነበረ ቀዝሕን በረድን: ኣሳሒታን ዝናብን: ቁርን ንፋስን ተጻዊሮም: ነቲ ኣብ'ቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕን መቕተልትን: ማእሰርትን መርሸንትን: ንሰውራ ኤርትራ ንምድኻምን ንምድምሳስን ዝካየድ ዝነበረ ደብዳብ ነፈርቲ ክላስተር ቦምብን: ቅመማዊ ጋዝን ንምቅዋምን ንሰውረኦም ንምሕጋዝን ምትብባዕን ዝገብርዎ ዝነበሩ ውጺኢት ገንዘብን: ምስ ህዝቦምን ሰውረኦምን ዝነበሮም ዝምድና ኢድን ጓንትን ክሳብ ሎሚ መስርዖም ከይበታተኹ: ንነጻነት ሃገረ ኤርትራ ኣረጋጊጾም:: ሉኡላውነት ኤርትራ ዘውሓሱን ንኹሉ ናይ ገናዞን ገራዞን ሽርሒ በዲሆም: ሃገር ብጽንዓታ ደው ኢላ ከም እትቐውምን ኣትኪላ ክሳዳ ኣቕኒዓ ኣብ መጋባእያታት ዓለም: ነተን ሓያላት ዓለም ኢና ዝብላ ዝነበራ ርእሰን ዘድነና ዓበይቲ ሃገራት ኣቃሊዑ ብርከን ዘድከመ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ:: ሎሚ ዓርቢ ዕለት 22 መስከረም 2023: ኣብ ማእከል ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ሎንዶን ዳውንታውን ስትሪት ዓለም ዘናወጸ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ዊዒሉ::
ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ንዓርቢ 22 መስከረም 2023: ኣብ ከተማ ሎንዶን ዳውኒንግ ስትሪት ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝካየድ: ብመንገዲ ኤምባሲ ሜድያ ሎንዶን ተቓሊሑ ናብ ኩለን ኤርትራውያን ማሕበራዊ ሜድያታት ተመሓላሊፉ ናብ መላእ ዓለም ምስ ተጋውሐ: ኩሉ ካብ ዝነበሮ ቅዛነት ተበራቢሩ: እታ ግዜ ሎሚ ዘይኮነ ሕጂ ኢዩ ብማለት: ኩሉ ናብ ስራሕ ዝዋፈር ካብ ስርሑ ፍቓድ ክወስድ: ኣሸበሸብ ኣብ'ታ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ሕክምና ቆጸራ ዝነበሮ ቆጸርኡ ከመሓላልፍ: ኣብ ርሱን ናይ ምንቅስቓስ ሰሙን ኢዩ ኣሕሊፍዎ::
''መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ደበኽ ይብሉ'' ከም ዝብሃል: መዓልቲ ዓርቢ 22 መስከረም ምስ ኣኸለት ብመሰረት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዝመደበቶ ግዜ ሰሌዳ ሰላማዊ ሰልፊ ዝጅመረሉ ካብ ሰዓት 13:00 ድሕሪ ቐትሪ: ክሳብ ሰዓት 18:00 ናይ ምሸት ብናይ ሎንዶን ኣቖጻጽራ ተባሂሉ መደብ ዝተሰርዔ ብምንባሩ: መላእ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ወጋሕታ ሰዓት 06:00 ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ብናይ ኤርትራ ትእምርቲ ጽንዓትን: ሉኡላዊ ነጻነትን ሓርነትን ዝኾነት: ኣብ'ታ ዋላ ንኻሊኢት 'ውን ትኹን እንኮ! ሻዕ ምስ ተሰቕለት ዘይትደንን ዘንጊ ሉኡላዊ ሃገራዊ ሓርነት ኤርትራ ዝኣወጀት ዘይትክማህ ባንዴራ ሉኡላዊት ኤርትራ እንዳንበልበሉ: ባንዴራ ኤርትራ ብዝወቀባን ዘንበልብላን ናይ ውልቂ መካይንን ኣውቶቡሳትን: ብሞተር ሳይክል ተዓጂቦም ገለን ከኣ ብባቡራት ተሳፊሮም: ናይ ዝተፈላለዩ ደረፍቲ መንደላይ! ስሚ ቲክ-ቶክ ማሕበራዊ መድያ: ኩራዕ ኤርትራዊ! ኣይንዛነን! ስመር! ሰራዊት ዝና: ብትግሬ ተላይ መሰንቆ! ወለት ዓጄ! እምበር ወጠን እምበር ምድርር ዪኒነብር ንሕና ዪኒነብር! ዝብል ዝተፈላለየ ሙዚቃ እንዳተጻወቱ ብመግልሒ ድምጺ ገይሮም ናብ ግዳም እንዳኣቃልሑ: ጾታ ደረጃ ከይፈለዩ: ኣዴታት ደቀን ሒዘን ወቂበን ኣቦታት ንደቆም ኣምሪሖም: መንእሰያት ኣብ ልቦም ነታ ካብ ሰማእታቶምን ዓበይቲ ወለዶምን ኣያታቶምን ንዝተረከብዋ ሃገሮም ብውሽጢ ልቦም እንዳሰላሰሉ: ኣጆኻ ህዝበይ! ኣነ እንከለኹ ዝትንክየኩም የለን! ዝብል ውሽጣዊ ልባዊ ጭርሖ ቃል-ኪዳን እንዳተኣሳሰሩ: ብብሩህ ገጾም ብዕቱብ መንፈሶም ነበርቲ ማንችስተር ብብሩህ ገጾም: ምስ ዕታር ናይ ጽንዓትን ዓወትን ዕንባባ: በርኒንግሃም ምስ ኖቲንግሃም: ዝናሮም ባንዴራ ተጎልቢቦም:: ሰብ ሊዲስ ሃየ ተወደብ እንዳበሉ: ኩልኻ ንዓ ሕጂ ገስግስ:: ኣናብስ ሸትፊልድ: ንበገስ ሕጂ ጸላእቲ ከነርዕድ:: ሰብ ኒውካስትል ሓቢሮም ምስ ሊቨርፑል: ድምጾም ሰሚዑ ጸላኢ ኢሉ ዑኽልል ጥቕልል:: ካብንትሬት ተተሓሒዞም ምስ ሌፍተር ስዒቦም ካርዲፍ: ካብዞም ጀጋኑ ኣብ ቅድሚኦም ሞ መንዩ ከዕዘፍዝፍ:: ሰብ ሜዲልስፓራ ግላስኮው ዌክፈልት ስቶክ: ቅርብ እንዶ ይበል ጸላኢ ክሳዱ ክብተኽ:: ኢሎም ብጠቕላላ ካብ 4ተ ዞባታት ከተማ ሎንዶን ብባንዴራታት ወቂቦም ምስ ኩሉ ዝተቐረበ ነቲ እዋን ዘገልግል ጭርሖታት:- ''መሰልን ባህልን ክብርን ኤርትራውያን ይተሓሎ!!!'' ''መንግስቲ ኢንግላንድ ኤርትራዊ ክብርታት ከኽብር ግዴታ ኣለዎ!!!'' ወ.ዘ.ተ... ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም: ናብ ቀንዲ መተኣኻኸቢ ነቕጣ ኣብ ቅድሚ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ዳውኒንግ ስትሪት ኣስታት 3.500 (ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን) ብጉዳይ ሃገሮም ዝነደሩ ኤርትራውያን ሃገራውያን ተኣኻኺቦም::
ኩሉ ሰልፈኛ በቲ ኣወሃሃዲት ሽማግለ ዝሃበቶ ናይ ሕጊ ቀጥዒ ተቐይዱ ጭርሖታቱ ምስ ኣቃልሐ: ብመሰረት ዝተታሕዘ መደብ ኣወሃሃዲ መደብ ሓጺር መእተዊ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ዝብል መደረ ምስ ኣስምዔ: መድርኽ ንኣቦ ወንበር ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ምስ ኣረከቦ: ኣቶ ኣሕመድ መሓመድ ንዝተሰርዔ መደባት ናይ'ታ መዓልቲ ዝርዝር ሓበሬታ ብምቕራብ:- ''ስለምንታይ ኢና ሰልፊ ንገብር ዘለና?'' ሕቶ ዘቕረበ ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ሽማግለ ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ኣሕመድ መሓመድን ''ሕና ሰልፊ ንገብር ዘለና:-
1. ምሕላው ባህላዊ ቅርስታትና ነቲ ሃብታም ኤርትራዊ ባህላዊ ውርሻና: ካብቶም ክዘርግዎን ከዳኽምዎን ዝደልዩ ተጻባእቲ ሃገረ ኤርትራ ንምሕላው ደው ኢልና ኣለና!!! ባህልና ምንጪ ሓበንን ሓድነትን ጥምረትን ኣብ ውሽጢ ሕብረተ-ሰብና ስለ ዝኾነ'' ዝበለ:- ኣቶ ኣሕመድ ቀጺሉ:-
2. ምርግጋጽ ድሕንነት ንኹሉ ልክዕ ከም ኩሉ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን: ኣብ ጎደናታት እዛ ከተማ ውሕስነት ክስምዓና ይግባእ:: ኣብ ልዕሊ ሕብረተ-ሰብና ዝፍጸም ምፍርራሕ ምግፋዕ ዓመጽን ጎንጽን ኣይንጻወሮን ኢና::
3. ናይ ምጽንባልን ፈስቲቫል ናይ ምክያድን በዓላት ናይ ምባልን መሰልና ምኽባር: ምምሕዳራት ከባቢና ብዘይ ፍርሒ ምዝንባዕን ምስራዝን ባህልና: ብበዓላት ፍጻሜታትን ምትእኽኻባትን ናይ ምጽንባል መሰልና ከም ናይ ኩሉ ማሕበረ-ሰባት ዓባይ ብሪጣንያ ዘለው ኮሙኒቲ: መሰልና ከኽብሩ ንምዝክኻርን ናይ መሰልና ምዃኑ ጽዕንቶ ምፍጣርን::
4. ገበናዊ ባህሪ ምንጻግ ነቲ ጸገም ከም ተራ ውሽጣዊ ባእሲ ወይ ፖለቲካዊ ንሕንሕ ንምምዳብ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ: ብትሪ ንነጽጎ!!! ኣብ እዋን ባህላዊ ፍጻሜታትና ንሕብረተ-ሰብና ንምሽባርን ምህዋኽን ዝዓለመ: ገበናዊ ተግባራት ግዳያት ናይ ምግባርና መስርሕ ብትሪ ንኹንኖ ኢና::
5. ምክልኻል ድሕነት ህላዌ ውሕስነት ህጻናት ደቅናን ኣረጋውያን ሽማግለታት ወለድናን: ደቂ ኣንስትዮ ኣሓትናን ኣዴታትናን ምርግጋጽን: ህጻናት ደቅና ኣብ መናፈሻታትን መዘናግዒ ቦታታት ነጻ ኾይኖም ናይ ምጽዋትን ምዝንጋዕን መሰሎም ክረጋገጽን: ምስ ክብርታትን ባህላዊ ምዝናቕ ዓባይ ብሪጣንያ ተነባቢሮም ክዓብዩን: ካብ ምሽቕራርን ፍርሕን ወጺኦም ብነጻነት ናይ ምንቅስቓሶም መሰል ተሓልዩ:: ኣካል ናይ'ቲ ንጡፍን ንኹሉ ዝሓቁፍን ሕብረተ-ሰብ ዓባይ ብሪጣንያ ንክኾኑ መሰል ኣለዎም:: ኣረጋውያንና ብዘይ ፍርሒ ካብን ናብን ጎደናታት ዓባይ ብሪጣንያ ብነጻነትን ሓርነትን ክዛወሩ ዘይሕከኽ መሰሎም ኢዩ:: ካብ ነዚ ዝሕርምዎም ዘለው ኸተርትን ዓመጽትን ነጻ ንምዃኖም: መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን ሓይልታት ጸጥታ ኣኽበርቲ ሕጊ ፖሊስ ግበኦም ክዋጽኡ ናይ ምሕላውን ምክልኻልን ሓላፍነቶም ክወስዱ ግዴታ ኣለዎም::
ባህግና ኤርትራዊ ውርሻና እናኽበርና ኣብ ሕብረተ-ሰብና ኣወንታዊ ኣበርክቶ ዝገብሩ ንጡፋት ሕጊ ዝኽተሉ ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ክኾኑ ንብህግ:: ደቅና ኣብ ውሑስን ንኹሉ ዝሓቁፍን ሕብረተ-ሰብ ዓባይ ብሪጣንያን ከተማ ሎንደንን ክዓብዩ ንትምነን ንጽዕርን:: ባህላዊ ብዙሕነትን ሓባራዊ ሰላምን ዝኽበረሉን ዝነግሰሉን 'ምበር: ኣብ ሓደጋ ዘይንወድቀሉ ብፍቕሩን ምትሕቑቛፉን ኣብ ዝዓበናሉ ናይ ሃገርና ባህላዊ ምክብባርን ምክእኣልን ዓሲልና: ኣብ ውሽጢ'ቲ ሞዛይክ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ዓባይ ብሪጣንያ ተወሃሂድና ናይ ምኻድ መሰልና ንኽሕለወልና ኢና ሰላማዊ ሰልፊ ነካይድ ዘለና ዝበለ: ኣቦ ወንበር ሽማግለ ሃገራዊ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ኣሕመድ ማሕሙድ መደረኡ ደምዲሙ::
ብድሕሪ'ዚ ኣቦ ወንበር ሽማግለ ሃገራዊ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣቶ ኣሕመድ ማሕሙድ ዝመርሖ ጉጅለ: ናይ ህዝቢ መልእኽቲ ሒዙ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ደብዳቤ ድሕሪ ምብጽሑ: ምስ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብወገኑ ነቲ መልእኽቲ ከብጽሕሉ ብምምጸኦም ብምምስጋን: ኤርትራውያን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ሎንዶን: ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባዊ ምዕባለ ናይ'ታ ሃገር ንዘለዎም ተራ ድሕሪ ምንኣዱ: ኣብ'ዚ ቀረባ ዓመት ንዘጋጥም ዘሎ ዘይ-ኤርትራዊ ባህልታት ኣብ'ዚ ኸተማ ምኽሳቶም ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ: ነዚ ጉዳይ ንምፍትሑ ምስ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራውያን ኮይኑ ነቲ ጸገም ንምፍትሑ መንግስቲ ምስ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ብሓባር ክሰርሕ ምዃኑ ብምንጻር: ነቲ ኤርትራዊ ክብርታትን ዲስፕሊንን ከም ዘኽብርን ከም ዘድንቕን ብምግላጽ: ኣብ'ቲ ዘጋጠመ ኩነታት ናይ ገዛእ ርእሶም እኹል ትዕዝብትታ ከም ዘትረፉ ብምግላጽ: ነቲ ኩነታት ነባሪ ፍታሕ ንምምጻእ ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣስሚሩሉ::
ጎኒ ጎኒ እዚ ክከይድ ዝጸንሐ መስርሕ ምብጻሕ ሰነዳዊ መልእኽቲ ኸኣ: ሰልፈኛታት ነቲ ኣብ'ቲ ከባቢ ብእግሩ ብመካይን: ብብሽክለታ: ኣውቶብስ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ህዝቢ: ዕላማን መደብን ምኽንያትን ናይ'ቲ ዝካየድ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ግንዛቤ ንምሕዳር: ናብ ህዝቢ በራሪ ወረቐት ብብዝሒ ክዕደል ዊዒሉ:: እዚ ከም'ዚ ኢሉ እንከሎ ነዚ ኣብ በብእዋኑ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሃገራውያን ክፍጸም ዝጸንሐ ናይ ምፍርራሕን ምጽባእን: ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዝምልከቶ ኮሚቴ ሓይሊ ዕማም ቆይሙ: ነቲ ጉዳይ ኣዳቒቑ ብምጽራይ ምስናይ እኹል ኩለንትናዊ መርትዖኡ ብሕጋዊ ገበናዊ ዓንቀጻት ብምምዝጋብ: ነቲ ዘጋጠመ ኣሉታዊ ኽስተት ብሕጋውያን ጠበቓታት ኣቢሉ ብግቡእ መስርሑ ብምሓዝ: እቲ ዝቐረበ ክሲ ብቤት-ፍርዲ መስርሑ ክዛዘም ብማለት: ብሕጋዊ መንገዲ ከም ዝሓዞ ኣብቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ::
ብተመሳሳሊ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ፍርዳውን ፖሊሳውን ኣካላት ብኽታም ዝተረጋገጸ ናይ ፌርማ ፔትሽን: ናይ 10 ሽሕ ብኣካል ዝተረጋገጸ ሰነድ: ናብ ዝምልከቶም ኩሎም ኣብ ኢዶም ክወሃብ እንከሎ: ብኤለትሮኒካዊ መሳርሒ ዝተገብረ ምትእክኻብ ፌርማ ኸኣ ክሳብ ሕጂ:- ልዕሊ 25 ሽሕ ኣብ ኤለትሮኒካዊ መስመር (ኦን-ላይን) ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ተላኢኹ::
ኣብ ሰልፈኛታት ስጡም ሃገራዊ ወኒ ዝተላበሰን: ሃገር! ሃገር! ዝሽትት ወንን ጽንዓትን ክረእ እንከሎ: ብምትሕሓዝ ነቲ ዘጋጠመ ናይ ጎንጽን ዓሎቕን ዊዲት ወጻእተኛታት ሰዓብቶም መጋበርያ ዕሱባትን ዘነደሮም ሰልፈኛታት: ብዓውታን ብነድርን ብዝኾነ ብራርያ ሓይሊ ኣይኮነን: ዋላ በቶም ኣያታት ኮይኖም ዝልእኽዎም ዘለዉ ዓሰብቶም 'ውን ከም ዘይምብርከኹ ብምንጻር: ብዓውታ ''ኣይንምብርከኽን ኢድና 'ውን ኣይንህብን!!!'' ''ጽምብላትና መለለዩ ሃገራዊ ክብርታትና!!!'' ብማለት ካብ ጻት ንጻት ዓባይ ብሪጣንያ ብፍላይ ከኣ ቀጽሪ ዳውኒንግ ስትሪት ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ብዓውታ እንዳጨርሑ: ''ዓወትና ከም ወትሩ ብመትከላዊ መርገጽና!!!'' ከም ''ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ!!!'' ብማለት ንዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝክረ ሰማእታት ዛዚሞም::
ሪፖተር ሳሕል ፕረስ!!!
ዘርኣይ ሰሎሞን:-
ሎንዶን !








ERi-TV, Eritrea - ኣዴታት፡ ሰብ ሓዳርን፡ ኣደ ቆልዑን ተሳተፍቲ ሳዋ - Mothers who are participating at Eritrean National Service training center in Sawa

Dehai Events