Dehai News

ምኽኒያትን ምንጭን - ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዒላማ ዝገበረ ዘየቋርጽ ዘመተታት፡

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 05 October 2023

ምኽኒያትን ምንጭን - ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዒላማ ዝገበረ ዘየቋርጽ ዘመተታት፡

ኩልና ንዕዘቦ ከም'ዘለና፡ ካብ'ዚ ዝሓለፈ 3-ዓመታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ርእሲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣዚዩ ልዑል ዝበሃል ናይ ምስይጣንን ምንዋርን ዘመተታት ይካየድ ኢዪ ዘሎ።
ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ዉን፡ ንቀንዲ ኣዘዝቱ፡ መራሕቱ፡ ዘጠቃለለ - ኣብ ርእሲ እዚ ደርማስ ሓይሊ፡ ብኣሜሪካን ኤዉረጳዊ ሕብረትን ማዕቀብ ተነቢርሉ ኢዩ። ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንምድቓቅን ምድኻምን፡ ንልዕሊ 20-ዓመታት እኳ - ብስዉርን ግሁድን መንገዲ ተሰሪሑ እንተኮነ፡ ኣይ'ከም እዘን ሰለስተ ዓመታት ግን።
እቲ ዚያዳ ዘደንጹ ድማ፡ ዳርጋ ብኩሉ ወገን ክትብሎ ትኽእል ኢካ - ማለት፡ ንኲናት ትግራይ ምኽኒያት ብምግባር፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጲያን እቲ ትካልን ሓራ ክወጹ ከለዉ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ምክልኻሉን ግን፡ ቀንዲ ዒላማ ኮይኖም፡ ዋላ በቲ ዘድሓንዎ ገለ ገለ ወገን፡ ክዉቀስን - ዘዝተረኽበ ሓጢያት ከሰክምዎን - ዘይተዓዘብና ኣይኮናን።
ናይ ገለ ላዕለዎት መኮንናት ኢትዮጲያ እኳ፡ ምናልባት ነቲ ኣህጉራዊ ጸቕጥን ዋዕዋዕታን፡ ምጽዋሩ ስኢኖም፡ ናብ'ቲ ክጻወሮ ይክእል'ዩ ዝበልዎ - ሓይልታት ምክልኻል ኢዶም ከመልክቱ ምርኣይ፡ ሸለል ክትብሎ ትኽእል ኢካ።
......, ምንጪ፡

እቲ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ላዕለዎት ኣዘዝቱን ዒላማ ዝገበረ ዘየቋርጽ ናይ ምንዋርን ምስይጣንን ዘመተታት፡ ምንጩ - ቅድሚ ዝኣገረ፡ ባዕለን እዘን ማዕቀብ ኣንቢረናሉ ዘለዋ ሃገራት ኣሜሪካን ኤዉረጳን ኢየን። ብድሕሪ'ኡ፡ ኣብ'ዚ ዞባ ዝተሳዕሩን ዝተጓሕፉን ሓይልታት - ንስዕረቶምን ዝወረዶም ክሳራን ምቕባል ኣቢዎም በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ ድማ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ናይ ኮን ደኾን መደዓዓሲ ዓዘፍዘፍ - ኣብ ምክሽማሽን ምክፋእን፡ ዝኣተዉ ነፍስሄራት ኢዮም።
ካልእ፡ ብሳልሳይ ደረጃ ዝስርዑ፡ ናይ'ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ መጋበሪያን ካድራትን ኮይኖም፡ ዝተፈላለየ ድርሰታት ዝደርሱ፡ ኣብ ቅርዓት ኣህጉራዊ መጋባኣያታት ክኸሱ ዝዉዕሉ፡ ፈቀዶ ማዕከናት ዜና ሃተዉተዉ ዝብሉ፡ ዝጽሕፉ፡ ዝምድሩን ዝዝይሙን፡ ክጥቀሱ ይክኣል።
......, ምኽኒያት፡

ካልእ እቲ ምኽኒያት ንጹር'ዩ። ኣብ'ዚ ሰዓት - ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እቲ ዝሓየለ ደርማስን ጥሙርን ወተሃደራዊ ሓይሊ እንተሃሊዩ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኢዩ። እዚ ደርማስን ጥሙርን ሓይሊ ከኣ፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ተፈቲኑን ተራእዩን - ነዞም ሕጂ ምንጪ እዚ ዘመተታት ዘለዉ ኣካላት፡ ዘሰንበደ ፍጻመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ'ቲ ኲናት ማእለያ ዘይብሉ ዕጥቂ፡ ተተኮስቲ፡ ስትራተጂካዉያን ኣጽዋራት፡ ሎጂስቲክን ፍናንን ከሲቡ ስለ'ዝወጸ፡ እዚ ንጸላእቱ ናብ ካልእ ዓበድበድ ዘእተወ ተርእዮ ኢዩ።
ንምድኻም እዚ ሓይሊ፡ ፈለማ - ብፍልሰት መንእሰያት፡ ምዙራቅ ክኢላዊ ዓቅሙ፡ ናይ 10-ዓመታት እገዳ (2009 - 2018)፡ ኮታ ንልዕሊ 20-ዓመታት፡ ንሳቶም "ዉጽኢታዊ" ዝብልዎ ዕዮ ሰሪሖም ኢዮም። ካብ'ዚ መፈንጠራ ወጺኡ፡ ንሓደ ን30-ዓመታት ክሳብ ኣፍንጭኡ ዘዕጠቅዎን ዘሰልጠንዎን ሓይሊ + ተደመሮ ስትራተጂካዊ ኣጽዋራት፡ ብፖለቲካዊ መናዉራን፡ ወተሃደራዊ ተርግእን በታቲኑ፡ ንዕጥቆም ዓጢቁ፡ ብረቱ ቀይሩ፡ ኢምዳዱ፡ መጓዓዚያ፡ ሎጂስቲክስ፡ ወዘተ ኣጎልቢቱ፡ ዉዳቤታቱ ኣሐይሉ፡ ናብ'ዚ ደረጃ ሓዂሩ፡ ሚዛን ሓይሊ እዚ ዞባ ክቐያይር፡ ፈጺሙ ኣብ ግምት ዝነበረ ቅማረ ኣይነበረን።
........, ስትራተጂካዊ ኪዳን፡

ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኲኖ እዚ ኣብ'ዚ ሰለስተ ዓመታት ዝሰለቦ ሚዛን ሓይሊ፡ ካልእ ስትራተጂካዊ ኪዳን ምስ ሓያል ወተሃደራዊ መዋቕር ዘለወን ሃገራት ዓለምና ዉን ይምስርት ኣሎ። ንሱ ድማ፡ በይንኣዊ እገዳ ሃገራት ኤዉረጳን ኣሜሪካን ኣብ (ሓጹር) ኣእትዩ፡ ምስ ከም ሰራዊት ሩሲያን ቻይናን ዝኣመሰሉ ግዙፋት ሓይልታት ዓለምና፡ ስትራተጂካዊ ኪዳን ክፈጥር፡ ሓቀኛ፡ እሙን፡ ብቑዕን ጽኑዕን "መሻርኽቲ-ሓይሊ" ኮይኑ ተረኺቡ ኢዩ።
ካብ'ዚ ስትራተጂካዊ ኪዳን፡ ሰራዊት ኤርትራ ገዚፍ ዕጥቂ ክረክብን፡ ነቲ ንዓመታት ኣብ ተመኩሩኡ ዝሃነጾ - ወተሃደራዊ ክብርታት - ድስፕሊን፡ ሃገራዉነት፡ ቆራጽነት፡ ተበላሓትነት፡ ተወፋይነት፡ ወዘተ፡ ካልእ ጉልበት ወሲኽሉ፡ ናብ ዝኮነ ሓይሊ ፈጺሙ ክደፍሮን ክንቅንቆን ዘይክእል - ግዙፍ ወተሃደራዊ ትካል እንዳ'ተቀየረ ይኸይድ ኢዩ ዘሎ።
ብዘይካ እዚ፡ ብዝተፈላለየ ምኽኒያት ካብ መሳርዕ እዚ ሃገራዊ ሰራዊት ወጺኡ - ኣብ መላእ ዓለም ዝተሰርግሐ መንእሰይ ዜጋ ዉን፡ ነዚ ግዜ ዝምልስ ብቁዕ ንቕሓት ብምድላብን፡ ጸጋታት ብምስላብን፡ "ኣነ መንደላይ'የ፡ 4ይ-ግንባር'የ" ጨሪሑ፡ ዳርጋ "ረቂቕ ሓይሊ ኣሃዱ" (Soft-power Unit) ኮይኑ ብምቕራቡ፡ ነዚ ሃገራዊ ወተሃደራዊ ትካልና፡ መሊሱ ንዉዳቢኡን ጥምረቱን ዘሰስንን ሞራል ዘስንቅን ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ክብርን መጎስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !!!

ደጊም፡ ነታ ማሕንቆ ሰጊርካያ ኢኻ - ነዳያት ድማ ከጸልሙኻ፡ ዘይናትካ ክህቡኻ፡ ከሰይጥኑኻ፡ እንተወዓሉ፡ ንንዲየቶም ጥራይ ኢዪ ዝገልጽ።
ዝመጸ ይምጻእ ወራሪ፡ ኣብ ባርዕ መንደላይ ሓራሪ !!!
ዓወትን'ሓፋሽ!!!
-----------------
Centre for Policy and Strategic Studies | Asmara, Eritrea


Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea