Dehai News

"ቀንዲ ጌጋታት ፕሪቶርያን መዘዛቶምን” (Op-Ed)

Posted by: Dehai

Date: Thursday, 11 April 2024

ቀንዲ ጌጋታት ፕሪቶርያን መዘዛቶምንክፉት ዓምዲ ሓተታ | 

Ethiopia, Pretoria Agreement: Major Mistakes & Consequences (Op-Ed)

እዚ "ክፉት ዓምዲ ሓተታ"፡ በብግዚኡ ተኸታተልትና ዝጽሕፉልና ኣገደስቲ እንብሎም ርእይቶታትን ትንታነታትን እነእግደሉ ናጻ መድረኽ'ዩ። ኣብ'ዚ "ክፉት ዓምዲ ሓተታ" ዝቐርብ ርእይቶ ወይ ሓተታ፣ ናይቲ ጸሓፊኦም ምዃኑ እናተሓሳሰብና፣ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ክንሰማምዓሎም ወይ ዘይክንሰማማዓሎም ከም ንኽእል ነዘኻኽር። ንሎሚ "ወዲ ቀይሕ ባሕሪ" ዝለኣኸልና ሓተታ ናባኹም ናብ ክቡራት ሰዓብትና ነብላ። ሰናይ ምክትታል።

https://youtu.be/UBw9S5n11no?si=vfwTi1O0yULgMZvs

ነዛ ቻነልና ንኽትዓቢ፡ ላይክ ሼር ሳብስክራይብ ምግባር ኣይትረስዑ።👇🏾
http://www.youtube.com/@eliasamare
ስለ ምክትታልኩምን ሃናጺ ርእይቶታትኩምን ብልቢ ነመስግን።


---------------------------------------------------------------------------------------------------------------------


ቀንዲ ጌጋታት ስምምዕ ፕሪቶርያን መዘዛቶምን


1. መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብናይ መንግስቲ ኣመሪካ ከቢድ ጸቕጢን፡ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ብ2 ሕዳር 2022 ቀዋሚ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ዝጽዋዕ “ወዕል ፕሪቶርያ" ተፋራሪሞም። እዚ ስምምዕ’ዚ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ክፈጥር ይኸእል’ዩ ዝብል ተስፋ እኳ እንተነበረ፡ ዛጊት ኣብቲ ከባቢ ዓቢ ዘይምትእምማንን ወጥሪን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ህልቂት'ውን ፈጢሩ ይርከብ። ናይዚ ሳዕቤን ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ ውዕል ፕሪቶርያን፡ ናይቲ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ ናይሮቢ ናይ ኣተገባብራ ስምምዕን ዝተፈጸሙ ጌጋታት እዮም።


2. እቶም ዝተፈጸሙ ቀንዲ ጌጋታት፡ (1) ስዕረት ህወሓት ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን፡ እቲ ኲናትከይተዛዘመ ደው ምባሉ፣ (2) ምስታ ብባይቶ ኢትዮጵያ ግብረሽበራዊት ተባሂላ ዝተወንጀለትን ዝተኣገደትን ህወሓት ዝርርብ ምክያዱ፣ 3) እቲ ኣብ ውዕል ፕሪቶርያ ሰፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ወያነ ዕጥቁ ክፈትሕ ዝብል ኣዝዩ ወሳኒ ዓንቀጽ፡ ኣብቲ ናይ ናይሮቢ ስምምዕ ከም ዝቕየር ምግባሩ፣ (4) ረብሓ ናይቶም ኣብ እዋን ኲናት ቀንዲ መሓዙት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ዕጡቓት ፋኖን ምጥላም የጠቓልል። እስከ ነተን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ኣርባዕተ ነጥብታት ብዝርዝር ንርአ።


ቀዳማይ ጌጋ – ሰራዊት ህወሓት ኣብ ዓውደ ውግእ ክስዓር ምስ ቀረበ፡ ብጸቕጢ አሜሪካ ኲናት ደው ምባሉ!


3. ጥሙር ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ንትግራይ ምሉእ ብምሉእ ተቖጻጺሮም መቐለኣትዮም መወዳእታ ህወሓት ከረጋግጹ ኣብ ዝቐረቡሉ እዋን፡ ኣብይ ኣሕመድ ሓደ ላዕለዋይወተሃደራዊ ኣዛዚ ናብ ኣስመራ ሰዲዱ፣ "ኣሜሪካ ኲናት ደው ኣብሉ፡ ናብ መቐለኣይትእተዉ፡ ምስ ህወሓት ድማ ተዘራረቡ! ዝብል ከቢድ ጸቕጢ ይገብሩለይ ኣለዉ፡"ዝትሕዝቶኡ ህጹጽ መልእኽቲ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣብጽሐ። ኣብቲ እዋን መንግስቲኤርትራ ዝሃቦ መልሲ "ሕደግ! ተዅሲ ደው ምባል ኣብዚ እዋን' ኣየድልይን'! ብዙሕዋጋ ከፊልና ዝረኸብናዮ ዓወታት ንምርግጋጽ፡ መቐለ ኣቲና ነቲ ኲናት ክንዛዝሞ ኣለና።'ተዘይኰነ ተዅሲ ደው ኣቢልካ ዝርርብ ምግባር፡ ንህወሓት ካብ ሰዕረት ኣድሒንካ ኣብትግራይ ስልጣና ንኽትቅጽል ማዕጾ ምርሓው ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብቐጻሊ ንዞባና ዓቢቅልውላው ክትፈጥር ዳግማይ ዕድል ምሃብ’ዩ። ስለዚ ሕሰበሉ! እዚ ውሳኔ ብዙሕ ዋጋከም ዘኽፍለካ ምግንዛብ የድሊ፣” ዝብል ኢዩ ኔሩ።


4. መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኲናት ብዓወት ኣብ ክንዲ ዝዛዝም፡ ምኽሪ ኤርትራ ንጎኒገዲፉ፡ ንህወሓት ካብ ሞት ንምድሓን አሜሪካ ዝሃበቶ ተልእኾ ተቐቢሉ፡ ተዅሲ ደው ኣቢሉ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ፈሪሙ፡፡ ኣብቲ ግዜ' ፍሉጣት ተንተንቲ ፖለቲካ ብዛዕባ' ወዕል ዝሃብዎ ርእይቶ፡ "እዚ ስምምዕ’ዚ ኣብ መጻኢ ንኣቢይን ንዞባ ቀርኒ አፍሪቃን ከቢድ ዋጋከኽፍሎም'ዩ” ዝብል እዩ ነይሩ።


ካልኣይ ጌጋ — ምስታ ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ ከም ግብረ-ሽበራዊት ተወንጂላን ተኣጊዳንዝነበረት ህወሓት ምዝርራብ!


5. ናይቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ንኽልተ ዓመት መመላእታ ዝቐጸለ፣ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓትዘጥፍአን፡ ብቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ዕንወት ንብረት ዘኸተለን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸርህዝቢ ድማ ዘማዛበለ ኲናት፡ ቀንዲ ተሓታቲት ጃንዳ ወያኔ ምዃና ዘከራኽር ጉዳይ አይኰነን። ስለምንታይ ግን ኣብይ ኣሕመድ ምስ ህወሓት ክዘራረብ ተጓይዩ? ህወሓትብባይቶ ኢትዮጵያ ከም ግብረሽበራዊት ጉጀለ ተወንጂላ እገዳ ከም ዝተገብረላ ብንጹርእናተፈልጠ እንከሎ፡ ንምንታይ'ዩ ኣብይ ኣሕመድ ህወሓት ክትቅጽልን አብ ትግራይ ደጊማ ስልጣን ክትቆጻጸርን ደልዩ? ከምዚ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ምልዓል ግቡእ እዩ።


6. ስምምዕ ፕሪቶርያ "ኩለን ፖለቲካዊ ውዳበታት ክልል ትግራይ ዘጠቓለለ፡ ንኹሉ ዝሓቁፍክልላዊ ምምሕዳር (Inclusive Regional Administration) ክቐውም" እዩ ዝብል። ይኹን እምበር፡እቲ ዝተመስረተ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ካብቲ ስምምዕ ወጺኡ፡ ካልኦት ፖለቲካዊውዳበታት እቲ ክልል ኣግሊሉ፣ ህወሓት ነቲ ስልጣን ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸሮ ኣኽኢልዎ።ወጻኢ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ህወሓት ነቲ ስልጣን በይኑ ክቆጻጸሮ ስለዝተፈቕደሉ ኸኣ፡ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን ዘይምርድዳእን ከቢድ ዘይምትእምማንን ክቕጽልምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። ህወሓት ብዘይ መወዳድርቲ ሙሉእ ስልጣን ክትሕዝስለዝተፈቕደላ፣ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ትግራይ ዘልዓሎም ከበድቲ ሕቶታት ክትፈትሕ ምጽዓር፡ ጃንዳ ወያኔ 60 መዓልታት ዝጸንሐ ኣኼባ ማእኸላይ ሽምግለኣ ተጸሚዳ ምኽራማ፡ ቀዳምነታታ ስልጣና ምርግጋጽ ምዃኑ ብንጹር ዘመልከተ ፍጻሜ እዩ ኢልካ ክውሰድ ይክኣል።


7. መራሒ ሰልፊ ብልጽግና፡ ጃንዳ ወያነ ብግብረ-ሽብራውነት ከም ዝተወንጀለት ኣጸቢቑ እናፈለጠ እንከሎ፡ ምቕጻል ህላውነት ወያነ ከም ዝደሊ ዘረጋገጸ፡ ነቲ ንጃንዳ ወያነ ብግብረሽበራውነት ዝውንጅል ውሳኔ ባይቶ ኢትዮጵያ ክለዓለላ ዝሓተተቶ ምቕባሉን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣግሊሉ ድማ፡ ንህወሓት ሕጋዊ ተፈላጥነት ብምሃብ ኣብ ስምምዕ ምብጻሑ እዩ። በዚ ፍጻሜ’ዚ ኣብይ ኣሕመድ ወያኔ አብ ስልጣን ክትቅጽል ከምዝደሊ ብጋህዲ ኣመልኪቱ ኣሎ። ነዚ ውሳኔ ክወስድ እንከሎ፡ ብዛዕባ አካይዳን ተንኩልናን ወያኔ ይኹን ዘለዋ ናይ ስልጣን ህርፋን ዓሚቝ ኣፍልጦን ርድኢትን ስለ ዘይብሉ ከይበሃል፡ ዓሚቝ ዝዀነ መረዳእታ አለዎ። ንምንታይ ድኣ’ሞ ወያኔ ኣብ ስልጣን ክትቅጽል ደልዩ? ንዝብል ሕቶ፡ ገለ ገለ ተንተንቲ ጉዳያት ቀርኒ አፍሪቃ፡ “ኻልእ ሕቡእ ዕላማስለዘለዎ፡ ንኽጥቀመሎም ስለዝሓሰበ እዩ” ይብሉ። ህወሓት ኣብ ስልጣን ክትቅጽል ምግባሩ፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ቀርኒ ኣፍርቃ ዘኸትሎ ዘሎ ወጥርታትንዘይምርግጋእን ቀንዲ ተሓታቲ ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን። እዚ ድማ ኣብመጻኢ ዝያዳ ዋጋ ከም ዘኽፍሎ ምግማት ዘጸግም ኣይኰነን።


ሳልሳይ ጌጋ  እቲ ንህወሓት ዕጥቂ ክትፈትሕ ዝጠልብ፡ ቀንዲ ክፋል ናይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝዀነ ዓንቀጽ፡ ኣብ ናይሮቢ ተቐይሩ!


8. ኲናት ደው ከብልን ኣብታ ሃገር ነባሪ ሰላም ከረጋገጽን ዘኽእል ስምምዕ ተባሂሉ ተስፋ ዝተነብረሉ፡ 15 ዓንቀጻት ዘለዎ ውዕል ፕሪቶርያ፣ ቀንዲ አተኵሮ ዝገበረሉ ጉዳይ ምፍታሕ ዕጥቂ (ምውራድ ብረት/አጽዋር) ህወሓት ይምልከት። መደብ ምፍታሕ ዕጥቂ ወያነ፡ሰለስተ ዝተኣሳሰሩ ስጕምትታት ዝሓቍፍ መደብ ኰይኑ፣(1) ምውራድ ብረት/አጽዋር(Disarmament) (2) ሰራዊት ምጥያስ (Demobilizaiton) (3) ሰራዊት እግሪ ምትካል (Reintegration) የጠቓልል። እዚ መደብ’ዚ DDR program ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ዓንቀጽ 6ናይዚ ውዕል፡ "እቲ ስምምዕ ካብ ዝተፈረመሉ፡ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት፡ ሰራዊት ህወሓት ዓጢቑዎ ንዘሎ ኩሉ ኣጽዋር — ፈኲስን ማእከላይን ከቢድን ብረት ዘጠቓልል —ንፈደራል ሰራዊት ኢትዮጵያ ከረክብ ኢዩ” ዝብል ብንጹር ተገሊጹ አሎ።


9. ይኹን እምበር፡ እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ድሕሪ ሰሙን፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት፡ ማለት ፈደረላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ብ12 ሕዳር 2022 ኣብ ኬንያ "ኣዋጅ ናይሮቢ" (Nairobi Declaration) ዝብል ሰነድ ፈሪሞም። ኣዋጅ ናይሮቢ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብንጹር ዝተገልጸ ጉዳይ ናይ ህወሓት ዕጥቂ ምፍታሕ፡ ኣዚዩ ዝገራጮን ዘፍርሶን እዩ ነይሩ።


ነቲ ኣብ ዓንቀጽ 6 ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝሰፈረ፡ "ሰራዊት ትግራይ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ዕጥቁ ክፈትሕ እዩ" ዝብል ሓረግ ብምቕያር፡ "ምፍታሕ ዕጥቂ ህወሓት፡ ምስቲ ኣብቲ ከባቢ ንዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ውሽጣዊ ሓይልታትን (ካብ ፈደራል ሰራዊት ዘይኰኑ)ተታሒዙ ዘሎ ቦታታት ናይ ምውጻእ መስርሕ ጎኒ ንጎኒ (concurrently) ክፍጸም እዩ፣"ብዝብል ዓንቀጽ ተቐይሩ ኣሎ። እዚ ኣገዳሲን ወሳኒን ዓንቀጽ ብምቕያሩ ድማ፡ ከቢድ ዝዀነ ቅልውልው ኣስዒቡ ኣሎ።


10. ኣብቲ እዋን’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ንኣብይ ኣሕመድ፡ “እዚ ኣብ ናይሮቢ ዝተገብረለውጢ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘፍረሰ፡ ኣዚዩ ዘሰክፍ ጉዳይ ኢዮ፣ ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት አብ ምሕርፋፍ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን አብ ዘየድሊ ምስሕሓብ ከየምርሕ” ዘተሓሳስብ ህጹጽ መልእኽቲ ከም ዘብጽሓሉ ይፍለጥ። ኣብቲ ግዜ'ቲ፣ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሉ ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይሮቢ ዝወሰዶ ስጕምቲ ናብ ኤርትራ ዝዓለመ ከም ቀዳማይ ደወል ኲናት ክውሰድ ከም ዝኽእል ርእይቶኦም ሂቦምሉ ኔሮም። ዋላ’ኳ ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝፍረም ልዕሊ 15 ኣዋርሕ እንተሕለፈ፡ ዛጊት ህወሓት ዕጥቃ ኣይፈትሐትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብኡ ዝገደደ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ 270 ሽሕ ሰራዊት ወያነ ምስ ምሉእ ዕጥቁ (ከቢድ ኣጽዋር ሓዊሱ) ከምዘሎ ብጋህዲ ገሊጹ ኣሎ። በዚ ድማ ወያነ ንዝፈጥሮ ወጥሪን ዳግማይ ህልቂትን እቲ ቀንዲ ተሓታቲ ኣብይ ኣሕመድ ምዃኑ ዘተሓትት ኣይኰነን።


ራብዓይ ጌጋ – ረብሓ እቶም መስዋእቲ ከፊሎም ንሰራዊት ፈደራል ካብ ስዕረትብወያነ ዘድሓኑዎ አካላት ምጕሳይ!


11. ስምምዕ ፕሪቶርያ ነቶም መሻርኽቲ ሰራዊት ፌደራል ኢትዮጵያ ብምዃን ዓቢመስዋእቲ ከፊሎም ንሓደገኛ ሕልሚ ህወሓት ኣብ ምፍሻል ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን፡ መሰረታዊ ሕቶታቶምን ስክፍታታቶምን ንጎኒ ዝጎሰየ ስለዝዀነ፡ ዓቢ ጥልመት ኣብይ ኣሕመድ ተባሂሉ ክግለጽ ይግባእ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግስ ከይበለ፡ አብ ክልል ኣምሓራ ደማዊ ኲናት እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ፡ ጠንቁ ውዕል ፕሪቶርያ ተባሂሉ ክጥቀስ ይክኣል። ተሸላሚ ናይ ሰላም ሽልማት ኖቤል ዝዀነ ኣብይ ኣሕመድ፡ ንሕቶታትን ጠለብን ህዝቢ ኣምሓራ ብፖለቲካዊ መንገዲ ብግቡእ ኣብ ክንዲ ዝምልስ፡ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ንኽደቁስ፡ ድሮን ወይ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝተሓወሶ ሓይሊ ክጥቀም ተገዲዱ ኣሎ። ጠለብ ህዝቢ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ንምጭፍላቕ፡ ህይወት ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ምቕዛፍ ዕጅብ ዘይብሎ “ተሃንዳዲ ኲናት” ዝዀነ ኣብይ ኣሕመድ፡ ከመይ ኢሉ'ዩ ሽልማት ሰላም ኖቤል ተዋሂቡዋ ዝብል ሕቶ ምልዓል ድማ ግቡእ እዩ።


12. ኣባላት ሽማግለ ሽልማት ኖቤል፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብመሰረት ሽልማት ዝተወሃበሉ ናይ ሰላም መስርሕ፡ ሕቶ ገዛእ ህዝቡ ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ብሓይሊ ንምጭፍላቕ ዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ ስጕምትታት ምስ ተዓዘቡን፡ ባህርያት ኣብይ ኣሕመድ ምስቲ ናይ ትካሎም መሰረታዊ ዕላማታትን መትከላትን ዝጋጮን ዝጥሕስን ምዃኑ ምስ ተገንዘቡን፡ እቲ ብዘይ ፍላጥ ቅድሚ አርባዕተ ዓመት ዝዓደሉዎ ሽልማት ክጥዓሱሉ ዝግባእ ይመስለኒ። 


ብመሰረት ሕግታት ኖቤል ፋውንዴሽን፡ ሽልማት ስላም ሓንሳእ ምስተዋህበ ናይ ምስራዝን ምምንዛዕን ወይ ዳግመ-ግምት ክግበረሉ ከምዝኽእል ስለዘይጠቅስ፡ ናይ ኣብይ አሕመድ ሽልማት ክምለስ ዝክኣል ኣይመስለንን። ሕጎም ዘፍቅድ ኔሩ እንተዝኸውን ግን፡ ሽም ኖቤል ካብ ምጽላም ንምድሓን ክብሉ፡ ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ሽልማት ከም ዝመልሶ ምግባር ምመርጹ ይመስለኒ።


13. መስዋእቲ ከፊሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወያነ ከይስዓር ዘድሓነ ሰራዊት ኤርትራ ምዃኑ እናተፈለጠ ክንሱ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ንጸጥታዊ ስግኣታት ኤርትራ ይኹን እኩይ ተግባራት ወያነ አብ ልዕሊ ኤርትራ ፈጺሙ አብ ግምት ዘየእተወ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ረብሓ ኤርትራ ኣሕሊፉ ዝሃበ ጥልመት ኣብይ ኣሕመድ ብጋህዲ ዝተራእየሉ ፍጻመ ተባሂሉ ክውሰድ’ውን ይክኣል። እዚ ተግባር እዚ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣብይ ኣሕመድ ዝነበራ እምነት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ ከም ቀዳማይ ኣመላኻቲ ነጥቢ ክቝጸር ይከኣል። 


ካልእ ሳዕቤን ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ክልቲኤን መንግስታት አብ ጉዳይ ሰላምን ልምዓትን ብሓባር ክሰርሓን ክተሓጋገዛን አብ 2018 .. ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ታሪኻዊ ተባሂሉ ዝተሰምየ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዕ ስለ ዝጠሓሰ ኢዩ። እቲ ልዑል ተስፋ ተገይሩሉ ዝነበረን ብቕልጡፍ ንቕድሚት ዝስጉም ዝነበረን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንኽሕርፍፍን፡ አብ ዞባ ቀርኒ አፍሪቃ ድማ ወጥሪ ክዛይድን፡ ቀንዲ ተሓታቲ እቲ ህዉኽን ኣርሒቅካ ምሕሳብ ዝጎድሎን ኣብይ ኣሕመድ ብዝወሰዶ ግጉይ ስጉምቲ፡ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።


ንምንታይ እዩ ብሸነኽ ኣብይ ኣሕመድ ህወሓት ኣብ ትግራይ ምሉእ ስልጣን ሒዛ ንኽትቅጽል ዝተደልየ?


14. እቲ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝሰፈረ፡ ንወያነ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ናይ ግዜ ገደብ ዕጥቃ ናይ ምፍታሕ ዓንቀጽ ዘይተተግበረሉ ምኽንያት፡ ስዉር ኣጀንዳ ከይሃለዎ አይተርፍን ዝብል ሕቶ ከንቅል ናይ ግድን’ዩ። እቲ ውዕል ምስ ተፈረመ ድሕሪ ኣዚዩ ሓጺር እዋን፡ ናይቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ዝቐዘፈ ደማዊ ኲናት ቀንዲ ተሓተትቲ ኣዘዝቲ ሰራዊት ወያኔ ምዃኖም ብንጹር እናፈለጠ እንከሎ፣ ስለምንታይ'ዩ መራሒ ብልጽግና ነዞም ገበነኛታት ኲናት አብ አዲስ አበባ ብምዕዳም፡ ናይ ወጻኢ ዲፕሎማሰኛታት ዝተረኽቡሉን ብቐጥታ ብቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝተፈነወሉን ዓብይ ጽንብል ብምግባር ኣፍልጦ ክህብ ደልዩ?


ዶ’ስ …"ኣገናዕ! እንቋዕ ኣብ ጸላም ለይቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈኒኹም ንሰራዊት ኢትዮጵያ ጨፍጨፉኩሞ" ኢሉ ንምምስጋን ይኸውን? ኣፍልጦን ሽልማትን ግድን እንተ ተደልዩ ድማ፣ ነቶም ልዑል ዋጋ ከፊሎም ንፈደራላዊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ስዕረት ዘድሓኑ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ/ፋኖታት ኣምሓራን፣ ፍሉይ ሓይሊ ዓፋርን ክወሃብ ምተገብአ!


15. ኣብይ ኣሕመድ ህወሓት ዕጥቂ ንከይፈትሕ ምግባሩ፡ ቀንዲ መሻርኽቱ ዝነበሩ ኤርትራን ፋኖ ኣምሓራን ጠሊሙ፡ ኣንጻሮም ንክገብሮ ዝወጠኖ ኲናት፡ ንሰራዊት ህወሓት ኣብ ጎኑ ኣሰሊፉ ክጥቀመሎም ብዝብል ዕላማ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብሉ ብዙሓት ወገናት ኣለዉ። ተወላዲ ኦሮሞ ዝዀነ ኢትዮጵያዊ ምሁር ፕሮፌሰር እዝቅኤል ገቢሳ ዝብሃል ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት፣ "ካብ ቅድሚ 6 ኣዋርሕ ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ መራሕቲ ትግራይ ኣብ ዝገበሮ ምምኽኻር፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ከውርዶ ድልየት ከምዘለዎን፡ እቲ ምቹእ እዋን ድማ ሕጂ እዩ ኢሉ ስለዝሓስበ’ዩ ዝብል እምነት አሎኒ” ክብል ርእይቶኡ ሂቡ ከም ዝነበረ ክዝከር ይከኣል።


16. ነዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ውሽጣዊ ምንጭታት ከምዘቃልዕዎ፡ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ጀነራል ጻድቃንን ጀነራል ታደሰ ወረደን ኣብ ዘካየዶ ናይ ኣራት ኪሎ ምኽሪ፡ ጉዳይ ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ጥሙሓት ኢትዮጵያ አልዒሉ፡ ነዚ ብዝምልከት ጀነራል ጻድቃን ኣቐድም አቢሉ ዝጸሓፎም ኣገደስቲ ዝበሎም ጽሑፋት ድሕሪ ምምስጋን፡ "ንነዊሕ እዋን ሕልሚ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኰይኑ ዝጸንሐ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ተግባራዊ ንምግባር ጽቡቕ አጋጣሚ ተፈጢሩ ኣሎ፣ ምስ ሻዕብያ ክንገበሮ ወጢንናዮ ኣብ ዘለና ምርጻም፡ ናትካን ናይ ካልኦት ላዕለዎት ወተሃደራውያን መኰንናት ትግራይን ተሳታፍነት ወሳኒ ኢዩ፡” ድሕሪ ምባል፣ ናይ ምሉእ ጀነራል ማዕርግ ተቐቢሉ ነዚ ተሓሲቡ ዘሎ “ወፍሪ ቀይሕ ባሕሪ” ከም ላዕለዋይ አዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኑ ንኽመርሖ ዕድመ ከም ዘቕረበሉ’ሞ፡ ጀነራል ጻድቃን ድማ በወገኑ ነቲ ጻውዒት ክሓስበሉ’የ ዝብል መልሲ ከምዝሃቦን ኣብ እዋኑ ኣቃሊዖም።


17. ጀነራል ጻድቃን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዘለዎ ክቱር ጽልኢ ንኹሉ ኤርትራዊ ግሁድ እዩ። ጻድቃን አብ ፈለማ 1970ታት ኣብ ሃይለስላሴ ዩኒቨርስቲ ኣብ ኣራት ኪሎ ኮለጅ ሳይንስ ተመሃራይ ከሎ፡ ምስኡ መማህርቱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብዛዕባኡ ከዝክሩ እንከለዉ ከምዚ ዝስዕብ ይብል ከምዝነበረ ይሕብሩ፣ "ኤርትራውያን ንተጋሩ ይንዕቁና ኢዮም፡ ዋላ'ኳ ንሓና ክንቀርቦም እንተደለና፡ ፈጺሞም ኣይቀርቡናን ኢዮም።" እዚ ሕማም ኣብ ነብስኻ ዘይምትእምማንን ስምዒት ትሑትነትን  (inferiority complex) ዘንጸባርቕ ምልክት ኢዩ። ኣብቲ ናይ 1998-2000 .. ወያነ ኣንጻር ኤርትራ ዘባራዓቶ ኲናት፣ ቀንዲ ኣዛዚ ሰራዊት ወያነ ኰይኑ፡ ኣብ ግንባር ጸሮናን ዓሰብን ንወያነ ዘጋጠሙ ዓበይቲ ስዕረታት ዋና ተሓታቲ ስለዝነበረ፡ ድሕሪ’ቲ ፍሹል ኲናት ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ንጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ካብ መዝነቱ ከምዘልገሶን ከምዘባረሮን ምዝካር ግቡእ ይመስለኒ። ካብኡ ክሳብ'ዚ ዳሕረዋይ ኲናት ናይ 2020 ዝጅመር፡ ጻድቃን ናይ ንግዲ ስርሑ ኣብ ኢትዮጵያን ትምህርቱ አብ ወጻኢን ይገብር ነይሩ። ስለዚ ካብቲ ንነዊሕ ዓመታት ከሳቕዮ ዝጸንሐ ውሽጣዊ ሕማምን፡ ንነዊሕ ዝዓቖሮ ዘይርሳዕ ቃንዛ ስዕረቱን ምእንቲ ክገላገል፡ ካብ ኣብይ ኣሕመድ ንዝቐረበሉ ጻውዒት ተቐቢሉ ሕነ አብ ልዕሊ ኤርትራ ክፈዲ ምድላዩ ዘገርም አይኰነን። እቲ ዘገርምን ሕፍረተ-ኣልቦ ምዃኑ ዘመልክትን ግና፡ ንኹሎም ደቁ ብገዚፍ ወጻኢታት ኣብ ዩኒቨርሲታት ኣሜሪካ ኣምሂሩን ብዲግሪ ኣመሪቑን፣ በተወሳኺ ድማ ንቤተሰቡ ኣብ ኣመሪካ ብኽቡር ዋጋ ዝገዝኦ ገዚፍ መንበሪ ገዛን ምቹእ ናብራን ክነብሩ እናገበረ ከብቅዕ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዘለዎ ቂምታን ጽልኢን ሕኒኡ ንኽፈድይ ብዝብል ስምዒታዊ ዕንደራ፡ ንህይወት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መሳኪን መንእሰያት ትግራይ ኣብ ዘየድሊ ኲናት ዘህለቖም፡ ገና'ውን ከህልቖም ዝሓስቦ ዘሎን፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ ሰይጣናዊ ተግባር እዩ።


ብርግጽ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኲናት ንምውላዕ ዲዩ ተደልዩ፡ ወይስ ሕቶታት ናይ ህዝቢ ክምልሽ ብዘይምኽኣሉ ኣንፈት ኢትዮጵያውያን ንምጥምዛዝ ዝዓለመ ሽጣራ!


18. ሽሕ'ኳ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ርክብ ክልቲአን ሃገራት እንታይ ከም ዝኸውን ምትንባይ ኣጸጋሚ እንተዀነ፡ ናብቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝነበረ ምትእምማን ዝመልኦ ዝምድና ምምላስ ከም ዘይከኣል ግን ብርግጽ ምዝራብ ይከኣል’ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብይ ኣሕመድ "ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህላወ ሕቶ'! ኢትዮጵያ ብዘይ ወደብ ክትነብር ኣይትኽእልን እያ! ታሪኻዊ ዶብ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ እዩ ነይሩ! ካብ 100ሚልዮን ንላዕሊ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ናይ ግድን ኢዩ! እንተ ተኻኢሉ ብሰላም፡ እንተ ዘይኰይኑ ግን ብሓይሊ ከነረጋግጾ ናይ ግድን ኢዩ፡” ዝብል ምጕብዕባዕን ሃለውለውን ዝበዝሖ መደረ ብንጹር ንኤርትራ ዝዓለመ ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ እቲ ሕጂ ዝድለ ዘሎ ኣንጻር ኤርትራ ኲናት ምጅማር ዲዩ? ብኣምሓርኛ “ዓሳ ጐርጓሪ ዘንዶ ያወጣል፡ የሰው ፈላጊ የራሱን ያጣል” ዝብል ብሂል ኣሎ፣ እዚ ማለት፡ "ዓሳ ንምሓዝ ሃሰውሰው ዝብል ገበል የውጽእ፣ ናይ ሰብ ዝደሊ ድማ ናቱ ይስእን” ድኣ ከይከውን ዳሕራይ ውጽኢቱ! ወይ'ውን ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ኢትዮጵያ አልዒሊዎ ንዘሎ ናይ ሰላምን ጸጥታን ከምኡ'ውን ናይ ናብራን ህይወትን ተኣፈፍቲን በዳህቲን ሕቶታት ክምልስ ስለዘይከኣለ፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ብምልዓል ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዝተማህዘ መዐደጊ ጊዜ ክኽወን ይኽእል'ዩ ዝበሎ ስልቲ'? ክልቲኦም እዞም ዝተጠቕሱ ኣማራጺታቱ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብወገን ኤርትራ ግን እቲ ጉዳይ እኹል ጥንቃቐን ቆላሕታን ክግበረሉ ምዃኑ ምንም ዘጠራጥር አይኰነን።


19. ኣብዚ ሕጂ፡ ምስ ናይ አምሓራ ፋኖን ናይ ኦሮሞ ኦነግ-ሸኔን ሓያል ደማዊ ኲናት ኣብ ዘካይደሉ፡ እሞ ኸኣ ድሮንን ከበድቲ ኣጽዋርን ተጠቒሙ ከንበርክኾም አብ ዘይከኣለሉ፡ ወያነ 270 ሽሕ ዕጥቁ ዘይፈትሐ ገዚፍ ሰራዊት አሎኒ እናበለት አብ ትፍክረሉ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኢትዮጵያ ብጥምየትን መሪር መነባብሮን ዝሳቐዩሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፣ ምስ ሶማሊያ ብጉዳይ ሶማሊላንድ ዝፈጠሮ ከቢድ ወጥሪ አብ ዝሃለወሉ ህሞት፣ ኣብይ ኣሕመድ ብሓቂ ድዩ ኲናት ኣንጻር ኤርትራ ክውልዕ ደልዩ? ዝብል ሕቶ ምልዓል አገዳሲ እዩ። ኣብይ ኣሕመድ ወያኔን ቅድሚኡ ዝነበሩ መንግስትታት ኢትዮጵያን ዝጋጠሞም ከቢድ ስዕረት ስለዝፈለጥ፡ ናብ ኤርትራ ዘቐንዐ ኲናት ምፍታን ክቡር ዋጋ ከም ዘኽፍሎ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።


20. እቲ ዘሕዝንን ኣካታዕን ተርእዮ ግን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ብጥምየትን ናህሪ ዋጋ መነባብሮን እናተሳቐዩን፡ ካብ ዓዶም ተመዛቢሎም ከርፋሕ ናብራ እናነበሩን፣ ኣብ ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝቕጽል ዘሎ ደማዊ ኲናት እናተጋደደ አብ ዘለወሉ ኩነታት፣ ኣብ ክንዲ ሕቶታት ናይዞም ዜጋታት ቀዳምነት ብምሃብ መፍትሒ ክረኽበሉ ዝፍትን፡ ተሸላሚ ሽልማት ኖቤል ዝዀነ ኣብይ ኣሕመድ ቀዳምነትን ኣቓልቦ ሂቡዎ ዘሎን ጉዳይ ንዝጠመየ ዜጋ እንጌራ ሂብካ ምዕንጋል ዘይኰነስ፡ አብ ብልጭልጭ ዝብል ፕሮጀክትታት እዩ። ቀንዲ ኣቓልቦኡ ኰይኑ ዘሎ፡ ብ15 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ብምግባር ምሕዳስ ቤተ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴን ህንጸት ሓደሽቲ ፓርክታት ኰይኑ፡ ናይ ወጻኢ ሃገራት መራሕቲ ዓዲሙ ገዚፍ እንግዶት ምግባርን፡ ዝገበርኩዎ ርኣዩለይ አድንቑለይ ምባልን ኢዩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ዘመነ ሃጸይ ሃይለስላሰ እውን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ህዝቢ ወሎ ከም ቆጽሊ ብጥሜት ይረግፍ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ናይ ወጻኢ መራሕትን ፍሉጣት ሰባትን ተዓዲሞም፡ እቶም ንጉስ መበል 80 ዓመት ልደቶም ንኸብዕሉ ካብ ወጻኢ ብኣይሮፕላን ተጻዒኑ ዝመጸ ብኽቡር ዋጋ ዝተገዝአ ሕብስቲ (ኬክ) ዝተቖረሰሉ: ዊስኪታትን ሻምፓኝን ከም ማይ ዝተሰተየሉ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ። እቲ ብመንግስቱ ሃይለማርያም ዝምራሕ ናይ ዓሳክር ስርዓት ደርግ'ውን፡ ኣብ 1984 — 7 ዓመታት ቅድሚ ብስዕረት ካብ ስልጣን ምግላፉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ (ኣብ ትግራይን ወሎን) ብርቱዕ ደርቂን ዓጸቦን ኣብ ዝነበረሉ፣ ንጽንብል ምምስራት ሰልፊ ኢሰፓ ብሚልዮናት ዶላራት ወጻኢታት ኣሽሓት ጠራሙዝ ዊስኪ ካብ ስኮትላንድ ተዓዲጉን ብብዙሕ ወጻኢታት ተደጊሱ እዩ።


21. እንሆ ሕጅ'ውን እቲ ትራጀድያዊ ዛንታ ኢትዮጵያ ክደጋገም ከሎ ንዕዘብ አሎና። መራሒ ሰልፊ ብልጽግና ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቶም ብጥምየት ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታት ኢትዮጵያ ናይ ምዕንጋል ህጹጽ ዕማም ናብ ጎኒ ገዲፉ፡ ብገዚፍ ወጻኢታት ዝኣረገ ቤተ-መንግስቲ ምሕዳስን ሓደስቲ መናፈሻታት (ፓርክታት) ምስራሕን መሪጹ ይርከብ። ታሪኽ'ውን፡ ልክዕ ከም'ቶም ዝሓለፉ ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ በዚ ዝፍጽሞ ዘሎ ጨካን ተግባራቱ ክዝከሮ ክነብር ኢዩ።


ንውዕል ፕሪቶርያ ንምግምጋም ዝተገብረ ኣኼባን ውጽኢቱን


22. ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንምግምጋም፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ወከልቲ ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይንዝተጸውዐ ኣኼባ፡ መንጐኛታትን ተዓዘብትን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ብዕለት 11 መጋቢት2024 .. ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ኣብቲ ገምጋም ብዙሕ ኣቓልቦ ዝተዋህቦጉዳይ፡ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብንጹር ዝሰፈረ ግን ከኣ ዛጊት ኣስታት ዓመትንመንፈቕን ኣሓሊፉ ዘሎ’ሞ ክሳዕ ሕጂ ዘይተተግበረ ጉዳይ ምፍታሕ ዕጥቂ ህወሓት እዩ ነይሩ። 


23. ህወሓት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ዝርከቡ ዝበለቶም ከባቢታት ናብ ትግራይ እንተ ዘይተመሊሶም፡ ሰራዊታ ዕጥቂ ከምዘይፈትሕንከምዘይጣየስን ደጋጊማ ምግላጻ ይፍለጥ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስን ውሳኔ ቤትፍርዲ ዘ ሄግን ዝተደንገገሉ መሬት ከምዘሎ መርገጺኡ ብንጹር ገሊጹ’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ'ውን፡ብመንገዲ ኣብ ሎንዶን ብሪጣንያ ዝርከብ ኤምባሲኡ ኣቢሉ፡ "ሰራዊት ኤርትራ ኣብልዑላዊ መሬት ኤርትራ እዩ ዝርከብ" ዝብል ንጹር መልሲ ሂቡሉ’ዩ።


24. ህወሓት ብደገፍ ዓንገልቱን ኣሸቀልቱን ብናቱ ኣብያን ንልዕሊ ዕስራ ዓመታትስምምዕ ኣልጀርስን ውሳኔ ኣህጉራዊ ዳንነት ዘ ሄግን ምትግባር እምቢ ከምዘይበለ፡ ሕጂብዘይ ሕፍረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሙሉኡ ተግባራዊ ክኸውን ምምሕጻኑ ንጹርመርኣያ ድርብ መለክዕታትን ምስሉይነትን (double standards and hypocricy) ናይ ጃንዳ ወያነ ኢዩ። ውሳነ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቤትፍርዲ ሄግ ኔዘርላንድስብወግዒ ድሕሪ ምእዋጁን፡ ባድመ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ምዃና ምስተረጋገጸን፡ድሕሪ ሒደት ሰሙናት አቢሉ፡ እቲ ውሩይ ኤርትራዊ ራሃባ ኣርቲስት በረኸት መንግስትአብዝደረፋ እዋናዊት ደርፊ፣  "ማሌሊት – ንኤርትራ ዝጸመቝክዮ ዕረ፡ መሪሩኪ ሓቅነትምስ ሰዓረ፡ ውሓጥዮ’ምበር / ስተይዮ’ምበር፡ ናበይ ድሕር ድሕረ" ኣዘኻኺራትኒ።ህወሓት ዘለዋ እንኮ ኣማራጺ – ነቲ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ኣብ ደን ሃግኔዘርንድስ ዝተወስነ "ናይ መወዳእታን ቀያዲን" ምምልካትን ምሕንጻጽን ዶብ ብዘይውዓል ሕደር ተቐቢላ ኣብ ባይታ ምትግባር ጥራይ እዩ።


25. ጉዳይ ወልቃይትን ራያን እቲ ቀንዲ ኣብ መንጎ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ወጥሪ ፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ እዩ። ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩወረዳታት ራያ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ቀጻሊ ምልውዋጥ ተኹሲ ከምዝነበረይፍለጥ። ነዚ ብዝምልከት ብፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራ ይኹን ክልል ትግራይ ዝህቡዎ ዘሎዉ መግለጺታት፡ ኣብ መንጎኦም ምትእምማንዘይምህላዉ፣ ከምኡ’ውን ከቢድ ስግኣትን ወጥሪን ከምዘሎ ዘመልክት እዩ። ከምቲኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብንጹር ዝተገልጸ (ዓንቀጽ 10፡ ፍቕዲ 4) "ክልቲኣቶም ወገናትጉዳይ ዘሰሓሕቡ ከባቢታት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያንኽፈትሕዎ" ከም ዝተሰማምዑ ይፍለጥ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብኢትዮጵያን ክልቲኤን ክልላትን ነባሪ ሰላም ክረጋገጽ እንተዀይኑ፡ ሕገ-መንግስታዊሕቶ ህዝቢ ትግራይ ትዅረት ክወሃቦ ይግባእ ኢሉ ነይሩ። ብወገን ኣብይ ኣሕመድ ግን፡ ወጻኢ ካብ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ክንዲ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ፌደራላዊት ኢትዮጵያ ዝኸውን፡ ካብኡ ፍልይ ዝበለ ሓዲሽ መርገጺ ሒዙ ኣሎ። ካብ ፈደራላዊ መንግስትን ክልቲኤን ክልላትን ዝቘመት ኮሚቴ ብምጥያስ፡ ንጉዳይ ወልቃይትንራያን ብዘተን እንካን ሃባን ክልቲኦም ወገናት ክፍታሕ ኢዩ ዝብል። ተመዛበልቲ ናብቲቅድሚ ሕጂ ዝነበርዎ መረበቶም ንኽምለሱ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ተገምጊሙ ምቹእ ጊዜ ምስተረኽበ (ናይ ግዜ ገደብ ኣየነጸረን) ብመሰረት ርእሰ-ውሳነህዝቢ እቲ ከባቢ (ረፈረንደም) ጉዳይ ወልቃይትን ራያን ንሓዋሩ ኽፍታሕ’ዩ ዝብል ኢዩ። ብዙሓት ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝካታተሉ ተንተንቲ፡ እዚ ኣገባብ'ዚ ነቲ ወጥሪ ዝያዳዘዕርጎን ዝተሓላለኸ ዝገብሮን’ዩ ዝብል ርእይቶ አለዎም።



26. ጉዳይ ወልቃይትን ራያን ብመሰረት ፌደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ፍታሕ ዝረክብ ዝብል ትጽቢት ከምዝነበረ ብሩህ ኢዩ።፡ እንተዀነ ግን፡ ኣብይ ኣሕመድንስምምዕ ፕሪቶርያ ብግልጺ ዝጠሓሰ ምዃኑ እናፈለጠ፡ ወልቃይትን ራያን ናባይ ከይተመልሳ ዕጥቂ ከየውርድ ዕጭ ሓንፈፍኩ ንዝብል መርገጺኣ ንምትግባር፡ ወያኔ ኣብዚ እዋን' ወታሃደራዊ ዓቕሚ ከምዘይብላ ኣነጺራ ስለ እትፈልጥ፡ ዘለዋ እንኮ ኣማራጺ ኣብይ ኣሕመድ ዝበሎ አሜን ኢልካ ምቕባል ጥራይ እዩ። ወያኔ ነዚ ናይ ወልቃይትን ራያን ብሕጋዊን ሰላማዊን መንገዲ መዕለቢ ክገበረሉ ዝብል ሓሳብ እንተነጺጋቶ ግን፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ካልእ ከቢድ ህልቂትን ስቓይን ክቃላዕ ምዃኑምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ሰሰናዩ!

ወዲ ቀይሕ ባሕሪ




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events