Dehai News

ህጹጽ ወግዓዊ መግለጺ 21 October 2023

Posted by: "Eritrean Seaman Union ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ"

Date: Saturday, 21 October 2023


ካብ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ 

ንሕና ሃገራውያን (ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ) ነዚ ወግዓዊ መግለጺ ኣብ 21 October 2023 ነውጽኦ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንልዕላዊ መሬትናን ንማያዊ ልዕላውነት ኤርትራ አብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺታት እዚ ዝስዕብ ምልሲ ክንህብ ሃገራዊ ግዴታና እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ብፍላይ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንዋንነት ቀይሕ ባሕሪ ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺታት ኣዝዩ ዓቢ ሻቅሎት ፈጢሩልና አሎ። እዚ ትአፋፊ መግለጼታት ብዛዕባ ልኡላውነት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ከቢድ ሕቶታት ዘልዕል ጥራይ ዘይኮነስ ሕጋውን ዲፕሎማስያውን ብድሆታት ከስዕብ ዝኽእል ምግልጼታት እዩ። ናይዚ ውግዓዊ ምግልጼታት ዕላማ ናይ ‘ዓባይ ኢትዮጵያ’ ሕልሚ ብዝተፈላለየ ሓይልታት ዝፍጸምዎ ተግባራትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ግዝኣታዊ ሓድነት ምድላይ ብምኻኑ አብ ልዕሊ ሓራ ኤርትራ ዓቢ ስክፍታ ዝፈጥር ትአፋፊ ጉዳይ እዩ። እዚ ባህግታትንሕልሚታት ዓባይ ኢትዮጵያ ንልኡላውነት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ከቤድ ሓደጋ ዝእቱ ዝኽእል ጉዳይ እዩ። ስለዚ፡ መግለጺ ንኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ንልኡላውነትን ጽቡቕ ሂወትን ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ቀዳምነት ክህቡ ኣትሪርና ንጽውዕ። ነዚ ጉዳያት እዚ ብኣኽብሮታዊ ዘተን መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ብምኽባርን ምፍታሕ ኣገዳሲ እዩ። ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዝኾነ ይኹን ተግባራት ብቕልጡፍ ደው ክብል ንጽውዕ። ሓባራዊ ጻዕሪ፡ ንመትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ዝድግፍን መሰል ብቑዓት ወነንቲ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዘኽብርን ሰላማዊ ፍታሕ ከብጽሕ ከም ዝኽእል ልባዊ ተስፋና እዩ። ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ 

https://www.eritreanseamanunion.org/

ቤት ጽሕፈት ዜናንሓበሬታ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ
News and Information office of Eritrean Seaman Union
أخبار ومعلومات مكتب الإريترية الاتحاد البحارة
E-mail: info@Eritreanseamanunion.org or eritreanseamanunion@gmail.com
Website: http://www.eritreanseamanunion.org


Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea